እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሩስያ ስብርባር ናይታ ዝወደቐት ድሮን ኣሜሪካ ክትእልሽ ምዃና ኣፍሊጣ
ሩስያ ስብርባር ናይታ ኣብ ጸሊም ባሕሪ ዝወደቐት ድሮን (ሰብ ኣልቦ ነፋሪት) ኣመሪካ ንምእላሽ ክትፍትን ምዃና ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃበቶ መግለፂ ሓቢራ።
እታ ኤምኪው - 9 ሪፐር [MQ-9 Reaper] ብዝብል እትፍለጥ ዓባይ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ብሰሉስ ናብቲ ማያዊ ኣካል ከምዝወደቐት ይዝከር።
ኣመሪካ፡ ሓንቲ ጀት ሩስያ ነቲ ኣየር ዝቐዝፍ ኣካል ናይታ ድሮን ጉድኣት ምስ ኣብፅሐትሉ "ዘይትበርር" ምዃና ብምርግጋፅ ባዕላ ክትወድቕ ከምዝገበረታ ትገልፅ፤ ሞስኮ ግን ነዚ ሓሳብ ነጺጋቶ’ላ።
ጸሓፊ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሩስያ ኒኮላይ ፓትሩሸቭ ኣብ መንግስታዊ ተለቪዥን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሞስኮ ነታ ድሮን ክትረኽባ ትፍትን ከምዘላ ኣረጋጊጹ።
"ክንረኽባ ንኽእል ዲና ኣይንኽእልን ኣብ ዝብል ርግፀኛ ኣይኮንኩን ግን ከኣ ክፍተን ኣለዎ" ኢሉ።
ብተወሳኺ እታ ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ኣብ ጸሊም ባሕሪ ክትረኣይ ምኽኣላ ኣመሪካ ኣብቲ ኲናት ብቐጥታ ከምዝተሳተፈት "ዘረጋግጽ" ምዃኑ ገሊጹ።
ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ዋሺንግተን ጆን ኪርቢ ብወገኑ፡ ኣሜሪካ እውን ንስብርባር ናይታ ድሮን ትደሊ ምህላዋ ኣፍሊጡ ኣሎ።
ዝዓበየ ስግኣት ከስዕብ'ዶ ይኽእል?
ነፈርቲ ውግእ ሩስያ ነታ ኣብ ዓለምለኻዊ ክሊ ኣየር ትበርር ዝነበረት ሰብኣልቦ ነፋሪታ ክትወድቕ ከምዝገበራ ኣመሪካ ትኸስስ።
እተን ነፈርቲ ኣብ ልዕሊ'ታ ድሮን ነዳዲ ድሕሪ ምንስናሰን ምስ ሓንቲ ካብአን ድሕሪ ምግጫዋ ከምዝወደቐት'ያ ኣመሪካ ገሊጻ ዘላ።
እታ ድሮን ኣብ ዓለምለኻዊ ክሊ ኣየር ትበርር ከምዝነበረት ሰብመዚ እታ ሃገር ሓቢሮም ኣለዉ።
'ኤም-ኪው-9 ሪፐር' (MQ-9 Reaper) ተባሂላ ትጽዋዕ ሰብኣልቦ ነፋሪት፡ በቲ ግጭት ዕንወት ወሪዱዋ "ካብ በረራ ወጻኢ" ስለዝኾነት ክትወድቕ ከምዝተገብረ ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ፡ ፔንታጎን ይገልፅ።
ሩስያ ብወገና፡ እተን ክልተ ሱ-27 ዝተባህላ ነፈርታ ነታ ድሮን ከምዘይተንከፍኣ ብምግላጽ ነቲ ክሲ ነጺጋቶ'ላ።
