እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እግሪ ቀታሊ ወዶም ሓጺቦም ይቕረ ዝበሉ ኢትዮጵያዊ
ምሉእ ህዝቢ ሃዋሳ ይፈልጦምን የኽብሮምን፤ ‘ኢንጂነር’ እናበለ ድማ ይጽውዖም።
‘ኢንጂነር’ ዝብል ሳጓ፡ ንሰላሳ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ እናተዘዋወሩ ኣብ ህንፀት ኣባይትን ህንፃታትን ስለ ዝሰርሑ ዝረኸብዎ መፀውዒ ደኣ እምበር ተማሂሮም ዝረኸብዎ መዓርግ ኣይኰነን።
ኣብ ክልል ህዝብታት ደቡብ ከተማ ሃዋሳ ፍቓድ ኮንስትራክሽን ኣውፂኦም ብዙሓት ህንፃታት ብምስራሕ ናእዳ ረኺቦም እዮም።
እዚ ጥራሕ ኣይኮነን፤ ‘ኢንጂነር’ ኣብ መንበሪ ገዛኦም ንእሽቶ ቤት ጽሕፈት ብምኽፋት፡ ‘ኣገልግሎት ዕርቂ’ ይህቡ።
ነባሪ እታ ከተማ ግን ብኻልእ ሰናይ ተግባሮም እውን ኣጸቢቑ ይፈልጦም።
ንቐታሊ ወዶም ናብ ዝተኣሰረሉ ቤት-ማእሰርቲ ብምኻድ ‘ይቕረ ንእግዚኣብሄር ኢለካ’የ” ኢሎምዎ።
እግሩ’ውን ሓጺቦምዎ።
‘ኢንጂነር’ ማቲዎስን መዋቲ ወዶምን
ነባሪ ከተማ ሃዋሳ ዝዀኑ ወዲ 85 ዓመት ኣቶ ማቲዎስ ደስታ ኣብ ወላይታ’ዮም ተወሊዶም ዓብዮም።
ኣብ ዕድመ ንእስነቶም ፈለማ ኣብ እንዳ ሓፂነ መፂን፤ ቀፂሎም ኣብ ስራሕቲ ህንፀት ተቘጺሮም ሰሪሖም።
ኣብ ዓውዲ ህንጻ፡ ብልምዲ ሞያ ብምኽዕባትን ፍቓድ ብምውፃእን ድማ፡ ብፍላይ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ክሰርሑ ጸኒሖም።
ኣቶ ማቲዎስ፡ ብ1960 ዓ.ም [ግእዝ] ወዲ 54 ዓመት ኮይኖም’ዮም ሓዳር መስሪቶም።
“ኣብ ሓዳረይ ደርዘን ቈልዑ ወሊደ እየ” ዝብሉ ኣቶ ማትዮስ፡ ካብ 12 ደቈም 12 ደቂ ደቈም ከም ዝረኣዩ ይዛረቡ።
ካብ መንጐ ደቂ ደቈም፡ እታ ሓንቲ ጓል መዋቲ ወዶም እስራኤል ማቲዎስ እያ። ኣብዚ እዋን 11 ክፍሊ ትምህርታ ትመሃር ኣላ።
እስራኤል፡ “ብጣዕሚ ዝፈትዎ በዓል ሞያ ወደይ'ዩ ነይሩ” ዝብሉ ኣቶ ማቲዎስ፡ ካብ ዓሰርተ ክልተ ደቈም መበል ሓምሻይ ውላዶም ዝዀነ እስራኤል ምስ ሞተ፡ ብጣዕሚ ሓዚኖም ከም ዝነበሩ ይገልፁ።
ብ1998 ዓ.ም [ግእዝ] ከባቢ ሰዓት 5፡00 ኣጋ ምሸት፡ እስራኤል ኣብ ዝነብረሉ ከባቢ ጐንጺ ከም ዝተፈጠረን ወዶም ከም ዝተጎድአን ተነጊርዎም።
“ሽዑ፡ በዓልቲ ቤተይ ብህይወት ነይራ’ያ። ካልኦት ሰባት’ውን ነይሮም፤ ቀልጢፎም ከይዶም። ኣነ ግን ተንበርኪኸ ጸልየ፤ ጸሎተይ ወዲአ ምስ ከድኩ ሰባት ተኣኪቦም ረኺበዮም። ካብኡ ፖሊስ ምርመራ ብምክያድ ሬሳ ወደይ ሒዞም መጺዮም” ይብሉ።
