እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣዕናዊ ጽዋ ምዕራብ፡ ‘ኣዕናዊ ኣጽዋር ዒራቕ’ ከመይ ነበረ?
ድሕሪ 20 ዓመት ወራር 'ቲ ብኣሜሪካ ዝምራሕ ልፍንታዊ ሓይሊ ንዒራቕ እውን እንተዀነ፡ እቲ ሽዑ ብሪጣንያ ኣብቲ ኲናት ንኽትሳተፍ ምኽንያት ዝተባህለ ህላወ "ኣጽዋር ጃምላዊ ዕንወት" ክሳብ ሕጂ ክትዕን ቍጥዐን ይፈጥር ኣሎ።
ብዛዕባ ምንዳይ’ቲ ቀንዲ ጠንቂ ኲናትን ወራርን ዝተባህለ ኣዕናዊ ኣጽዋራት ዝምልከት ሓድሽ ዝርዝራት፡ ኣካል ናይቲ ድሕሪ 20 ዓመታት ብቢቢሲ ዝቐርብ ተኸታታሊ ሰነዳዊ መደብ ኰይኑ፡ ብቐጥታ ኣብዚ ጉዳይ ምስ ዝተሳተፉ ዓሰርተታት ሰባት ዝተገብረ ዝርርብ ዝተመርኮሰ እዩ።
"ክሪኪ"፤ እዛ ቓል’ዚኣ ሓደ ላዕለዋይ መኮነን ትካል ስለያ ብሪጣንያ - MI6፡ ኣብ መወዳእታ 2001 ብሓደ መሳርሕቱ፡ 'ኣሜሪካውያን ኣብ ዒራቕ ንዝካየድ ኲናት ዕቱባት ኰይኖም' ከም ዘለዉ ምስ ተነግሮ ዝሃባ ግብረ መልሲ እያ።
መኮንናት ሲኣይኤ እውን ነቲ ብእንግሊዛውያን መዛኑኦም ዝተፈጥረ ስንባደ ብኣጋ እዮም ኣስተውዒሎምሉ። ሓላፊ ጕጅለ ሲኣይኤ ኣብ ስርሒታት ዒራቕ ሉዊስ ሩዳ፡ "ኣብቲ ጣውላ ብወቕዒ ልቢ ክወድቍ እዮም ኢለ ሓሲበ ነይረ፡" ይብል።
እቲ መልእኽቲ ኣብ ዳውኒንግ ስትሪት - ቤተመንግስቲ ብሪጣንያ - ክበጽሕ ግዜ ኣይወሰደሉን፤ እንተዀነ እቶም ነዚ ወረ’ዚ ዘብጽሕዎ ዲፕሎማሰኛታት ዘይኰኑስ ሰለይቲ እዮም።
"ምናልባት ኣነ ንመጀመርታ ግዜ ንቐዳማይ ሚኒስተር 'ፈቲኻ ጸሊእካ ኵሉ ዝከኣል ምድላዋት ግበር፡ ንወራር እዩ ምቅርራብ ዝግበር ዘሎ’ ኢለዮ ክኸውን ይኽእል'የ” ክብል ናይ ሽዑ ሓላፊ MI6 ዝነበረ፣ ብተደጋጋሚ ናብ ዋሽንግተን ዝበጽሐን ሰር ሪቻርድ ዲርሎቭ ኣብቲ ሳሕቲ ዝገብሮ ቃለ መጠይቓት ንቢቢሲ ገሊጹ።
ሽዑ፡ MI6 - ኣገልግሎት ስለያ ወጻኢ ብሪጣንያ - ኣብ ሓደ ካብቶም ኣብ ታሪኹ ኣዝዮም ኣካታዕትን ሕማቕ ሳዕቤናት ዘስዓቡን ፍጻመታት ብዕምቈት ክጽመድ ቀሪቡ ዝነበረሉ እዋን እዩ።
ንኣሜሪካ፡ ጉዳይ ኣጽዋር ጃምላዊ ዕንወት፡ ብመንጽር’ቲ ንመራሒ ዒራቕ ሳዳም ሑሴን ንምውዳቕ ዝግበር ዝነበረ ዓሚቝ ምትንዃል ካልኣዊ እዩ ነይሩ። ሚስተር ሩዳ፡ "ሳዳም ሑሴን ፕላስቲክን ስቴፕለርን እንተዝነብሮ’ውን ንዒራቕ ምወረርና ነይርና" ይብል'ሞ፡ "ብእኡ ገይሩ ዓይንኻ ከውጽኣካ’ውን ይኽእል’ዩ' ኢልና’ውን መመኽነና።"
