እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዝበለጸን ዝሓመቐን ባጤራታት ኣፍሪቃ
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝርኣዩ ዘለው ብዙሓት ምኽንያታት፡ ዓለምለኻዊ ቁጠባ ክናጋዕ ገይሮም እዮም።
ኣብ 2020 ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝጀመረ ቅልውላው፡ ንዓለምለኻዊ ንግዲ ዳርጋ ደው ከብሎ እንከሎ፡ ኣብዚ ዓመት [2022] ወርሒ ለካቲት ዝተወልዐ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ድማ ካልእ ሰኸም ኰይኑ ኣሎ።
ቁጠባ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ቅድሚ እዞም ዓለምለኻዊ ቅልውላዋት’ውን እንተዀነ ሰንከልከል ክብል’ዩ ጸኒሑ።
መብዛሕትአን፡ ዕድአን እናወሰኸ ስለ ዝመጽአ ብዕዳ ተሓኒቐን እየን። ኣብዘን ሃገራት፡ ዋጋታት ኣቑሑ እናነከየ ክመጽእ እንከሎ፡ ገሊአን ሃገራት ሸርፊ ወጻኢ’ውን ክሓጽረን ጀሚሩ።
ምስ እዚ ብዝተሓሓዝ፡ መተዓዳደጊ ባጤራ ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ ዶላር ኣሜሪካ ዘለዎ ኣፈላላይ ኣዝዩ ወሲኹ።
ኣብ ቀረባ እዋን ግን፡ ባጤራ ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ ዶላር ኣሜሪካ ብመንጽር ዘለዎ ኣፈላላይ፡ ክልተ መልክዕ ዝሓዘ ኰይኑ፤ ገሊኡ ክሕይል እንከሎ፡ ገሊኡ ግን ኣዝዩ ሓሚቑ ኣሎ።
ንኣብነት፡ ኣብዚ ዓመት መተዓዳደጊ ገንዘብ ዛምቢያ - ክዋቻ፡ ኣብ ዓለም ብመንጽር ዶላር እቲ ዝሓየለ ባጤራ ኰይኑ እዩ።
እዚ ገንዘብ ኣብ 2022 ክሳብ ሕጂ፡ 15 ሚኢታዊት ዕብየት ኣርእዩ እዩ።
እዚ መኽሰብ፡ ኣብቲ ፕረዚደንት ሃካይንደ ሂቺለማ፡ ቁጠባ እታ ሃገር ንምልዓል ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ፡ ብቐንዱ ድማ ንዕዳ ወጻኢኡ ዳግማይ ብምውዳብ ቁጠባ እታ ሃገር ዘላቒ ንምግባር ምስ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ዝተሓሓዝ’ዩ ክብሉ ክኢላታት ይዛረቡ።
ኣብ ወርሒ መስከረም፡ እታ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ሃገር 1.3 ቢሊዮን ዶላር ልቓሕ ንምርካብ ምስ ዓለምለኸ ትካል ገንዘብ ወሳኒ ስምምዕ ፈሪማ እያ።
እዚ ገንዘብ፡ መንግስቲ ምስ ቻይናን ካልኦት ኣለቃሕትን ብዛዕባ ዘሎ ክቡር ዕዳ ዳግማይ ዝርርብ ኣብ ዝጅምረሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብያተ ትምህርትን ሆስፒታላትን ምምዋል ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ማሕበረ- ቁጠባዊ መደባት ንምምዋል ከኽእሎ እዩ።
ዛምቢያ፡ መዓድን ነሓስ ብብዝሒ እተፍሪ ሃገር ኰይና፡ እቲ ሕጂ መንግስቲ እታ ሃገር ዝወስዶ ዘሎ ስጉምታት፡ ኣውፈርቲ ወጻኢ ዝነበሮም እምነት ናብ ንቡር ክምለስ ገይሩ ኣሎ።
ብተወሳኺ፡ ብዙሓት ኣዝየን ዝማዕበላ ሃገራት ዓለም ምስ ዝቕባበ ባጤራ ኣብ ዝቃለሳሉ ዘለዋ እዋን፡ ኣብታ ሃገር ዝርአ ናህሪ ዋጋታት ክሃድእ ገይሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ዛምብያ 21 ሚኢታዊት ዝቕባበ ክተመዝግብ እንከላ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ 9.9 ሚኢታዊት ወሪዱ ኣሎ።
ናብ ጋና እንተኸይድና ክኣ፡ መተዓዳደጊ ባጤራ ሴዲ፡ ኣብቲ ብ2015 ክዋቻ ኣብ ዝነበሮ ኩነታት እዩ ዘሎ።
መተዓዳደጊ ባጤራ 148 ሃገራት ዝርኢ መከታተሊ ባጤራ ብሉምበርግ፡ ብሰኑይ፡ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ዕዳጋ ዓለም እቲ ዝሓሰረ ባጤራ እዩ ኢሉዎ።
ሴዲ፡ ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ዋግኡ 48 ሚኢታዊት ኣንቆልቂሉ እዩ።
ኣውፈርቲ ወጻኢ፡ ኣብታ ሃገር ዘለዎም እምነት ብምስኣኖምን ብዶላር ጋና ዝሽየጡ ቦንድታት ካብ ፖርትፎሊዮኦም ክኣልዩዎም ድሕሪ ምውሳኖም ሴዲ ዋጋኡ እናኸፍአ መጺኡ።
ብመሰረት ጸብጻብ ማእከላይ መኽዘን ዋሕስ እታ ሃገር፡ ኣብ ኢድ ኣውፈርቲ ወጻኢ ዝነበረ መጠን ቦንድ መንግስትን ትካላትን ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናብ 12.3% ወሪዱ’ዩ።
እዚ ድማ ጋና ካብ ኣህጉራዊ ኣለቃሕቲ ከምኡ’ውን ከምቲ ዛምቢያ ምስ ትካል ገንዘብ ዓለም ዝኣተወቶ ውዕል ከይትረክብ ምኽንያት ኰይኑ እዩ።
ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ዋጋ መነባብሮ ጋና ንዝሓለፉ 16 ኣዋርሕ ክኸብር ጸኒሑ፤ ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብታ ሃገር ዝቕባበ 37.2% በጺሑ።
ትማሊ ሰኑይ፡ ኣክራ ኣብ ውሽጢ ክልተ ኣዋርሕ ንኻልኣይ ግዜ ትካላት ንግዲ ክትዓጹ ምዃና ኣጠንቂቓ።