ኣብ ቅልውላው ተሸሚሙ ዝቐነየ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣገዳሲ ዓወት ተጓናጺፉ

Published

ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣጋጢምዎ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፖዛ ንካልኣይ እብረ መራሒ ገዛኢ ሰልፊ ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ጉባኤ (ኤ-ኤን-ሲ) ክኸውን ተመሪጹ።

ራማፖዛ 2,476 ድምጺ ብምርካብ፡ ነቲ 1,897 ድምጺ ዝረኸበ ሚኒስተር ጥዕና ነበር ዝወሊ ሚኪዘ ብምስዓር'ዩ ንዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት ፕረዚደንት ናይቲ ሰልፊ ክኸውን ተመሪጹ ዘሎ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ምስቲ ኣብ ሓደ ንሱ ዝውንኖ ሕርሻ ዝጠፍአ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዶላር'ዩ ዝብሎ ገንዘብ ብዝተሓሓዝ ብብልሽውናን ምጥፍፋእን ክኽሰስ'ዩ ጸኒሑ። ከሰስቱ ግን እቲ ኣብ 'ሶፋ' ተቐሚጡ ዝነበረ ገንዘብ 4 ሚልዮን ከምዝበጽሕ'ዮም ዝገልጹ።

ኣብቲ 'ፋርምጌት' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዘሎ ጉዳይ፡ እቲ ፕረዚደንት ሓበሬታ ከይወጽእ ነቶም ሰረቕቲ ኣብ ምጭዋይን ብላዕ ኣብ ምሃብን ተሳቲፉ ከምዝነበረ'ውን ይኽሰስ።

ነቲ ጉዳይ ንምጽራይ ዝቖመ ሓደ ናጻ መርማሪ ጉጅለ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ፕረዚደንት ራማፖዛ ንዘለዎ ስልጣን ካብ ኣገባብ ወጻኢ ተጠቒምሉ፡ ከምኡ'ውን ንሕግታት ጸረ-ብልሽውና እታ ሃገር ጥሒሱ ክኸውን ከምዝኽእል ገሊጹ።

ራማፖዛ ግን፡ ኣበሳ ከምዘይብሉን 580 ሽሕ ዶላር ጥራይ ከምዝተሰርቀን'ዩ ዝምጉት። እቲ ዝተሰርቀ ገንዘብ፡ ካብ ሓደ ዝሸጦ ጎባይ (ቡፋሎ) ዝተረኽበ ምዃኑ'ውን ይሕብር።

ጸብጻብ ናይቲ መርማሪ ጉጅለ ዝተረከበ ብገዛኢ ሰልፊ ዝዕብለል ፓርላማ እታ ሃገር፡ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ተመያይጡ፡ ካብ ስልጣኑ ናይ ምውራድ መስርሕ ከይጅመር ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ወሲኑ ነይሩ።

ዋላ'ኳ ዓቢ ፖለቲካዊ ዓወት ተጓናጺፉ እንተሎ፡ ፖሊስ፡ ቤት ጽሕፈት ኣታዊ ውሽጢ ሃገር፡ ከምኡ'ውን ማእከላይ ባንክ እታ ሃገርን ምስቲ ዝኽሰሰሉ ዘሎ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ መርመራ ክቕጽሉ ብምዃኖም ኣብ ልዕሊኡ ዘንጸላለወ ሓደገኛ ደበና ቀልጢፉ ከየግልስ ይኽእል'ዩ።

እንተኾነ ግን፡ ኣብ መዋጥር ኣትዩ እናሃለወ ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ካብቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝረኸቦ ድምጺ ንላዕሊ ምርካቡ ንደገፍቱ ዓቢ ሓጎስን ሓበንን ፈጢርሎም ኣሎ።

ኣብቲ ጉባኤ ቀንዲ ተቐናቓኒኡን ኣብታ ዝዓበየት ኣውራጃ ክዋዙሉ ናታል ዓቢ ደገፍ ዘለዎን ሚኒስተር ጥዕና ነበር ዶ/ር ሚኪዘ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት'ዩ ብምጥፍፋእ ተኸሲሱ ካብ መዝነቱ ወሪዱ።

ልዑል ትጽቢት ዝነበሮም ደገፍቱ ድማ፡ በቲ ኣብ ፖለቲካዊ ታኼላ ኣትዩ ዝነበረ ራማፖዛ ምስዓሩ ደንጽዩዎም ኣሎ።

ኣብ ውሽጢ'ቲ መዓልታት ዝወሰደ ጉባኤ ንክልቲኦም ወገናት ዝድግፉ ተሳተፍቲ ንሓድሕዶም ኣብ ዘካየድዎ ጎስጓሳት፡ ብገንዘብ ድምጺ ከምዘይዓደጉ ገሊጾም ኣለዉ። 'ዕድጊ-ድምጺ' ኣብ ጉባኤታት ናይቲ ልዕሊ 110 ዓመት ዝገበረ ሰልፊ ከዘራርብ ጸኒሑ'ዩ።