ንብሪጣንያ ግን፡ ንዒራቕ ኣብ ገጽ እቲ ምጥርጣር ዝነበሮ ህዝቢ [ብሪጣንያ] ኣሕሊፍካ ንምሃባ፡ ጉዳይ ስነቀመማዊ፡ ስነሂወታውን ኑክሌሳውን ኣጽዋራት ጃምላዊ ህልቂት ቀንዲ ጉዳይ እዩ ነይሩ።
ሓደ ሓደ ግዜ መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ነቲ ብዛዕባ ኣጽዋር ዝቐርብ ዘረባ፡ ባዕሉ ከም ዝፈጠሮ እዩ ዝኽሰስ። ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ሚኒስተራት ግን እቲ ኣጽዋር ብርግጽ ኣሎ ዝብል ርጕጽ ስለያዊ ሓበሬታ ከም ዝረኸቡ እዮም ዝዛረቡ።
"ኣብቲ ዝረኽቦ ዝነበርኩ ስለያዊ ጸብጻብ ይምርኰስ ምንባረይ ምርዳእ ብሓቂ ኣገዳሲ'ዩ፤ ኣብኡ ክምርኮስ ድማ ሓላፍነት ነይሩኒ ‘መስለኒ" ይብል ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ሰር ቶኒ ብሌር።
ቶኒ ብሌር፡ ኣብ ዋዜማ እቲ ወራር ካብ ኮሚቴ ሓባራዊ ስለያ መረጋገጺ ከምዝሓተተን ከምዝተዋህቦ'ውን ይዛረብ። ነቲ ትካል ኣገልግሎት ስለያ ኸኣ 'ግጕይ ሓበሬታ ሂቦም ኣብ ጌጋ ኣውዲቘምና' ኢሉ ክነቅፍ ከም ዘይደሊ ኸኣ ይገልጽ።
ካልኦት ሚኒስተራት ድማ ኣብቲ እዋን ጥርጣረታት ከምዝነበሮም ይዛረቡ።
"ኣብ ሰለስተ ኣጋጣሚታት ንሪቻርድ ዲርሎቭ ብዛዕባ ሓቅነት ‘ዚ ዝበሃል ዘሎ ስለያዊ ሓበሬታ ሓቲተዮ ነይረ" ይብል ሽዑ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ጃክ ስትራው።
"በቃ ብዛዕባ'ዚ ጕዳይ ሕርኽርኽ እዩ ዝብለኒ ነይሩኒ። ዲርሎቭ ግን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣጋጣሚ እዞም ዋህዮታት ስለያ እሙናት ምዃኖም ኣረጋጊጹለይ።" እንተዀነ ኣብ መወዳእታ ውሳነ ዝወስዱ ፖለቲከኛታት እዮም፤ ተወሲኑ ኸኣ፡ ክብል ስትራው ይገልጽ።
ኣብ ጉዳይ ስለያ ፍሽለት ብዛዕባ ምንባሩ ንድሕሪት ተመሊሱ ክግምገም ምስ ተሓተተ፡ ሰር ሪቻርድ "ኣይፋል"፡ ብምባል እዩ ብቐሊሉ መሊሱ። ኣብ ዒራቕ ገለ መደባት ኣጽዋር ከም ዝነበሩን፡ ደሓር ግን እቶም ባእታታት ናብ ሶርያ ገጾም ግዒዞም እዮም ኢሉ ክሳብ ሕጂ ይኣምን።
