መንግስቲ ኤርትራ፡ ንኣቡነ ፍቕረማርያም ካብ ማእሰርቲ ፈቲሕዎም

Published

ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጐስ ጳጳስ ዘመንበረ ሰገነይቲ፡ ሎሚ ረቡዕ 28 ታሕሳስ ካብ ማእሰርቲ ከምዝተፈትሑ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ኣረጋጊጾም።

ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጐስ ብ15 ጥቅምቲ ካብ መገሻኦም እናተመልሱ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ምስ ኣተው እዮም ብኣባላት ጸጥታ ኤርትራ ተሲሮም።

ድሕሪ ማእሰርቶም፡ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ ሃለዋቶም ንዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ፡ ምስ ሓተተት፡ “ሒዝናዮም ኣሎና” ዝብል ምላሽ ከም ዝተዋህባ ይፍለጥ።

መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ኣቡነ ብምንታይ ምኽንያት ከምዝኣሰሮም ዝዀነ ይዅን ወግዓዊ መግለጺ ስለዘይሃበ፡ ኣበይን ስለምንታይ ከምዝተኣስሩን ዝተፈልጠ የለን።

ብተወሳኺ ቆሞስ ቤተክርስትያን ቅዱስ ሚኪኤል ሰገነይቲ ኣባ ምሕረትኣብ እስቲፋኖስ እውን ከምዝተፈትሑ ተፈሊጡ'ሎ።

ድሕሪ ማእሰርቲ እቶም ኣቡንን ሓቢሮሞም ዝተኣስሩ ካህናትን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከቡ ኤርትራውያን ዲያስፖራ፡ ኣብ ኤወሮጳን ኣመሪካን ሓያል ቁጠዐ ፈጢሩ “ መራሕቲ ሃይማኖትና ይፈትሑ! ዝብል ተኸታታሊ ሰላማዊ ሰልፍታት ተኻይዱ ነይሩ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ብኣህጉራዊ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ከም ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ዝኣመሰላ ሓያላን ሃገራት “ናይ እምነትን ኣምልኾን መሰል ኣየፍቅድን እዩ” ብዝብል ብምግሃስ ኩሉ ዓይነት መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ንነዊሕ እዋን ክኽሰስ ጸኒሑን ኣሎን። 

ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት መንግስቲ ኤርትራ ንኹሉ እቲ ብካቶሊካዊ ሃይማኖት ዝመሓደርን ንህዝቢ መባእታዊ ኣገልግሎት ጥዕናን ትምህርትን ዝህብ ናይ ነዊሕ ዓመታት ተመኩሮን ኣገልግሎትን ዝነበሮ ትካላት ወሪሱዎ እዩ።

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኮነ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ትካላት እቲ መንግስቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ነቲ ድሮ ብሕጽረት ቀረብ መድሃኒትን መሳርሒታትን ሞያውያንን ዝተዳኸመ ኣገልግሎት ጥዕናን ትምህርትን ደገፍን ሓገዝን ምንባሩ ብምግላጽ፡ መንግስቲ ንውሳኔኡ ዳግመ ግምት ክገብረሉ እኳ እንተሓተቱ፡ ኣብ ውሳኔኡ ዝጸንዐ መንግስቲ ግን ምላሽ ኣይሃበን።

መንግስቲ ኤርትራ ንከም ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን፡ ሉተራን ቤተ ክርስቲያንን ከምኡ እውን ሱኒ እስልምናን ጥራይ ብነጻነት ክንቀሳቐሳ ከምዝፈቕደለንን ክልቲኦም ኣመንቲ ሃይማኖታት እስልምናን ክርስትናን ህዝቢታት ብውህደት ከምዝነብሩ ዝገልጽ እንተኾነ፡ ንካህናትን ምእመናንን እዘን ሃይማኖትን እውን ገና ይኣስርን ብዘይ ንቡር መስርሕ ቤት ፍርዲ የሳቒ ከምዘሎ እዩም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝኸሳ።

ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ኣቡናት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ መንግስቲ ኤርትራ ንዅሉ ዘማእክልን ዝሓቁፍን ደሞክራስያዊት ሃገር ክሃንጽን እቲ ዘሎ ምልካዊ ኣተሓሕዛ ንከቋርጽ ብተደጋጋሚ ክጽውዑ ምጽንሖም ዝዝከር እዩ።

ኣብ መንግስቲ ኣሜሪካ ንጉዳይ ናጽነት ሃይማኖት ዝከታተል ኣካል ኮሚሽን ኣህጉራዊ ናጽነት ዝኾነ ትካል፡ ብቐጻሊ ኣብ ኤርትራ ነጻነት እምነትን ኣምልኾን ካልእ መባእታዊ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ክኽበር ይጽውዕ።

ይኹንእምበር፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ኣብ 2018 ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ " ብዛዕባ ኤርትራ ግጉይ ስእሊ ወይ ዝንቡዕ ሓበሬታ ኣሎ ኰይኑ'ምበር፡ ኤርትራ መሰል እምነት እተኽብር ሃገር እያ" ክብል ምላሽ ሂቡ ነይሩ።