ምስጢራዊ ሓበሬታ ንምርካብ መራኽብ ሩስያ ናብቲ እታ ድሮን ዝወደቐትሉ ከምዝበጽሓ ሰብመዚ ሩስያ ኣሚቶም ኣለዉ።
ጸሓፊ ቤትምኽሪ ጸጥታ ሩስያ ኒኮላይ ፓትሩሸፍ ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ኣለሻ ክፍተን ከምዘለዎ ተዛሪቡ ኣሎ።
ኣፈኛ ቤትምኽሪ ጸጥታ ኣመሪካ ጆን ኪርቢ ከምዝበሎ፡ ብወገኖም ነታ ዝወደቐት ድሮን ንምርካብ ዳህሳስ ከምዘካየዱን ቅድሚኦም ግን ሩስያውያን ኣብቲ ቦታ ከምዝበጽሑ ተኣሚኑ።
እንተኾነ ግን ሰብመዚ ፔንታጎን ከምዝበልዎ፡ እታ ካብ ማዕዶ ትእዘዝ ነፋሪት ዝነበራ ተነቃፊ ሓበሬታ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ከምዝኸውን ስለዝተገብረ ዘስክፎም የለን።
እቲ ባሕሪ ዕምቆት ዘለዎ ስለዝኾነ ድማ፡ ናብ ከርሲ ባሕሪ ብምውራድ ዝዓነወ ክፋላታ ምርካብ ቀሊል ከምዘይከውን ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ጀነራል ማርክ ሚሊ ተዛሪቡ።
እቲ ፍጻመ ብሰሉስ ንጉሆ ከምዘጋጠመ ዝሓበረ እቲ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ፡ እቲ ኣብ መንጎ ነፈርቲ ሩስያን እታ ድሮንን ዝነበረ ምትህልላኽ ንኣስታት 40 ደቒቕ ከምዝቐጸለ ጠቒሱ።
ሩስያ እታ ነፋሪት ኣብቲ ብሰንኪ ኲናት ዩክረይን ተኣፋፊ ኮይኑ ዘሎ ዞባ ትበርር ምንባራ ነገር ምቱኽታዂ'ዩ ክትብል ነቒፋ።
ጸሓፊ ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ ሎይድ ኦስቲን ብዛዕባ'ቲ ፍጻመ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ግን፡ ኣብ ዓለምለኻዊ ክሊ ኣየር ምንቅስቓስ ከምዘየቋርጹ ኣፍሊጡ።
ሰብመዚ ኣመሪካ፡ እተን ነፈርቲ ኣብ ልዕሊ'ታ ድሮን ነዳዲ ከምዝነስነሳ'ኳ እንተገለጹ፡ ሩስያ ግን ነፈርታ ከምዘይተንከፍኣ'ዮም ዝምጉቱ።
ኣፈኛ ፔንታጎን ብ/ጀነራል ፓት ራይደር፡ ድሕሪ'ቲ ፍጻመ እታ ድሮን "ካብ በረራን ቀጽጽርን ወጻኢ" ኮይና ኢሉ። በቲ ምስተን ነፈርቲ ዝነበራ ግጭት ዓንያ ክትከውን ከምእትኽእል'ውን ኣሚቱ።
ጸሓፊ ምክልኻል ኣመሪካ ኦስቲን፡ ናብ ሩስያዊ መዘናኡ ሰርገይ ሾይጉ ብምድዋል ብዛዕባ'ቲ ዘጋጠመ ኩነታት ከምዘሰመዐ ሓቢሩ'ሎ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ዝርርቦም እቲ ሩስያዊ ሚኒስተር ጠንቂ ምውዳቕ ናይታ ሰብኣልቦ ነፋሪት ኣመሪካ ምዃና ከምዝኸሰሰ ይገልጽ።
ኣመሪካን ብሪጣንያን ኣብ ከምዚ ዓይነታ ኩነታት ንዘማዕበልኦ ረቂቕ ቴክኖሎጂ ኣሕሊፈን ንዘይምሃብ ዘይገብርኦ የብለንን።