ካልኦት ግን ምስዚ እምነትን ኣበሃህላን ኣይሰማምዑን። "ዓቢ ፍሽለት እዩ ነይሩ" ይብል ኣብቲ እዋን ኣተሓባባሪ ጸጥታን ስለያን ብሪጣንያ ዝነበረ ሰር ደቪድ ኦማንድ።
ንሱ፡ ክኢላታት መንግስቲ ሓቅታት ኣብ ምርግጋጽ ወገናውነት ከም ዝነበሮም ብምግላጽ፡ ሳዳም ሑሴን ኣጽዋራት ጃምላዊ ዕንወት ኣለዎ ዝብል ዝተኣኻኸበ ቅንጥብጣብ ሓበሬታ እዩ ናብ መደምደምታ መሪሑ፤ እዚ ኸኣ ክኸውን ኣይነበሮን ክብል ይዛረብ።
ኣብ ውሽጢ ኣገልግሎት ስለያ ብሪጣንያ ዝርከቡ ገለ ሰባት እውን ስክፍታታት ከምዝነበሮም ይዛረቡ። "ኣብቲ እዋን እቲ ንገብሮ ዝነበርና ጌጋ ምንባሩ ይስምዓኒ ነይሩ እዩ፡" ይብል ሓደ ቅድሚ ሕጂ ተዛሪቡ ዘይፈልጥን ስሙ ከይግለጽ ዝሓተተን ኣብ ዒራቕ ዝሰርሕ ዝነበረ ኣባል ስለያ ነበር።
እቲ መኮነን ስለያ ነበር፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ 2002 ዝነበረ ኵነታት ክዝክር እንከሎ፡ "ዒራቕ ንመደባት ኣዕነውቲ ኣጽዋር ዳግማይ ከም ዝጀመረት ዝሕብር ሓድሽ ወይ ዘተኣማምን ስለያዊ ጸብጻብ ወይ ገምጋም ኣይነበረን" ይብል።
"ብዓይኒ መንግስቲ’ውን እታ እንኮ ንሕጋውነት እቲ ወራር ክጥቀሙላ ዝኽእሉ ምኽንያት ጉዳይ ኣጽዋራት ጃምላዊ ህልቂት እያ ነይራ.... ።"
ኣብ ጽድያ 2002 ዝነበረ ስለያዊ ሓበሬታ ዘይጽፉፍ እዩ ነይሩ። ኣብ ዒራቕ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሑ ወከልቲ MI6 ብዛዕባ’ቶም ኣጽዋራት ውሑድ ወይ’ውን ዋላ ሓንቲ ሓበሬታ ኣይነበሮምን።
ነቲ ጉዳይ ንምድልዳል፡ ብፍላይ ድማ ኣብ መስከረም ጸብጻብ ክቐርብ’ዩ ተባሂሉ መደብ ኣብ ዝተሓሰበሉ እዋን፡ ካብ ሓደስቲ ምንጭታት ሓድሽ ስለያዊ ሓበሬታ ንምርካብ ተስፋ ዝቘረጸ ጸደፍደፍ እዩ ነይሩ።
ካልእ ውሽጣዊ ሰብ ከም ዝብሎ፡ ኣገልግሎት ስለያ፡ ናብ ኲናት ንምእታው ንህዝቢ ብሪጣንያ ካብ ምእማን ንላዕሊ፡ "ዝዓቢ ኣገዳሲ ተራ" የብሉን ዝብል መልእኽቲ ምቕባሉ ይዝክር። እቲ መልእኽቲ ግን ደሓር ተደምሲሱ ይብል።
ብ12 መስከረም፡ ሰር ሪቻርድ ሓደ ኣገዳሲ ማይ ዘይጠዓመ ሓበሬታ ሒዙ ናብ ዳውኒንግ ስትሪት ኣተወ። ሽዑ እዚ ሰብ፡ መደባት ኣጽዋር ሳዳም ሑሴን ዳግማይ ይጅመር ኣሎ፡ ብምባል ኣብ ቀረባ እዋን ሓድሽ ዝርዝራት ከቕርብ ቃል ኣትዩ። እዚ ምንጪ’ዚ ዋላ’ኳ ምሉእ መርመራታት እንተዘይሓለፈን ብክኢላታት እንተዘይተራእየን፡ ዝርዝራቱ ግን ንቐዳማይ ሚኒስተር ተዋሂቡ እዩ።