ወዶም፡ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝተላዕለ ጐንጺ ብኻራ ተወጊኡ ከም ዝተቐተለ ይዛረቡ።
“ንወደይ ዝቐተልካ ንስኻ ኢኻ፡ ኣነ ግና እፈትወካ እየ”
“ቀታሊ ወደይ ተፈሪድዎ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣትዩ። ናብቲ ቤት ማእሰርቲ እኸይድ እሞ፡ ሰባት ንሱ እዩ ቀታሊ ወድኻ ኢሎም የርእዩኒ። ካብኡ እግሩ ሒዘዮ። ‘ንምንታይ ሒዝካኒ?’ ኢሉኒ። ኣይ ናትካ እግሪ ክሓጽብ እየ መፂአ ኢለዮ።
‘ንምንታይ’? ኢሉ። ንወደይ ዝቐተልካ ንስኻ ኢኻ፡ ኣነ ግና እፈትወካ እየ ኢለዮ። ንእስራኤል ወደይ ቀቲልካ ኢኻ እሞ፡ ንስኻ ወደይ ክትከውን ኢኻ ኢለዮ።
(እዚ ምስ ሰምዐ) ኣብ ሓመድ ኣንከባሊሉ። ኣይትንከባልል ብምባል ኣብ ኢዱ ሒዘዮ ብዝነበርኩ ማይ እግሩ ሓጺበዮ። ... ሰነድ ኣዳልየ፡ እቲ ጉዳይ ድማ ናብ ቦርድ ይቕረታ ሓሊፉ፡ ድሕሪኡ ተፈቲሑ” ብምባል ነቲ ዝነበረ ኵነታት ይዝክሩ።
“ሰብ ኣይኰነን’ዶ ውላዱ ንዝቐተለሉ ንዝፀረፈሉ’ውን ይቕረ ንምባል ከም ዝፅገም እፈልጥ እየ፡” ዝብሉ እቶም በዓል ፀጋ ዕድመ፡ ሰባት ክኣምንዎ ንዘፀግሞም ጉዳይ ፈፂመሞ።
ነዚ ተግባር ዝርኣዩ ሰባት ድማ ብተግባር ኣይተ ማቲዎስ ‘ወይ ጉድ’ እናበሉ ተገሪሞም።
“ ‘ንስኻ ይቕረ ክትብል እንከለኻ፡ ኣሕዋቱ፡ ደቁን ካልኦት ኣባላት ስድራን ኣይቅየሙኻን’ዶ?’ ዝበሉኒ ኣለዉ” ዝብሉ ኣቶ ማቲዎስ፡ “ኣነ ኣይፈልጥን። ኣብ ኣእምሮይ ይቕረ በል ዝብል ነገር እዩ መሊኡ። እዚ ነገር ዝፈልጦ ኣምላኽ እዩ ኢለዮም። ደቀይ ንኣምላኽ ስለ ዘምልኽዎ፡ ካልኦት ድማ ብዛዕባይ ስለ ዘይፈልጡ ካብዚ ወፃኢ ካልእ ነገር ኣይተዛረቡን” ብምባል የረድኡ።
ቢቢሲ፡ ብምንታይ ምኽንያት ኢኹም ወድኹም ንዝቐተለ ሰብ እግሩ ሓጺብኩምዎ? ክብል ሓቲቱዎም።
“እየሱስ ክርስቶስ እግሪ ሓፂቡ’ዩ፣ ነዚ ንኽምህረና ኢሉ'ዩ ንርእሱ ኣትሒቱ” ብመሰረት ዝኣምንሉ እምነት፡ ፍጹም ይቕረታ ከም ዝገበሩን ነዚ ተግባር ከም ዝፈፀሙን ይዛረቡ።
‘ኢንጂነር’ ይቕረታ ከም ዝገበሩ ዝሰምዑ ስድራ ቀታሊ፡ ንሶም ነዚ እንተገይሮም ንሕና እንታይ ክንገብረልኩም’ ዝብል ሕቶ ከም ዘቕረቡ ይዝክሩ።
እንተኾነ “ኣነ ዋጋይ ካብ ሰማይ እየ ዝረክብ” ብምባል ካሕሳ ኣይተቐበሉን።
ድሕሪ እዚ ምስቲ ቀታሊ ወዶም ኰነ ስድራኡ ተራኺቦም ኣይፈልጡን።
