እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሩስያ፡ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ጸጥታ እታ ሃገር ባርዕ ኣጋጢምዎ
ኣብ ደቡብ ሩስያ ኣብ እትርከብ ከተማ ሮስቶቭ ኦን ዶም ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ጸጥታ እታ ሃገር ብዘጋጠሞ ባርዕ ሓደ ሰብ ክመውት እንከሎ ክልተ ሰባት ከቢድ ናይ ምንዳድ ሓደጋ ከም ዘጋጠሞም መራኸቢ ብዙሃን ሩስያ ኣቃሊሐን።
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝተዘርገሐ ቪድዮ፡ ካብቲ ብሓዊ ዝተሃሞኸ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ጸጥታ ብርቱዕ ሃልሃልታ ክወጽእን እታ ከተማ ብትኪ ተጎቢኣ እንከላን የርኢ።
ኣመሓዳሪ ዞባ ሮስቶቭ ጠንቂ እቲ ባርዕ ብኤለትሪክ ዝተበገሰ ከም ዝዀነ ብምሕባር፡ ነቲ ባርዕ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ኣጋንእ ነዳዲ ከም ዘጋደዶ ኣብሪሁ።
ኩሉ ናብቲ ቤት ጽሕፈት ዘመርሕ ጎደናታት ብኣካላት ጸጥታ ከም ዝዕጾ ከም ዝተገበረ ተፈሊጡ ኣሎ።
እቲ ኣብ ዶብ ዶቡብ ሩስያ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ጸጥታ፡ ክፍሊ ስለያ፡ ሓለዋ ዶብን ጸረ ግብረ ሽበራን ዝከታተላ ዓባይቲ ጉጅለታት ዝነበሮ ቤት ጽሕፈት’ዩ።
ኣመሓዳሪ ዞባ ሮስቶቭ ቫሲሊ ጉለበቭ፡ እቲ ባርዕ ን800 ትርብዒት ሜትሮ ከም ዝሸፈንን ንኽልተ ቀንዲ መናድቕ እቲ ቤት ጽሕፈት ከም ዘዕነወን ገሊጹ።
እቲ ባርዕ ናብ ካልእ ከባቢ ክልሕም’ዩ ዝብል ስክፍታ’ኳ እንተዘይሃለወ፡ ነበርቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ህንጻታት ንዝያዳ ጥንቓቐ ካብ ገዝኦም ወጺኦም ናብ ካልእ ቦታ ከም ዝግዕዙ ከም ዝተገበረ እቲ ኣመሓዳሪ ገሊጹ።
መደበር ዜና ኣርኣይኤ ንሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ብምጥቃስ ኣብ ዘቃልሖ ዜና እቲ ህንጻ በዓል ክልተ ደርቢ ከም ዝዀነ ሓቢሩ።
ከተማ ሮስቶቭ ኦን ዶም ርእሰ ከተማ ዙባ ደቡብ ሩስያ ኰይና ምስ ዞባታት ሶነትስክን ሉሃንስክን ዩክረይን ትዳወብ፤ ድምጺ ብረት ዘይፍላያ ዞባ’ያ።
ሩስያን ዩክረይን ካብ ለካቲት 2022 ኣትሒዙ ኣብ ኵናት ካብ ዝጽመዳ ንድሓር ኣብ ዶባት ዩክረይን ዝርከብ ኣብያት ጽሕፈት መንግስቲ ሩስያ ተደጋጋሚ ደብዳብ ከቢድ ብረት ከጋጥሞ ጸኒሑ’ዩ።