ቅድሚ ሕጂ ሓንቲ ኤፍ-35 ዝዓይነታ ኣዝያ ምዕብልቲ ነፋሪት ውግእ ኣብ ማያት ደቡባዊ ቻይና ድሕሪ ምውዳቓ፡ ካብ ከርሲ ባሕሪ ኣውጺአንኣ ነይረን።
ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ሰብመዚ ኣመሪካ ብዛዕባ ኣገዳስነት ናይዛ ሕጂ ዝወደቐት ድሮን ብዙሕ ዝተሻቐሉ ኣይመስሉን።
ሩስያ ኣብ 2014 ነቲ ኣካል ዩክረይን ዝነበረ ዞባ ክሪሚያ ድሕሪ ምጉባጣ፡ ኣብ ዞባ ጸሊም ባሕሪ ዘሎ ወጥሪ እናዓበየ ክመጽእ ጸኒሑ'ዩ።
ኣብ ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዝተረፈ ክፋል ዩክረይን መጠነ ሰፊሕ ኲናት ምስተኣወጀ፡ ኣመሪካን ብሪጣንያን ዓለምለኻዊ ክሊ ኣየር ብምጥቃም ዘካይድኦ ስለያዊ በረራታት ወሲኹ።
እታ ከም ናይ ራዳር ዝበለ ኤለክትሮኒካዊ ሓበሬታ ናይ ምእካብ ዓቕሚ ዝነበራ ዝወደቐት ድሮን፡ ንጸጥታዊ ውሕስነት ኣውሮጳ ዝጠቅም ስለያዊ ሓበሬታ ንምእራይ ተዋፊራ ምንባራ ፔንታጎን ኣይሓብአን።
ኣመሪካ ዝረኸበቶ ስለያዊ ሓበሬታ ምስ ዩክረይን ክትካፈሎ ምጽንሓ ይፍለጥ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ሩስያ ካብ ክሪሚያ ክሳብ ትወጽእ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ዘይተርፍ'ዩ ኢሉ።
ሚኒስተር ዲሚትሮ ኩለባ፡ ምዕራባውያን ሃገራት እቲ ኩነታት ናብ ዝዓበየ ስግኣት ከየምርሕ ስክፍታ ክፈጥረለን ይኽእል እንተኾይኑ ምስተሓተ፡ ከምኡ ዓይነት መርገጺ እንተወሲደን "ድኻመን ምርኣይ'ዩ" ክብል መሊሱ።
"እቲ ዘሎ መንፈስ ነቲ ወጥሪ ምዕራግ ኣይኮነን፡ ንናይ ሩስያ ግብራውን ናይ ቃልን ጸጥቕጢ ምርዓም'ውን ኣይኮነን" ኢሉ።
ብዘዕባ'ቲ ፍጻመ መብርሂ ክህብ ብሰብመዚ ኣመሪካ ዝተጸውዐ ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ዋሽንግተን፡ እቲ ኩነታት ብሰንኪ ኣመሪካ ትገብሮ ዘላ "ምቱዂታዂ" ዝሰዓበ'ዩ ክብል ከሲሱ።
"ኣብ ጥቓ ዶባትና ዝካየድ ዘሎ ዘይቅቡል ወተሃደራዊ ንጥፈታት ኣመሪካ ኣሻቓሊ ጉዳይ'ዩ" ክብል ኣምባሳደር ኣናቶሊ ኣንቶኖቭ ተዛሪቡ።
ኣፈኛ ክረምሊን ዲሚትሪ ፐስኮቭ ብወገኑ ትማሊ ረቡዕ ብዛዕባ'ቲ ኩነታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ መንጎ ዋሽንግተንን ሞስኮን ብዝለዓለ ደረጃ ነቲ ፍጻመ ዝምልከት ርክብ ተኻይዱ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ሩስያ ካብ ዝኾነ ሃናጺ እትብሎ ጽምዶ ከምዘይተድሓርሕር ድማ ገሊጹ።