ንሶም፡ ይቕረታ ዝገበርሉ ሰብ እንተረኸብዎ ወይ እንተሓተቶም ደስ ይብሎም እዩ።
እንተኾነ ድሕሪ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣይተራኸቡን።
ኣቶ ማቲዎስ፡ “ ‘ይቕረታ ዝገበረለይ ካልእ ነገር ሓሲቡ ይኸውን’ ብምባል ተጠራጢሩ ይኸውን ዝጠፍአ” ዝብል ግምት ኣለዎም።
“ካልእ ሰብ ዘይደፍሮ” ተግባር ንሶም ብምፍጻሞም መንፈሳዊ ዕግበት ከም ዝረኸቡ ዝገልፁ ኣቶ ማቲዎስ ግን፡ ውሳነኦም ኣብ ሂወቶም “ብጣዕሚ ሕጉስ” ክዀኑ ከም ዘኽኣሎም ይገልፁ።
“ቃል ኣምላኽ ‘ይቕረ በሉ!’ ስለ ዝብል፡ ኣነ ንዕኡ ምፍፃመይ ብጣዕሚ ሕጕስ እየ” ኢሎም።
ኣገልግሎት ዕርቂ ‘ኢንጂነር’ ማቲዎስ
ኣቶ ማቲዎስ፡ ኣብ ክልል ደቡብ ሽማግለ ዓዲ ኰይኖም፡ ኣብ መንበሪ ገዛኦም ኣብ ዝኸፈትዎ ቤት ጽሕፈት ድማ ናጻ ኣገልግሎት ዕርቂ ይህቡ።
እዚ፡ ወዶም ቅድሚ ምቕታሉን ንሶም’ውን ይቕረ ቅድሚ ምባሎምን እዮም ጀሚሮምዎ።
እቲ ንቐታሊ ወዶም ይቕረ ዝበልሉ ክስተት፡ በቲ ዝህብዎ ኣገልግሎትን ሽሞምን ኣብታ ከተማ ግኑን'ዩ።
“ይቕረ በሉ። ይቕረታ ሕተቱ። ተዓረቑ። ቂም ኣይትሓዙ” ብምባል ንኻልኦት ይምዕዱ።
ብተግባር ዝተሰነየ ማዕዳ።
ኣብ ማዕጾ ገዛኦም “ኣገልገሎት ዕርቂ እህብ’የ” ዝብል መወዓውዒ ዝጠቅዑ ኰይኖም፡ ማዕጾኦም ድማ ንዅሉ ደላይ ዕርቂ ርሑው’ዩ።
እቶም በዓል ፀጋ ዕድመ፡ ነዚ ኣገልግሎት ዕርቂ ብኽልተ ዓይነት መገዲ’ዮም ዝፍጽምዎ።
ሓደ፡ ክልተ ዘይሰማምዑ ሰባት ናብኦም መፂኦም፡ ‘ኣሰማምዑና’ ‘ፍረዱና’ ይብሉዎም። ንሶም ድማ ብዝኸኣልዎ መገዲ ክዓርቅዎም ይፍትኑ።
ሓደ ዘይከሓድ ሓቂ ግን፡ ናብኦም ዝመፅኡ ሰባት ኣብ ቅድሚኦም ተኣማሚኖምን ተሰማሚዖምን እዮም ዝወፅኡ።
እቲ ካልኣይ መገዲ ድማ፡ ዝተጻልኡ ሰባት ከም ዘለዉ ምስ ዝሰምዑ፡ ናብቲ ተበዲለ እየ ዝብል ሰብ ብምኻድ ኣብ እግሩ ወዲቘም ብምምሕጻንን እግሪ ብምሕፃብን ይልምንዎ።
ዋላ’ኳ ቍጽሩ ብልክዕ እንተዘይፈለጥዎ፡ በዚ መገዲ ዝተፈላለዩ ሰብ ሓዳር ሓዊሱ ንብዙሓት ውልቀሰባት ከም ዝዓረቑ ይዛረቡ።
“ዓስቢ ስርሐይ ካብ ሰማይ እየ ዝረክብ” ዝብሉ እቶም በዓል ፀጋ ዕድመ፡ ደቈም ‘ንመካየዲ ስራሕ’ ሓገዝ ከም ዝገብርሎም ይገልፁ።
ነዚ ኣገልግሎት እዚ ገንዘብ ከም ዘይቕበሉ ዝዛረቡ ኣይተ ማቲዎስ፡ “ንኣብነት ‘ቤት ጽሕፈትካ ከሐድሰልካ’ ዝብል እንተረኺበ ግን ኣይክልክልን” ኢሎም።
እዞም ሽማግለ ዓዲ፡ ሰባት ‘ተጻሊኦም፡ ተቀራሒኖም፡ ተፈላልዮምን ተፋቲሖምን’ ዝብሉ ቃላት ፍፁም ክሰምዑ ኣይደልዩን።