ቢንያም ግርማይ፡ ድሕሪ ማህረምቱ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ጋንታኡ ውድድር ከካይድ'ዩ

Published

ኤርትራዊ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳማይ ብሽክለታ ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ግንቦት ኣብ ዓስራይ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢታልያ ቀዳማይ ወጺኡ፣ ዓወቱ ኣብ ዝጽንብለሉ ዝነበረ ኣጋጣሚ ዓይኑ ተሃሪሙ ካብቲ ውድድር ድሕሪ ምእላዩ፡ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ጋንታኡ ተሰሊፉ ክቀዳደም እዩ።

ተቐዳዳማይ ቤልጂማዊት ጋንታ ኢንተርማርች ዋንቲ ጎበርት ቢንያም፡ ኣብቲ ንመበል 43 ግዜ ዝካየድ ዘሎ ኣብ ቤልጂየም ሓደ ካብ ፍሉጣት ውድድራት 'ቱር' ዝዀነ ካብ 23 ክሳብ 27 ሓምለ ኣብ ዝካየድ፡ ቱር ኢትያስ ዲ ዋሎነ’ዩ ክወዳደር።

እዚ ውድድር ሓሙሽተ መድረኻት ዘለዎ ኰይኑ፡ ከም ትሬክ፡ ኮፊደስ፡ መርሃዊ ቅዱስ ዝወዳደረላ ኣሜሪካዊት ጋንታ ኢኤፍ ኤዱኬሽን፡ ኢንዮስ፡ እስራኤል ፕሪምየር፡ ሙቪ ስታር፡ ኵክ ስተፕ፡ ቲም ዩኤኢ፡ ዝርከባአን 22 ውሩያት ጋንታታት ዓለምና ክሳተፋኦ እየን።

ቢንያም ግርማይ ኣብ ጂሮ ዲ ኢታልያ፡ ክሳብ'ቲ ብሰንኪ ማህረምቲ ዓይኑ ካብ ጸወታ ዝተኣለየሉ ዓሰርተ መድረኻት፣ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ካልኣይ፡ ኣብ ሳልሳይ መድረኽ ራብዓይ፡ ኣብ ሓምሻይ መድረኽ ሓምሻይ፡ ኣብ ሻድሻይ መድረኽ ራብዓይ፡ ኣብ ሻምናይ መድረኽ ሓምሻይ ኣብ ዓስራይ መድረኽ ከኣ ቀዳማይ ምውጽኡ ይዝከር።

ቢንያም ግርማይ በቲ ኣብ ዓስራይ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢታልያ ዘመዝገቦ ናይ መድረኽ ዓወት፡ ኣብ ግራንድ ቱር ዝተዓወተ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ክኸውን ክኢሉ’ዩ።

ቢንያም፡ ኣብ ጂሮ ዲ ኢታልያ ጸወታ ምስ ኣቋረጸ፡ ናብ ሃገሩ ኤርትራ ኣብ ዝተመለሰሉ ኣዝዩ ድሙቕ ኣቐባብላ’ዩ ተገይርሉ።

ንሱ ኣብቲ እዋን ምስ ተለቪዥን ኤርትራ ቃለ መጠይቕ ኣብ ዝገበረሉ፡ ጋንታኡ ኣብቲ ሕጂ ኣብ ምክያድ ዝርከብን ሎሚ መበል 18 መድረኽ በጺሑ ዘሎን ቱር ዲ ፍራንስ ክሳተፍ’ኳ እንተሓተቶ፡ ንሱ ግን ንሻምፕዮን ኤርትራ ክሳተፍ ቀዳምነት ከምዝህብ ምግላጹ ይዝከር።

ንሱ፡ ኣብ ሻምፕዮን ኤርትራ 2022 ኣብ ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ቀዳማይ ብምውጻእ ተዓዋቲ ወርቂ መዳልያ ኰይኑ እዩ።

በዚ መሰረት፡ ክሳብ ዝመጽእ ዓመት ሻምፕዮን ኤርትራ ዝካየድ፡ ቢንያም ግርማይ ምስ ጋንታኡ ኰይኑ ኣብ ዘካይዶ ናይ ግዜ ውድድራት፡ ብብንዴራ ኤርትራ ዝወቐበት ማልያ ለቢሱ’ዩ ውድደራቱ ከካይድ።

ኣብ ናይ ጽርግያ ውድድር’ውን፡ ነቶም ጸወታ ኣብ ምፍላሙ ዝሃደሙን ንልዕሊ 100 ኪሎሜተር በይኖም ዝዝወሩን፡ መርሃዊ ቅዱስን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ንምርካብ፡ ነታ ብዙሓት ተጻወትቲ ሓቚፋ ዝነበረት ካልአይቲ ጕጅለ ብዙሕ ግዜ ክስሕባን ሓያል ተወዳዳርነት ከርእን ክኢሉ እዩ። እንተዀነ ጸወታ ክዛዝም ኣስታት ሰለስተ ኪሎሜተር ምስ ተረፎ ጸወታ ምቍራጹ ይዝከር።