ሰር ሪቻርድ፡ ናብ ዳውኒን ስትሪት ኣዝዩ ቀረባ እዩ ነይሩ ዝብል ክስታት "መስሓቕ" ክብል ይነጽጐ። ብዛዕባ ዝርዝር ናይቲ ጉዳይ ይዅን ፍሉይ ምንጪታት ግን ርእይቶ ኣይህበን።
ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ብዛዕባ'ቲ ሓድሽ ምንጪ/ ወይ ሓበሬታ ግን ዝዀነ ኣቕሪቡ ኣይፈልጥን፤ ስለዚ ኣብ መወዳእታ ከም ዝፈጠሮ/ዝመሃዞ ተቘጺሩ ክብሉ ይግምቱ ካልኦት ምንጭታት ስለያ።
ገለ ካብቶም ሓደስቲ ዝበሃሉ ዝነበሩ ምንጭታት፡ ንገንዘብ ኢሎም ገለ ድማ ውድቀት ሳዳም ክርእዩ ስለዝደለዩ ሓበሬታ ይፈጥሩ ነይሮም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት።
ኣብ ጥሪ 2003 ኣብ ዮርዳኖስ ካብ ሓደ ካብ ኣገልግሎት ስለያ ሳዳም ዝወጸ ሰብ ዝተረኽበ ሓበሬታ ነይሩ። ንሱ፡ ካብ ርእየት ተቘጻጸርቲ ሕቡራት ሃገራት ወጻኢ፡ ኣብ ስነሂወታዊ ኣጽዋር ዝሰርሑ ተንቀሳቐስቲ ላቦራቶሪታት ኣብ ምምዕባል ከምዝተሳተፈ ይገልጽ።
እዚ ዝበሎ፡ ዋላ'ኳ ገለ ሰበስልጣን ኣሜሪካ እቲ ሓበሬታ ክእመን ከምዘይብሉ ህጹጽ መግለጺ ኣውጺኦም እንተነበሩ፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኮሊን ፓወል ግን ኣብ ለካቲት 2003 ናብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘቕረቦ መግለጺ ነዚ ሓበሬታ ተጠቒሙሉን ጠቒስዎን እዩ።
ካልእ ኣሜሪካን ብሪጣንያን ዝተጠቕማሉ፡ "ከርቭቦል" ብዝብል ኮድ ዝተዋህበ ሓበሬታ ኰይኑ፡ ብዛዕባ እቶም ላባራቶሪታት ዝርዝር ሓበሬታ ዝፈጠረ እዩ።
ሳዳም ሑሴን ኣብ ሓደ እዋን ኣጽዋራት ጃምላዊ ዕንወት ከም ዝነበሮ ምዝካር ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ሰሜናዊ ዒራቕ ኣብ እትርከብ ቁሸት ሓላብያ ዝነብሩ ደቂ ዓዲ፡ ኣብ 1988 ሰራዊት ሳዳም ስነቐመማዊ ኣጽዋር ተጠቒሙ ከም ዝደብደቦም ይዝክሩ።
እቲ ብዛዕባ እቶም ዝተባህሉ ኣጽዋራት ዝዀነ ነገር ግን፡ ድሕሪ’ቲ ናይ 2003 ኲናት እዩ ክርአ።
