እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ዝበዝሐ ቍጽሪ ስደተኛታት ዝሓዘት ጃልባ' ኣውሮጳ ኣትያ
እታ 280 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዝጸዓነት ምዃና ዝተነግረላ ጃልባ፡ ብሰሉስ ናብታ ካብ ምዕራባዊ ገማግም ኣፍሪቃ ኣስታት 380 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ሓንቲ ካብ ደሴታት ካናሪ ዝዀነት ደሴት ኤልሂሮ ኣትያ።
ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ኣብታ ጃልባ ዝነበሩ ሰባት ኵሎም ካብ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ከምዝዀኑ ብምግላጽ፤ ኣብ ሓደ ግዜ ናብቲ ደሴታት ዝኣተዉ ስደተኛታት እቲ ዝበዝሐ ቍጽሪ ምዃኑን ገሊጾም።
እዚ፡ ንኣፍሪቃ ናብ ደሴታት ካናሪ ዘራኽብ መሳገሪ፡ ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳ ንምእታው ካብ ዝጥቀሙሉን ሓደገኛን መስመራት ሓደ እዩ።
ነታ ጃልባ ዝተዓዘበት ኣማኻሪት ስደተኛታት ዝነበረት ጋዜጠኛ ትክሰማ ሳንታና ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ "ክንድዚ ብዝሒ ሰባት ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ጃልባ ርእየ ኣይፈልጥን" ክትብል ጽሒፋ።
ኣብዚ ዓመት’ዚ፡ ዛጊት ኣብ ዝሓለፋ ኣዋርሕ ጥራይ 140 ሰባት ባሕሪ ንምስጋር ኣብ ዝፈተኑሉ ሞይቶም ወይ ደሃዮም ከም ዝጠፍአ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት የመልክት።
ዋሕዚ ስደተኛታት ንምግታእ ጽኑዕ ቍጽጽር ኣብ ዝተገብረሉ ኣብዚ እዋን እውን እንተዀነ፡ ካብ ሰሜናዊ ገማግም ባሕሪ ኣፍሪቃ ንማእከላይ ባሕሪ ዝስንጥቝ ስደተኛታት ቍጽሮም እናወሰኸ መጺኡ እዩ።
ካብ ምጅማር እዚ ዓመት፡ ክሳብ 30 መስከረም ኣብ ዝነበረ ትሽዓተ ኣዋርሕ ብድምር 14,976 ስደተኛታት ናብ ደሴታት ካናሪ ከምዝኣተዉን፡ እዚ ድማ ምስ ተመሳሳሊ እዋን ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ፡ ብ19.8 ሚእታዊት ከምዝወሰኸን ጸብጻባት ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ስጳኛ የመልክቱ።
ብሰኑይ፡ ሓይሊ ባሕሪ ሰኔጋል ብኣርባዕተ ጀላቡ ክሰግሩ ዝፈተኑ ልዕሊ 600 ሰባት ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ከምዝዓገተ ይፍለጥ።
ኣብ ነሓሰ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ እታ ኣብዚ መስመር [ናብ ደሴታት ካናሪ ዝወስድ] እትርከብ ኣፍሪቃዊት ደሴት ኬፕ-ቨርደ ኣብ ዝተረኽበት ጃልባ ብውሕዱ 60 ሰባት ከምዝሞቱ ይግመት።