ስነስርዓት ቀብሪ ናይታ ብፖሊስ ዝተቐትለት ኣባል ቤት ምኽሪ ክልል ሶማል ተፈጺሙ

ምንጪ ስእሊ, JUWERIA SUBICS
ብሓደ ኣባል ፌደራል ፖሊስ ብጥይት ዝተቐትለ ኣባል ቤት ምኽሪ ክልል ሶማል ሎሚ 16 ጥቅምቲ 2015 ሰዓት ትሽዓተ ስርዓተ ቐብራ ተፈጺሙ።
ጁዋርያ መሓመድ ኢብራሂም ትማሊ 15 ጥቅምቲ 2015 (ግእዝ) እያ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጅግጅጋ ተቐቲላ።
ኣብቲ ስነ-ስርዓት ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ክልልን ዓበይቲ ዓዲን ከምኡ እውን ብርክት ዝበሉ ሰባትን ተረኺቦም ነይሮም።
ትማሊ ድሕሪ ቀትሪ ኣንጻር ቅትለት እታ ኣባል ባይቶ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዝተኻየደ ሪፖርተር ቢቢሲ ቋንቋ ሶማል ሓቢሩ።
ኣማኢት ነበርቲ ኣብ ጥቓ ገዝኣ ተቓውሞኦም ዘስምዑ እንትኾኑ፡ እቶም ሰልፈኛታት ኣብ ልዕሊ እቲ ብቕትለታ ተሓታቲ ዝኾነ ሰብ ቅልጡፍ ስጉምቲ ክውሰድ ሓቲቶም።
ገለ ሰልፈኛታት እምኒ ብምድርባይ ተቓውሞኦም ዝገለጹ ክህልዉ ከለዉ ምስ ፖሊስ ናብ ባእሲ ዝኣተዉ’ውን ነይሮም።
ፖሊስ ዘንብዕ ጋዝ ብምትኳስ ነቲ ሰልፊ ከምዝበተነን ዝተጎድአ ሰብ ከምዘየለን እቲ ሪፖርተር ሓቢሩ።
ፕረዚደንት እቲ ክልል ኣቶ ሙስጠፌ ዑመር ብሞት እታ ኣባል ቤት ምኽሪ ዝተሰምዖ ሓዘን ንስድራኣን ብሓፈሻ ንህዝቢ እቲ ክልልን ገሊፆም።
ንሱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቲ ቀታሊ ክሳብ ሞት” ከምዝቕጻዕ ብምግላጽ ህዝቢ ክሃድእ ሓቲቱ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ዋላ እኳ ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ሰላም እንተሃለወ፡ ወጥሪ ከምዘሎን ነበርቲ በቲ ቅትለት ኣዝዮም ተቖጢዖም ከምዝርከቡን ይግለጽ።
ኣብዚ ናይ ትማሊ ናዕቢ ገለ መናእሰይ ደለይቲ ፍትሒ ከምዝተኣሰሩን ካብዚኦም ሓደ ምክትል ቢሮ ስፖርት መናእሰይ ነበር ኢብራሂም ዓብደልቃድር ከምዝርከብን እቲ ሪፖርተር ቢቢሲ ሶማል ይሕብር።
ኦሳም ሱሉፕ ዝተበሃለ ኣባል ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ'ውን ንዝተወሰነ እዋን ተኣሲሩ ድሕሪ ምጽናሕ ከምዝተፈትሐ ወሲኹ ይገልጽ።
እቲ ኣባል ፖሊስ ፌደራል ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኣባላት ፖሊስ ፌደራል’ውን ዝተኮሰ ክኸውን ከሎ ብፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማልን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገርን ተታሒዙ፡ ሎሚ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ’ሎ።
ኣብ ልዕሊ ጁዋርያ ኢብራሂም ጥይት ከምዝተኮሰ ምእማኑ እውን እቲ ሪፖርተር ገሊጹ።
ጁዋርያ ኢብራሂም ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጅግጅጋ ንሓፍታ ተቐቢላ ፎቶ ክሳኣላ ከለዋ "ንዓይ'ውን ኣብቲ ስእሊ ኣእቲኽኒ" ብዝብል ዘይምርድዳእ ከም ዝተላዕለ ምስምዑ ሓቢሩ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ፖሊስ ምስ ሓላፊ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ተባኢሱ ኣብ ሕርቃን ከምዝነበረ እቲ ሪፖርተር ቢቢሲ ሶማል ይሕብር።
ድሕሪ’ቲ ምስሕሓብ ጥይት ከምዝተኮሰ ዝገልጸ እቲ ሪፖርተር፡ ካብ ጁዋርያ ብተወሳኺ ንሓፍቱ ክቕበል ዝመጸ ካልእ ኣባል እቲ ቤት ምኽሪ’ውን ከም ዝቖሰለ ጠቒሱ።
ሓፍቲ ጁዋርያ እውን ቆሲላ ከምዘላ ተገሊጹ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