ሳዳም ኣብ መጀመርታ 1990ታት ድሕሪ ቀዳማይ ኲናት ወሽመጥ፡ ካብ ተቘጻጸርቲ ኣጽዋር ሕቡራት ሃገራት ብቝዕ ምስክርነት ክረክብ ብምሕሳብ፡ መብዛሕትኡ መደባት ኣጽዋራቱ ክዓኑ ኣዚዙ ከምዝነበረ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሳይንቲስት ዒራቕ ይገልጽ።
እቲ መራሒ ዒራቕ ምናልባት ኣብ ካልእ እዋን ነቲ መደባት ዳግማይ ክጅምሮ ተስፋ ብምግባር ክኸውን ይኽእል፤ ንዅሉ ብሕቡእ ኣዕንይዎ ነይሩ እዩ።
ብኸፊል ከኣ ኣንጻር እታ ኲናት ዝገበረላ ጐረቤት ሃገር ኢራን ክጥቀመሉ ዝኽእል ነገር ክህልዎ ይኽእል እዩ ንዝብል ምድህላል ንምፍጣር። ስለዚ፡ ዒራቕ ድሒራ ብተቘጻጸርቲ ሕቡራት ሃገራት ንዅሉ ኣጽዋራታ ከም ዘዕነወት ከተረጋግጽ ተሓተተት፤ እንተዀነ ክትፍጽሞ ኣይከኣለትን።
ሓደ ዒራቓዊ ሳይንቲስት ድሒሩ፡ ምዕራባውያን ትካላት ስለያ ጸብጻቡ ዘይብለን ከሚካላት፡ ናብ መሬት ከም ዘፍሰስዎ ነጊሩ። እዚ ዝገበሩሉ ኣብ ጥቓ ሓደ ካብ ኣብያተ መንግስቲ ሳዳም ስለ ዝነበረ፡ ነዚ ሓቂ’ዚ ምፍላጥ ጥራይ ንባዕሉ ከቕትል ይኽእል’ዩ ዝብል ፍርሒ ከም ዝነበሮም ይዛረብ። ሳዕቤን ናይቲ ዅሉ ግን ዒራቕ ኣጽዋር ከምዘይብላ ከተረጋግጽ ፈጺማ ዘይምኽኣላ እዩ።
ኣብ መወዳእታ 2002፡ ተቘጻጸርቲ ሕቡራት ሃገራት ናብ ዒራቕ ተመሊሶም ኣጽዋር ይፍትሹ ነይሮም። ገለ ካብቶም ተቘጻጸርቲ፡ ንመጀመርታ ግዜ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝመጸ ስለያዊ ሓበሬታታት ተንቀሳቓሲ ላባራቶሪታት ነይርዎ ክኸውን ከምዝኽእል ዝመስል መካናት ከምዝረኣዩ ይዝክሩ።
ሓደ ሰብ ግን "ዝኸበረት መኪና ኣይስክሪም" እትብል ብቴንዳ ዝተሸፈነት መኪና ጥራይ ከም ዝረኸቡ የቃልዕ።
ኣብቲ እዋን፡ ዝበዝሕ ህዝቢ፡ ኲናት እናቐረበ ይኸይድ ምንባሩ ኣይተገንዘበን ነይሩ፤ ጭቡጣት ምንጭታት ከቕርቡ ኣብ ዘይከኣሉሉ ስክፍታታት ይዓቢ ነይሩ።
"ኣጨናቒ" ክብል ሓደ ውሽጣዊ ሰብ ነቲ ኵነታት ይገልጾ፤ መርትዖታት ኣጽዋር ዒራቕ ንምርካብ ጸቕጢ እናዓበየ ኣብ ዝኸደሉ ዝነበረ እዋን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሌር ኣብ ጥሪ 2003 ዋዛ ሓዊሱ ንሰር ሪቻርድ፡ "መጻኢይ ኣብ ኢድካ'ዩ" ክብል ተዛሪብዎ ነይሩ።
"ኣብቲ እዋን'ቲ ተስፋ ዘቝርጽ እዩ ነይሩ" ይብል ሰር ሪቻርድ ነቲ እዋን እናዘከረ። ንሱ፡ ተቘጻጸርቲ ዝዀነ ነገር ስለዘይረኸቡ፡ "ብቕዓት ዘይብሎም" ከምዝነበሩ ይወቅስ።
ንስነሂወታውን ስነቐመማውን ኣጽዋራት ዝምርምር ጕጅለ ሕቡራት ሃገራት ዝመርሐ ሃንስ ብሊክስ፡ ክሳብ መጀመርታ 2003 ኣጽዋር ከምዘሎ ይኣምን ከምዝነበረ፡ እንተዀነ እቲ ሓበሬታ ባዶ እናዀነ ምስ ከደ ብዛዕባ ህላወ እቶም ኣጽዋራት ክጠራጠር ከምዝጀመረ ንቢቢሲ ይገልጽ። መልሲ ንምርካብ ዝያዳ ግዜ ይደሊ ነይሩ...፤ ግን ኣይተረኽበን።
ኣጽዋራት ዘይምርካብ ግን ኣብ መጋቢት 2003 ኲናት ወራር ዒራቕ ካብ ምጅማር ኣይዓገተን።
ቶኒ ብሌር ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ወተሃደራዊ ስጕምቲ ንኸይወስድ ክሳብ ናይ መወዳእታ ህሞት ፈቲነ" ኢሉ።
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ጆርጅ ቡሽ፡ መሻርኽቱ ቶኒ ብሌር ኣብ ዋዜማ'ቲ ኲናት ኣብ ባይቶ ድምጺ ከይስእን ብምስጋእ፡ ካብቲ ወራር ንድሕሪት ክምለስን ድሕሪኡ ኣብ ዝመጽእ ኵነታት ጥራይ ክሳተፍን ብቪድዮ ደዊሎ ኣዘራሪብዎ ነይሩ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ግን ነጺግዎ።
ንሱ ንውሳነኡ፡ ብመትከላዊ ዓይኒ ኣንጻር ሳዳም ሑሴን ምግጣም ከምኡ'ውን ርክብ ብሪጣንያን ኣሜሪካን ምዕቃብን ኣድላዪ ምዃኑ’ዩ መጕቱ።
"ኣብቲ ዝምድና ርኡይ ጽልዋ ምሃለዎ ነይሩ" ይብል። ንሱ፡ "ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ኣብ ትሕቲ ፕረዚደንት ክሊንተን ወይ ፕረዚደንት ቡሽ፡ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ቀዲሙ ንመን ቴለፎን ይድውለሉን ይማኸርን ዘጠራጥር ኣይነበረን - ንቐዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ጥራይ እዩ። ኣብዚ እዋን ካብ ኣውሮጳ ወጺእና ኣለና፣ ጆ ባይደን ሕጂ ፈለማ ንሪሺ ሱናክ ዶ ይድውል? ኣይመስለንን።"
ድሕሪኡ እውን እንተዀነ ዝዀነ ዓይነት ኣጽዋር ጃምላዊ ዕንወት ኣይተረኽበን። ሓደ መኮነን ኣገልግሎት ስለያ ብሪጣንያ ነበር፡ ድሕሪ ኲናት ንዝተገብረ ውሽጣዊ ገምጋም ብምዝካር፡ "ኵሉ ፍሹል እዩ ነይሩ" ይብል።
እዚ ድማ ንሰለይቲ ይዅን ፖለቲከኛታት ዓሚቝን ነባሪን ሳዕቤን ዝገደፈ ፍሽለት ኰይኑ ኣብ ታሪኽ ሰፊሩ'ሎ።