እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት ዩክረይን፡ ኣብ ባክሙት ኲናት ኣብ ዝጻዕጽዓሉ ከቢድ ክሳራታት የጋጥም ኣሎ
ዩክረይንን ሩስያን ንከተማ ባክሙት ዝገብርኦ ዘለዋ ውግእ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን ከቢድ ክሳራታት ከምዝወረደን ገሊጸን።
ሩስያ ነታ ምብራቓዊት ከተማ ዩክረይን ንምቁፅፃር ንኣዋርሕ ብኸቢድ ኲናት ኣሰንያ ክትጽዕር ጸኒሓ እያ።
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ሓይልታት ሩስያ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት መዓልታት ጥራሕ ልዕሊ 1,100 ሰባት ከምዝሞትዎምን ብዙሓት ብኸቢድ ከምዝቖሰልዎምን ሓቢሩ።
ሩስያ ብወገና ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ጥራይ ልዕሊ 220 ኣባላት ኣገልግሎት ዩክረይን ከምዝቐተለት ኣፍሊጣ።
ቢቢሲ ብኽልቲኡ ወገን ንዝተወሃበ ቁፅሪ ከረጋግፅ ኣይከኣለን።
ስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ከተማ ባክሙት ብዙሕ ከምዘይኮነ ዝሕብሩ ተንተንቲ፡ ኣዘዝቲ ሩስያ ናብ መንግስቶም ዝኾነ ኣወንታዊ ዜና ንምቕራብ ብትኹረት ዝተቓለሱሉ ነጥቢ ኮይኑ’ሎ ይብሉ።
ሩስያ ነታ ከተማ እንተተቖፃፂራታ ምናልባት ናብቲ ንምሉእ ዞባ ዶኔስክ ናይ ምቁጽጻር ዕላማኣ ቁሩብ ክትፅጋዕ ዘኽእላ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ጉጅለ ዕሱባት ዋግነር ኣብቲ ሩስያ ንባክሙት ክትቆፃፀር ተካይዶ ዘላ መጥቃዕቲ ይሳተፉ ኣለው። መራሒ እቲ ጉጅለ የቭገኒ ፕሪጎዚን ንባክሙት ንምቁፅፃር ክብል ንዝንኡን ናይ ብሕቲ ሰራዊቱን ኣብ ሓደጋ ኣእትይዎ ኣሎ።
ንሱ ኣብታ ከተማ ንዝነበረ ኩነታት ኣመልኪቱ ብቐዳም ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ "ከቢድ፤ ኣዝዩ ከቢድ! ጸላኢ ንነፍሲ ወከፍ ሜትሮ ይቃለስ ኣሎ" ክብል ተዛሪቡ።
"ናብ ማእከል ከተማ ብዝተፀጋዕኻ መጠን ድማ እቲ ውግእ ይሕይል" ክብል ብቴሌግራም ኣብ ዝዘርግሖ ቅዳሕ ድምጺ ገሊጹ።
ካብተን ዞባታት ምልመላ ሓደስቲ ተዋጋእቲ ክጅምሩ ምዃኖም እውን ወሲኹ ሓቢሩ።
ሓደ ትካል መጽናዕቲ ኲናት ኣሜሪካ ብሰንበት ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ መጥቃዕቲ ሩስያ ተገቲኡ ምህላዉ ሓቢሩ።
ቅድሚ እቲ ወራር ኣብ ባክሙት ኣስታት 70 ሽሕ ሰባት ይነብሩ ነይሮም፤ ኣብዚ እዋን ግን ውሑዳት ኣሽሓት ጥራይ እዮም ተሪፎም። እታ ከተማ ኣብ ሓደ እዋን ብዕደና ጨውን ጂፕሰምን ከምኡ ድማ ምፅማቝ ወይኒ ትፍለጥ ነይራ።
ዩክረይን እውን ልክዕ ከም ሩስያ ንባክሙት ፖለቲካዊ ትርጉም እያ ትህባ። ፕረዚደንት ዘለንስኪ ድማ ነታ ከተማ ኣርማ ፅኑዕ መኸተ እዩ ዝቖፅራ።
ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናብ ዋሽንግተን ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን "ዕርዲ ሞራልና" ብምባል ንኮንግረስ ኣሜሪካ ባንዴራ ባክሙት ሂቡ ነይሩ።
ሰበስልጣን ምዕራባውያን ሃገራት ክሳብ ሕጂ ኣብ ባክሙትን ከባቢኣን ካብ 20 ክሳብ 30 ሽሕ ወተሃደራት ሩስያ ከምዝተቐትሉ ወይ ከምዝቖሰሉ ይግምቱ።