ሪፓብሊካን ባይቶ 'ቀዳምነት' ንምርመራ ስድራ ቤት ባይደን ክብሉ ይሕነዩ ኣለዉ

Published

ሪፓብሊካን ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ሓይሊ ሚዛን ምስ ረኸቡ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ፡ ብ "ቀዳምነት" ንስድራቤት ፕረዚደንት ጆ ባይደን ክምርምሩ ምዃኖም ገሊጾም።

እቶም ኣባላት ባይቶ፡ እቲ መርመራ ኣብቲ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝካየድ ንግዳዊ ርክባት ወዲ እቲ ፕረዚደንት ሃንተር ባይደን ዘተኮረ ምዃኑ ገሊጾም።

እቲ ወዲ 52 ዓመት መንእሰይ ድሮ ኣብ ትሕቲ ፌደራል መርመራ ይርከብ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ብዝኾነ ክሲ ኣይተኸሰሰን።

ሃንተር ባይደን ብዝኾነ ይኹን ብርኪ ምስቲ ምምሕዳር ኣይተሳተፈን።

ላዕለዎት ሪፓብሊካን ግን፡ መርመራኦም ጆ ባይደንኣብ ንግዳዊ ርክባት ወዱ ክሳብ ክንደይ ተሳትፎ ከምዝነበሮ ከምዝውስን ይገልጹ፤ እዚ ድማ ባይደን ምክትል ፕረዚደንት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዘጠቓልል እዩ።

ትማሊ ሓሙስ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ስዒቡ ኣብ ዘውጽእዎ ግዝያዊ ጸብጻብ፡ እቲ ፕረዚደንት ንግዳዊ ርክባት ስድርኡ ብዝምልከት ንህዝቢ ኣሜሪካ ሓሲዩ እዩ ክብሉ ተማጒቶም።

"እቲ ፕረዚደንት ስድርኡ ኣብ ምህብታም ዝገብሮ ተሳትፎ፡ ብሓደ ቃል፡ ዝለዓለ ደረጃ ብልሽውና'ዩ" ይብል እቲ ሓዱሽ ኣቦ መንበር ኮሚተ ተቖጻጻሪ ዝኸውን ባይቶ ጄምስ ኮመር።

"ንጹር ክኸውን እደሊ፡ እዚ መርመራ ጆ ባይደን እዩ፡ ኣብኡ ድማ እዩ ትኹረት ዝቕጽል ኮንግረስ ዝኸውን።"

ሃንተር ባይደን ገበናት ግብሪን ምትላል ምትሕልላፍን ከምዝፈጸመ ክኸስስዎ እንከለዉ፡ ንኽምስክር ብቅልጡፍ ክጽውዕዎ መደብ ከምዘለዎም ግን ኣይገለጹን።

ጠበቓ ሃንተር ባይደን ዝኾነ ክሪስቶፈር ክላርክ፡ ሃንተርባይደን ብዛዕባ’ቲ ሪፓብሊካዊ ኣዋጅ ዝኾነ ርእይቶ ከምዘይብሉ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ሰበስልጣን ሃገራዊ ኮሚተ ዲሞክራትስ፡ ሚስተር ኮመር፡ "ናይ ሓሶት መርመራታቱ ንፕረዚደንት ባይደን ንምጉዳእ ዝተዳለወ ፖለቲካዊ ልምምድ ምዃኑ ብንጹር ዝገለጸ" መሐጎሲ ትራምፕ ከምዝኾነ ብምግላጽ መልሲ ሂቦም።

ኣብቲ መልሲ፡ እቲ መርመራታት ፖለቲካዊ ድራኸ ዘለዎ ምዃኑ ወሲኾም ገሊጾም።

ወሃቢ ቃል ኢያን ሳምስ፡ "ኣብ ክንዲ ምስ ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ንህዝቢ ኣሜሪካ ኣገደስቲ ዝኾኑ ጉዳያት ምስራሕ፡ ሪፓብሊካን ኮንግረስ ቀዳምነት ዝህቦ ፖለቲካዊ ድራኸ ዘለዎም መጥቃዕትታት ኣብ ፕረዚደንት ባይደን ምፍጻም'ዩ" ኢሉ።

ኣብ መስከረም 2020 ብሰኔት ሪፓብሊካን ዝወጸ ጸብጻብ፡ ሃንተር ባይደን ስልጣን ኣቡኡ ተጠቒሙ "ገንዘብ ከም ዝረኸበ" እኳ እንተገለጸ፡ እቲ ርኽበታት ግን ኣቡኡ ከምዘይተኣሳሰር ይሕብር።

እዚ ሓድሽ ዝተኣወጀ መርመራ ሓደ ካብቶም ብዙሓት ሪፓብሊካን ባይቶ ክመርሕዎም ዝኽእሉ ክኸውን እንከሎ፡ ካልኦት ድማ ምምሕዳር ባይደን ሰራዊት ኣሜሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ዝጽወጻሉ መገዲን ኣገባብ ምሕደራ ለበዳ ኮሮናቫይረስን ይርከብዎም።

እቲ ብ6 ጥሪ 2021 ብደገፍቲ ትራምፕ ኣብ ካፒቶል ሂል ዝተፈጸመ ናዕቢ ዝምርምር ምሩጽ ኮሚቴ፡ እቲ ሓድሽ ኮንግረስ ስልጣን ምስ ሓዘ ክፈርስ እዩ።

ደረጃ ዘለዎም ኣባላት ባይቶ ሪፓብሊካን፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ሓድሽ ኮንግረስ ክእከብ ከሎ፡ ነቲ ሕጂ መራሒ ውሑዳት ዝኾኑ ኬቪን ማካርቲ፡ ኣፈኛ ባይቶ ክኸውን ምርጫኦም ገይሮም ሓጽዮምዎ እዮም።

እቲ ኣባል ኮንግረስ ካሊፎርንያ እንተድኣ ተመሪጹ፡ ንታ ንነዊሕ እዋን መራሒት ዲሞክራት ዝነበረት ናንሲ ፔሎሲ ክትክኣ እዩ። ናንሲ ፔሎሲ ትማሊ ሓሙስ ካብ መሪሕነታ ክትወርድ ምዃና ኣፍሊጣ እያ።

ሚስተር ማካርቲ፡ ዝበዝሐ ድምጺ ሪፓብሊካን ንዩክሬን ዝወሃብ ምወላ ንድሕሪት ክስሕብ ምዃኑ ሓሳብ ኣቕሪቡ’ኳ እንተነበረ፡ ኣብቲ ባይቶ ግን ጸቢብ ዝበዝሐ ድምጺ ሒዙ ክቃለስ ኣለዎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዲሞክራትስ፡ ስልጣን ላዕለዋይ ባይቶ ኮንግረስ ዝኾነ ሰኔት ክዕቅቡ እዮም።

ድሒሩ እቲ ሪፓብሊካን ኦሃዮ፡ "ስድራቤት ባይደን ዝገብርዎ ንግዳዊ ውዕላት ንሃገራዊ ድሕነት ስግኣት እዮም" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።