እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ኣብ ዘተ ሰላም ንምስታፍ ንደቡብ ኣፍሪቃ ኣቕኒዖም
ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጲያ ሰላማዊ መዕለቢ ንኽረከብ፡ ብመንጐኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ሎሚ 24 ጥቅምቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝካየድ ልዝብ ንምስታፍ ወከልቲ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ንደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዘቕንዑ፡ ብኽልቲኦም ወገናት ዝተዋህበ መግለጺ የመልክት።
ላዕለዋይ ተዛታዪ ጕጅለ ትግራይ ኣብቲ ዝካየድ ዘተ ንምስታፍ ድሮ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝኣተወ ተፈሊጡ'ሎ።
ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ትግራይ ዝዀነ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረህይወት ብሰንበት ብትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ ሓበሬታ፡ “ኣብቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ ዘተ ሰላም ኢትዮጵያን ትግራይን ዝሳተፍ ልኡኽ መንግስቲ ትግራይ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ በጺሑ ኣሎ፡” ኢሉ።
ንሱ “ብቕልጡፍ ተጻብኦ ደው ምባል፡ ዘይተገደበ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝን ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይን” ቀዳምነት ክወሃቦም ጸዊዑ ኣሎ።
ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ፈደራል ሎሚ 24 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ንግሆ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከም ዝተበገሱ ኣፍሊጡ’ሎ።
እቲ መግለጺ ብተወሳኺ፡ እቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘተ፡ ነቲ ግጭት ንምፍታሕ ዘኽእል ዕድል ከም ዝርእዮ ጠቒሱ፡ ኣብቲ ዘተ ክሳተፍ ምዃኑ ኣረጋጊጹ'ሎ።
እቲ መግለጺ፡ ንመንግስቲ ወኪሎም ዝሳተፉ ተዛተይቲ ኣይጠቐሰን፤ እንተዀነ ኣቐዲሙ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ደመቀ መኮነን ዝምራሕ ሸውዓተ ኣባላት ከምዘለውዎ ሽማግለ ከም ዝቘመ መንግስቲ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።
በቲ ቅድም ኢሉ ዝተዋህበ መግለጺ መሰረት፡ ወከልቲ መንግስቲ፡ ኣቶ ደመቀ መኮነን፡ ዶ/ር ጌድዮን ጢሞቲዮስ፡ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ ኣቶ ተመስገን ጥሩነህ፡ ሌተናል ጄነራል ብርሃኑ በቀለ፡ ዶ/ር ጌታቸው ጀምበር፡ ኣምባሳደር ሓሰን ዓብደልቓድር ተረቝሖም ምንባሮም ኣይርሳዕን።
ብወገን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ'ውን፡ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ንሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳን ኣባል ማእከላይ እዚ ሓይልታት ትግራይ ጀነራል ጻድቃን ገብረትንሳኤን ንትግራይ ወኪሎም ኣብ ዘተ ሰላም ንምስታፍ ከምዝተመዘዙ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ኣብ መፋርቕ ወርሒ መስከረም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ዘተ ሰላም፡ ብምኽንያት ሎጅስቲካዊ ጸገማት ምንውሑ ይዝከር።
ኣብቲ ዘተ ሰላም ካብ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኦሊሴጎን ኦባሳንጆ ብተወሳኺ፡ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታን ምክትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ዶክተር ፉምዚለ ምላምቦ-ናግኩካን ከምዝሳተፉ እውን ተገሊጹ ነይሩ።
ብካልእ ዜና ጸሓፊ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ዘተ ሰላም ብዝምልከት ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ኣፍሪቃን ፕረዚደንት ኬንያን ከምዝዘተየ ትማሊ ብትዊተር ገሊጹ።
ምስ ደቡብ ኣፍሪቃዊ መዘናኡ፡ “ዘተ ሰላም ኢትዮጵያ ኣብ ዝዕወተሉ መንገዲ” ከምዝዘተዩ ዝሓበረ ብሊንከን፡ ምስ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ኣብ ዘካየዶ ዘተ ድማ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዞባዊ ሰላም፡ ከምኡ'ውን ጸጥታ ኢትዮጵያን ቀርኒ ኣፍሪቃን ንዝጻወቶ ወሳኒ ተራ ናእዳ ከምዘለዎ ገሊጹሉ።
ክልቲኦም ወገናት ፍልልዮም ብዘተ ክፈትሑ ማሕበረሰብ ዓለም ጻውዒት ይገብር እኳ እንተ'ሎ፡ ኣብ ባይታ ግን ኲናት ደው ኣይበለን።
ኣብ ትግራይ ንዘለዉ መዕርፎ ነፈርቲን ትካላት ፌደራልን ክቈጻጸር ከምዝዀነ ዝሓበረ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዛጊድ ሽረን ኣላማጣን ዝርከበአን ከተማታት ትግራይ ተቘጻጺሩ ኣሎ።
21 ጥቅምቲ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዝዘተየ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣባል ሃገራት ሓበራዊ ቅዋም ክሕዙ ብዘይምኽኣሎም መግለጺ ከየውጸአ ተበቲኑ።
ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቶማስ ሊንዳ ግሪንፊልድ፡ እቲ ባይቶ ሓባራዊ መግለጺ ከውጽእ ብዘይምኽኣሉ ከምዘሕዘና ብምግላጽ፡ ሃገራ ነቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘተ ሰላም ትድግፍ ከምዘላ ተዛሪባ።
ኣምባሳደር ግሪንፊልድ ኣብቲ ንክልተ ዓመት ዝቐጸለ ኲናት፡ ክሳብ ፍርቂ ሚልዮን ዝበጽሕ ሰባት ከምዝሞቱን፡ ኣሜሪካ ተወሳኺ ጃምላዊ ግፍዕታት ከየጋጥም ኣዝያ ከምዝተሻቐለትን ወሲኻ ገሊጻ።
ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ብወገኑ፡ “ኵነታት ኢትዮጵያ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ይኸውን ኣሎ” ብምባል ኲናት ብቕልጡፍ ደው ክብል ጸዊዑ እዩ።
እቲ ዛጊድ እናጸንከረ ዝኸይድ ዘሎ ኲናት፡ ሕጂ እውን ምኽንያት ሞትን ምፍንቓልን ሰላማውያን፡ ከምኡ'ውን ዕንወት ንብረትን ትሕተ ቕርጽን ኰይኑ ቀጺሉ ኣሎ።
ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ ምቝራጽ ተጻብኦ ምፍራሱ ስዒቡ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዘካይድዎ ዘለዉ ኲናት ሎሚ ሰኑይ ክልተ ወርሒ መሊእዎ ኣሎ።
እቲ ከም ብሓድሽ ዝተወለዐ ኲናት፡ ኣብታ ንልዕሊ ዓመትን ፈረቓን ኣብ ትሕቲ ጥቡቕ ዕጽዋ ዘላ ትግራይ ንዝጸንሐ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዘጋደዶን ድሮ መግብን መድሃኒትን ይውዳእ ከምዘሎን፡ ነበርቲ ቅድሚ ሰሙናት ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም።