እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ጊነስ ቡክ ዝሰፈሩ ካብ ሓንቲ ኣደ ብሓደ ዝተወልዱ 9 ናጽላታት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም
ናይ ዓለምና እንኮ ኖኑፕለትስ፡ ኣብ ሓደ እዋን እተወልዱ 9 ናጽላታት፡ ንተወሳኺ ክንክን እተን ቀዳሞት 19 ኣዋርሕ ኣብ ሞሮኮ ድሕሪ ምሕላፍ፡ ብሰላም ናብ ሃገሮም ማሊ ተመሊሶም ኣለዉ።
እዞም ቆልዑ ፡ ኣብ ንጽል ወሊድ ብብዝሒ ተወሊዶም ብሂወት ክቕጽሉ ዝኸኣሉ ተባሂሎም ተታሒዙ ዝነበረ ደረጃ ብምስባር ኣብ ጊነስ ቡክ ሰፊሮም ኣለዉ።
ቅድሚ ሕጂ ክልተ ካልኦት ጽምዲ ኖኑፕለትስ’ኳ ተወሊዶም እንተነበሩ፡ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ብሂወት ክቕጽሉ ኣይከኣሉን።
እዛ ሓሊማ ሲሰ እተባህለት ጓል 27 ዓመት ኣደ ፡ ብግንቦት 2021 እያ ንዝያዳ ሕክምናን ክንክንን ናብ ሞሮኮ በሪራ። ቅድሚ ምምላሶም ድማ ኣብ ካዛብላንካ ሕክምናዊ ረዲኤት ይግበረላ ነይሩ።
እዞም ኣብ ሓደ እዋን እተወልዱ ሓሙሽተ ኣዋልድን 4 ኣወዳትን ኣሕዋት፡ ኣብ መበል 30 ሰሙን ብመጥባሕቲ ከም ዝተወልዱ ሰብመዚ ማሊ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣፍሊጦም ነይሮም።
ኣስማት እተን ኣዋልድ ካዲዳ፣ ፋጥማ፣ ሃዋ፣ ኣዳማን ኣኡሙን ክኸውን እንከሎ፡ እቶም ኣወዳት ድማ መሓመድ 6ይ፣ ዖመር፣ እልሃጅን ባህን እዩ።
ሜድካል ዳይረክተር እቲ ዝተወልደሉ ሆስፒታል ፕሮፈሰር ዩሱፍ ኣላውይ ን ኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እዞም ህጻናት ክውለዱ እንከለዉ ካብ 500 ግራም ክሳብ ሓደ ኪሎ ክብደት ከምዝተወልዱ ሓቢሩ።
ቅድሚ ግዚኦም ብምውላዶም ከማዕብልዎም ዝኽእሉ ፀገማት ጥዕና ስለዝነበሩ ድማ፡ እተን ቀዳሞት ኣዋርሕ ናይ ሂወቶም ኣብ ሆስፒታል ብምሕላፍ፡ ብድሕሪኡ ክሊኒክ ዓይን ቦርጃ ብቐረባ ሕክምናዊ ክትትል ክረኽብሉ ናብ ዝኽእሉ ኣፓርታማ ሰጊሮም።
እዞም ህጻናት ኣብ መፈለምታ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ቀዳማይ ዓመት ልደቶም ከብዕሉ እንከለዉ ድማ፡ ወላዲኦም ኣቶ ዓብደቃድር ዓርባይ፡ ነፍሲ ወከፎም ነናቶም ዝኾነ ፍሉይ ባህርያት ከምዘለዎም እዩ ገሊፁ።
ኣይተ ዓብደቃድር እቶም ቆልዑት ኣብ ማሊ ኣዝዮም ፍሉጣት ከም ዝኾኑ ብምግላጽ፡ “ ገሊኦም ኣዝዮም ስቕተኛታትን ልኡማትን እዮም፡ ገለ ከኣ ኣዝዮም በኸይቲን ዓው ዓው ዝብሉን’ዮም፣ እዚ ድማ ልሙድ ነገር እዩ።
ሰባት ብገዛእ ኣዒንቶም ክርእይዎም ክቱር ህንጡይነት ኣለዎም ” ኢሉ።
ብሰንኪ ቅድሚ ግዜኦም ምውላዶም እቶም ህጻናት ከም ርኽሰት፡ ጉድለት ጭዋዳታት ምውህሃድ ወይ ኣብ እዋን ምውላድ ኣብ ሓንጎል ብዝፍጠር መጉዳእቲ ዝመጽእ ጉድኣት ኣካል ዝኣመሰሉ ጸገማት ጥዕና ከጋጥሞም ዝኽእል ሓደጋታት እውን ኣሎ።
ሕርሲ ካብ ሓደ ዕሸል ንላዕሊ ብዙሕ ሓደጋ ዘለዎ ኮይኑ፡ ምንጻል ጥንሲ ሕጋዊ ኣብ ዝኾነሉ ሃገራት ኣብ ሓደ እዋን ልዕሊ ኣርባዕተ ዕሸላት ዝጠነሳ ኣዴታት ንገሊኡ ጥንሲ ክንጽላ ይምከራ እየን።