እቲ ጸወታ ኸኣ ብዓወት መርሃዊ ቅዱስ ከም ዝተዛዘመ ኣይርሳዕን።

እዚ ኣብ ቤልጆየም፡ ካብ ዕለት 23 ክሳብ 27 ሓምለ ዝካየድ ቱር ኢትያስ ዲ ዋሎነ፡ 9620.4 ኪሎ ሜተር ዝሽፍን ሓሙሽተ መድረኻት ዘለዎ ሓያል ውድድር እዩ።

ካብ ሎ-ሎክስ ናብ ቻፕል ለዝ ሀርላይሞት ዝካየድ መዛዘሚ ሓምሻይ መድረኽ እቲ ዝነወሐ መድረኽ ኰይኑ፡ 214.8 ኪሎሜተር ዝሽፍን ምዃኑ ተፈሊጡ'ሎ።

ካብቶም ኣብዚ ውድድር ዝሳተፉ ኣብ 22 ጋንታት ዝተሓቝፉ 154 ተቐዳደምቲ፡ ቢንያም ግርማይ ዝርከቦም 43 ተቐዳደምቲ ዕድመኦም ትሕቲ 23 እዩ፡ በዚ መሰረት ቢንያም ንጋንትኡ ብምምራሕ ኣብ ብጫ ማልያ ኣብ ምድብ ዓበይትን፡ ምድብ ትሕቲ 23 ዓመትን’ዩ ክወዳደር።

ኣብ 2021 ንቱር ኢትያስ ዲ ዋሎነ፡ ኣሜሪካዊ ሳይሞን ክኒስ ክዕወተሉ እንከሎ፡ ኣብ 2020 ኸኣ እቲ ኣብ ጂሮ ዲ ኢታልያ ብነጥቢ መወዳድርቲ ቢንያም ዝነበረን፡ ብ245 ነጥቢ ተዓዋቲ ናይ ነጥቢ ማልያ ዝዀነን ፈረንሳዊ ዲማረ ኣርኖልድ ተዓዊትሉ ምንባሩ ይፍለጥ።

ቤልጂማዊ ቫን ኣቫርማት ኣብ ዓመተ 2011 ከምኡ’ውን ኣብ ዓመት 2013  ነዚ ውድድር ክልተ ግዜ ብምዕዋት ክብረ ወሰን ሒዙ ዘሎ ተቐዳዳማይ’ዩ።

እዚ ተቐዳዳማይ ኣብዚ ውድድር 5 ግዜ ናይ መድረኽ ዕውት ብምዃን’ውን ክብረ ወሰን ሒዙ ዘሎ ተቐዳዳማይ እዩ።

ኣብ ገለ ሪከርድታት እዚ ውድድር ምስ እንርኢ፡ ኣብ 2021 ኣብዚ ውድድር ዝተዓወተ ኣሜሪካዊ ሳይሞን ክኒስ ኣብቲ ግዜ ወዲ 20 ዓመትን 77 መዓልታትን ብምንባሩ፡ "ዝነኣሰ ነዚ ውድድር ዝተዓወተሉ ተቐዳዳማይ" ተባሂሉ፤ ኣብ 2006 ዝተዓወተ ኢጣልያዊ ፋብሪዝዮ ጉዲ፡ ሽዑ ወዲ 34 ዓመትን 106 መዓልታትን ብምንባሩ፡ "ዝዓበየ ነዚ ውድድር ዝተዓወተሉ ተቐዳዳማይ" ዝብል ክብሪ ረኺቡ እዩ።

ቢንያም ግርማይ፡ ብዘይካ ኣብ ቱር ኢትያስ ዲ ዋሎነ ካብ 30 ሓምለ ክሳብ 5 ነሓሰ ኣብ ፖላንድ ንመበል 79 ግዜ ዝካየድ ቱር ዲ ፖሎኘ፣ ካብ 16 ክሳብ 19 ነሓሰ ኣብ ፈረንሳ ዝካየድ መበል 55 ቱር ዲ ሊሞሲን፣ 28  ነሓሰ ኣብ ፈረንሳ ንመበል 86 ግዜ ዝካየድ ናይ ሓደ መዓልቲ ክላሲክ ውድድር በርታገን ክላሲክ፣ 9 ከምኡ'ውን 11 መስከረም ኣብ ካናዳ ዝካየድ ግራንድ ሪክስ ኩቤካን፡ ግራንድ ፕሪክስ ሞንትርያልን ዝበሃል ነናይ ሓደ መዓልቲ ውድድራት ክሳተፍ ምዃኑ ጋንታኡ ኣፍሊጣ።

ቢንያም ግርማይ ኣብዛ ዓመት፡ ኣብ 18 ውድድራት 38 መዓልታት ብምውድድር 6096 ኪሎሜተር ዘዊሩ፡ 1205 ነጥቢ ኣብ ዩሲኣይ ከመዝግብ ክኢሉ ኣሎ።