ዓሌታዊ ናይ ውሑዳት ጻዓዱ ስርዓት ኣፓርታይድ ኣብ 1994 ጠቕሊሉ ካብ ዝእለ ንድሓር፡ ኤ-ኤን-ሲ ኣብታ ሃገር ስልጣን ብሒትዎ ይርከብ-ዋላ'ኳ ዝነበሮ ደገፍ እናንቆልቀለ ይኸይድ እንተሎ።

እቲ መበል 55 ጉባኤ ኤ-ኤን-ሲ 7 ላዕለዎት ሓለፍቱ ዝርከብዎም ሃገራዊ ፈጻሚ ኮሚተ ሰልፊ ክመርጽ ትጽቢት ይግበረሉ።

ድሮ፡ ተመሪጾም ዘለዉ 7 ላዕለዎት ሓለፍቲ፣ ተሓዝ ገንዘብ ዝነበረ ፖል ማሻቲለ ምክትል ፕረዚደንት፡ መራሒ ክንፊ መንእሰያት ዝነበረ ፊኪለ ምባሉላ ዋና-ጸሓፊ፡ ቦታኡ ዓቂቡ ዘሎ ሃገራዊ ኣቦመንበር ግወደ ማንታሸ፡ ክምኡ'ውን ንፈለማ እዋን ሰለስተ ደቂኣንሰትዮ (ዋና ዓቃቢት ገንዘብን ክልተ ምክትላት ዋና-ጸሓፊን) ምዃኖም ተፈሊጡ።

ካብ ቅድሚ ሕጂ ፍልይ ብዝበለ፡ ቀንዲ ደገፍቲ ናይቲ ፕረዚደንት ኣገዳሲ ስልጣን ምሓዞም'ውን ንራማፖዛ ዓቢ ዓወት'ዩ።

እቲ ሓደ ካብ ራብዓይ ወለዶ ናይቲ ሰልፊ ተባሂሉ ዝግለጽ ማሻቲላ ምክትል ፕረዚደንት ናይታ ሃገር ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ'ዩ።

ድሕሪ'ቲ ምርጫ፡ እቶም ዝተሳዕሩ መራሕቲ፡ ኣብ ጎኒ እቶም ዝተዓወቱ ከምዝኾኑ ምርግጋጾም ንሓድነት ናይቲ ጉባኤን ሰልፍን ዘሐይል'ዩ ተባሂሉ'ሎ።

ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ኣኼባ፡ ሲሪል ራማፖዛ ፖለቲካዊ ጸብጻቡ ኣብ ዘቕርበሉ ዝነበረ እዋን፡ ደገፍቲ ፕረዚደንት እታ ሃገርን ሰልፍን ዝነበረ ጄኮብ ዙማ፡ ብደርፍን ጸርፍን ክዘርግዎ ፈቲኖም ነይሮም።

እቲ ሓያል ፖለቲካዊ ደገፍ ዝነበሮ ዙማ፡ ካብቲ ቀንዲ መሰረቱ ዝኾነ ኣውራጃ ክዋዙሉ ናታል ኣብቶም 7 ላዕለዎት ሓለፍቲ ዋላ ሓደ ዘይምምራጹ፡ ንሱን እቲ ዞባን ዝነበሮም ጽልዋ ይምህምን ምህላዉ ዘርኢ'ዩ።

እቲ ብከቢድ ገበናት ብልሽውና ዝኽሰስ ዙማ፡ ካብ መዝነቱ ከምዝወርድ ምስተገብረ ክሳብ ቤትማእሰርቲ ከይዱ ብምሕረት ተፈቲሑ። ቅድሚ'ዚ ጉባኤ ምጅማሩ ኸኣ ኣብ ልዕሊ'ቲ መቐናቕንቱ ዝኾነ ራማፖዛ ሕጋዊ ክሲ ከምዘቕርብ ኣፍሊጡ ነይሩ።

እቲ ኣብ ገዛኢ ሰልፊ ስልጣኑን ጽልውኡን ኣረጋጊጹ ዘሎ ፕረዚደንት ራማፖዛ፡ ነቲ ኣጋጢምዎ ዘሎ ክስታት ብዓወት እንተሰጊርዎ፡ ንዝመጽእ 5 ዓመታት ፕረዚደንት እታ ሃገር ኮይኑ ክቕጽል ዓቢ ዕድል ክህልዎ'ዩ።

ሲሪል ራማፎዛ፡ ኣብ ለካቲት 2018 ሓድሽ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ኮይኑ ምምራጹ ይዝከር።