እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት ትግራይ 'ክዛዘም እዩ': ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ
ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ሰሜናዊ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት "ከብቅዕን ሰላም ክሰፍንን እዩ" ኢሉ።
ትማሊ ሓሙስ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝተሃነፀ ማእኸል ልምዓት ተውህቦ ኣብ ዘመረቐሉ እዋን እዩ ነዚ ገሊጹ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ኢትዮጵያውያን ብብሄርን ሃይማኖትን ከይተኸፋፈሉ ንብልጽግና እታ ሃገር ብሓባር ክሰርሑ ኣተሓሳሲቡ።
"ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ክዛዘም’ዩ፡ ሰላም ክሰፍን'ዩ። ንዘልኣለም ኣይንዋጋእን። ኣብ ሓጺር ግዜ ተጋሩ ኣሕዋትና ክነልምዕን ንሰላምን ልምዓትን ምስ ተጋሩ የሕዋትና ደው ክንብልን ኢና ዝብል እምነት ኣለኒ" ኢሉ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር።
ይኹን እምበር፡ እቲ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ዝበልዐ፣ ሚልዮናት ድማ ግዳያት ጥሜትን ምምዝባልን ዝገበረ ኲናት ብኸመይ እዩ ፍጻመ ክረክብ ዝብል ግን ንጹር ኣይኮነን።
መደረ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ እቲ ኲናት ኣብ ሓጺር ግዜ ብዓወት ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝዛዘም ዝጥቁም እዩ ኢሎም ዝተረድኡ ገለ ሰባት ኣለዉ።
ኣይፋልን፡ ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካየድ ዝተሓሰበ ዘተ ሰላም ዘለዎ ተስፋ ዝገልጽ እዩ ዝብሉ ሰባት’ውን ኣይጠፍኡን።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ትማሊ ሓሙስ እቲ ዝተፈላለዩ ኣስካሕካሕቲ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ዝተፈጸመሉ ኲናት ብሰላም ንምፍታሕ ን24 ጥቅምቲ 2022 ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ዝካየድ ዘተ ሰላም ንምስታፍ ብሕብረት ኣፍሪካ ዝቐረበሉ ዕድመ ከምዝተቐበለ ኣፍሊጡ’ሎ።
ኣምባሳደር ሬድዋን ትማሊ 20 ጥቅምቲ ኣብ ትዊተር ከም ዘስፈሮ፡ ብመሰረት ካብ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ዝረኸብዎ ሓበሬታ፡ እቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘተ ሰላም ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከጅምር እዩ።
ኣምባሳደር ሬድዋን፡ “ኣብቲ ዘተ ሰላም ንምስታፍ ዘለና ቈራጽነት ደጊምና ነረጋግጽ" ኢሉ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ዳግማይ ኲናት ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ፡ ሓይልታት ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ምስ ሓይልታት ትግራይ ሓያል ኲናት ኣብ ዘካይድሉ ዘሎ እዋን’ዩ።
ኣብ ቀረባ መዓልቲታት፡ ብሓይልታት ኤርትራን ክልል ኣምሓራን ዝድገፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ምቁጽጻሩ ይዝከር።
ሓይልታት ትግራይ፡ ሰኑይ 17 ጥቅምቲ 2022 ምሸት ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ሓይልታት መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን "ብኩሉ ከባቢታት ዝጀመርዎ ቅሉዕ ውራር ኣጠናኺሮም ዝቐፀሉ እንትኾኑ ናብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ኣትዮም ኣለዉ" ክብሉ ኣረጋጊጾም ነይሮም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ ምትሓዝ ሽረ ብመዕርፎ ነፈርቲ እታ ከተማ ኣቢሉ ኣብ ዝቈጻጸሮ ዘሎ ከባቢታት ሰብኣዊ ትካላት ኣፍደገ ከቕርብ’ኳ ቃል እንተኣተወ፡ ኣብታ ክልል ኣገልግሎት መብራህቲ፣ ባንክን መራኸቢታትን ሕጂ’ውን ተዓጽዩ ይርከብ።
ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኣውሮጳ፣ ውድብ ጥዕና ዓለምን ኣሜሪካን፡ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ'ቲ እናጸንከረ ዝኸይድዘሎ ኲናት፡ ሰለማውያን ሰባት ንመጥቃዕቲ ዘቃልዕ ደብዳባትን ብሃበ ተረኽበ መቕተልትን ይካየድ ምህላዉ ምግላፆም ይፍለጥ።
ብፍላይ፡ እታ ብዙሓት ተመዛበልቲ ኣዕቍባ ዘላ ከተማ ሽረ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ምእታዋ ከቢድ ሻቕሎት ከምዝፈጠረ ተገሊጹ ነይሩ።
ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዘካየድዎም ደብዳባት ሓያለ ሰባት ከምዝሞቱ ነበርቲን ሰብመዚን ትግራይ ምሕባሮም ይዝከር።
ብተመሳሳሊ ሓይልታት ትግራይ ትማሊ ሓሙስ፡ ኣብታ ብሰራዊት ፌደራል ዝተታሕዘት ከተማ ሽረ፡ ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን 7 መናእሰይ ከምዝቐተሉ ከሲሶም ኣለዉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ 18 ጥቅምቲ 2022 ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ከተማ ሽረ ሓዊሱ፡ ኣላማጣን ኮረምን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሰራዊት ፈደራል ከምዝኣተዋ ሓቢሩ’ኳ እንተነበረ ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ትግራይ ዝኾነ ፕሮፌሰር ክንደያ ገብረሂወት ግን ከተማ ኮረም፡ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሓይልታት ትግራይ ከም ትርከብ ንቢቢሲ ምግላጹ ይዝከር።
ኣብዚ እዋን ሓይልታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ካብ ሽረ ናብ ምብራቕ ገጹ ንወገን ኣኽሱም፡ ዓድዋን ዓዲግራትን ይግስግሱ ከምዘለዉ ኣብቲ ዓውደ ውግእ ዝርከቡ ምንጭታት ንቢቢሲ ይሕብሩ።
እዚ ድማ ዳርጋ ልክዕ ከምቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሽረ ነተን ካልኦት ከተማታትን ሒዙ ንመቐለ ዝገስገሰሉ ኣገባብ ይመስል።
ነዚ ስዒቡ ኣብ ቀጻሊ እንታይ ከም ዝፍጠር ዓቢይ ስግኣት ኣሎ። ነበርቲ ከተማታት ትግራይ፡ ብፍላይ ካብ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ክመጽእ ዝኽእል ሕነ ምፍዳይ የሻቕሎም ከምዘሎ ይገልጹ።
ድሮ’ውን ኣብ ሽረ ምዝማት ከምዘሎን ልክዕ ከምቲ ኣብ ዝቐደመ እዋን ዝተራእየ፡ ናብ ኤርትራ ገጹ ይግዕዝ ኣሎ ዝብል ክስታት ይስማዕ ኣሎ።
እቲ ንኣስታት ሓሙሽተ ኣዋርሕ ንስለ ሰብኣዊ ረዲኤት ብዝብል ተገይሩ ዝነበረ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ኣብ ነሓሰ ድሕሪ ምፍራሱ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ትግራይ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ክፍጸም ከምዝጸንሐ’ውን ይፍለጥ።
ኣብዚ ዓመት እዚ፡ ጕጅለ መጽናዕቲ ዩኒቨርሲቲ ቤልጅም፡ እቲ ውግእ ኣብ ሕዳር 2020 ካብ ዝጅምር ከሳብ ሕጂ ልዕሊ 250,000 ሰላማውያን ነበርቲ ትግራይ ብጥሜትን ምስ ጥሜትን ዓጸቦን ብዝተሓሓዝ ጠንቅታትን ከም ዝሞቱ ግምታ ኣስፊሩ ኣሎ።
ጻውዒት ማሕበረሰብ ዓለም
ምጽንካር እቲ ኲናት ኣመና ዘተሓሳሰቦም ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ዓለም፡ ተጻብኦታት ደው ክብል ተደጋጋሚ ጻውዒት ኣብ ምቕራብ ይርከቡ።
ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብ 15 ጥቅምቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣቦ መንበር እቲ ሕብረት ሙሳ ፋኪ መሃማት እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ጸንኪሩ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣመና ከም ዘሻቐሎ ገሊጹ’ሎ።
ብፍላይ ኣብዚ መወዳእታ እዋን ካብ ዘቕረቦ መጸዋዕታ ፍልይ ብዝበለ ቃና፡ "ህጹጽ፡ ዘይቅድመኵነታዊ ምቍራጽ ተዅሲን ምጅማር ሰብኣዊ ኣገልግሎታትን" ክትግበር ጸዊዑ።
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ብወገኑ፡ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኵነታት ኢትዮጵያ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ይኸውን ኣሎ" ብምባል እቲ ኲናት ብቕልጡፍ ደው ክብልን "ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ ክወጽእን" ከምዝጸውዐ ይዝከር።
ሕብረት ኣውሮጳ ተመሳሳሊ ጻውዒት ዘቕረበ ኰይኑ፡ ሓይልታት ትግራይ እውን ካብ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት ክቝጠብ ኣተሓሳሲቡ።
እቲ ኣብ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ካልኣይ ዓመቱ ተቓሪቡ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ፡ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ወሲዱ፡ ንሚልዮናት ግዳያት ጥሜት ምምዝባልን ዝተፈላለዩ ኣስካሕካሕቲ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ኣቃሊዑ'ኳ እንተዀነ፡ ዛጊት ሰላማዊ መዕለቢ ኣይተረኽቦን።