ወተሃደራዊ መራሕቲ ኢትዮጵያን ትግራይን፡ ኣብ ናይሮቢ ልዝብ ክጅምሩ እዮም

ኣምባሳደር ሬድዋን መብርሂ እናሃበ

ምንጪ ስእሊ, MINISTRY OF FOREIGN AFFAIRS

Published

ላዕለዎት ወተሃደራዊ መራሕቲ ምክልኻል ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ሎሚ ሰኑይ 7 ሕዳር 2022 ኣብ ናይሮቢ ክራኸቡ ምዃኖም፡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ሓቢሩ።

ኣምባሳደር ሬድዋን ነዚ ዝሓበረ፡ ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ፕሪቶርያ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ክልቲኦም ወገናት ኣመልኪቱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝመደበሮም ን ዲፕሎማሰኛታት ወጻኢን ማሕበረሰብ ዓለምን መብርሂ ኣብ ዝሃበሉ ኣጋጣሚ እዩ።

እቲ ኣምባሳደር ኣብ መብርሂኡ፡ ነቲ ስምምዕ ሰላም ናብ ባይታ ንምውራድ ዘኽእሉ ንጥፈታት ድሮ ከምዝተጀመሩ ብምግላጽ፡ ገለ ካብቶም ስምምዓት ብቕልጡፍ ክትግበሩ ከምዘድሊ ጠቒሱ።

ሓደ ካብኡ ኣብ መንጐ ወተሃደራዊ መራሕቲ ክልቲኡ ወገናት መድረኽ ዘተ ምምችቻእ ምዃኑ ገሊጹ።

መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ‘ታ ሃገር ከም ዝመልክቶ፡ወተሃደራዊ መራሕቲ ክልቲኦም ወገናት ድሮ ብተሌፎን ዝርርብ ከካይዱ ጸኒሖም እዮም፤ እቶም ወተሃደራዊ መራሕቲ ብዛዕባ ዝስዕብ ስጕምትታት ንምዝርራብ ከኣ ሰኑይ ብኣካል ኣብ ናይሮቢ ክራኸቡ እዮም።

ንክልቲኦም ወገናት ወኪሎም ዝርከቡ ወተሃደራዊ መራሕቲ በዓል ከምዝዀኑ ዛጊት ኣይተፈልጠን።

ኣብ ስምምዕ ፕሮቶርያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

በዚ መሰረት፡ሓለፍቲ ምክልኻል ፌደራልን ወተሃደራዊ መራሕቲ ሓይልታት ትግራይን ብኣካል ተራኺቦም ብዛዕባ ምፍታሕ ኣጽዋር ክዘራረቡ ምዃኖምን፡ ንዕጡቓት ህወሓት ኵነታት ምምችቻእን ብዛዕባ ዝምልከት ጉዳያት፡ እቲ ካልእ ቀዳምነት ዝወሃቦ ዛዕባ ምዃኑ እቲ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ገሊጹ።

ኣምባሳደር ሬድዋን፡ "ዕጡቓት ህወሓት ዕጥቈም ምስ ኣውረዱ" ክልል ትግራይ ከም ካልኦት ክልላት ናይ ገዛእ ርእሳ ፍሉይ ሓይሊ ክቘመላ ምዃኑ ኣብሪሁ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

"ዕጥቂ ምፍታሕ ህወሓትን ምቛም ፍሉይ ሓይሊ ጸጥታ ኣብቲ ክልልን ክንብል እንከለና፡ገለ መሻርኽቲ ግር ክብሎም ይኽእሉ እዩ።ክልላት ግን ነናይ ገዛእ ርእሰን ሓይሊ ጸጥታ ኣለወን፤ ክልል ትግራይ ከኣ ናይ ገዛእ ርእሳ ሓይሊ ጸጥታ ክህልዋ ንዘለዋ መሰል ኣይንክሕድን፡” ኢሉ።

ኣምባሳደር ሬድዋን ኣተሓሒዙ፡ ክልል ትግራይ ሓይሊ ፖሊስን ፍሉይ ሓይሊ ጸጥታን ከም ዝህልዋ ጠቒሱ፡ እዚ ሓይሊ’ዚ ግን ተጸዋዕነቱ ንሓደ ሰልፊ ዘይኰነስ ንክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ከምዝኸውን ኣረዲኡ።

ብተወሳኺ እቲ ኣምባሳደር፡ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጐ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ድሕሪ 10 መዓልታት ዝርርብ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ቀጻሊ ስጕምትታት ኣፈጻጽማ’ቲ ስምምዕ፡ ካብ መሻርኽቲ ሃገራት ትጽቢት ዝግበረሎም ነገራትን ኣብሪሁ።

ኣምባሳደር ሬድዋን፡ ኣብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኲናት ብቕልጡፍን ንሓዋሩን ከም ዘብቅዕ ምግባር’ውን ካብቲ ብቐዳምነት ዝተረበሉ ጉዳይ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣስዒቡ፡ ጐነጽ ዘስዕቡ ፕሮፖጋንዳታትን ትረኻታትን እውን ደው ክብሉ ከምዘለዎም ኣብ መግለጺኡ ኣገንዚቡ።

እቲ ስምምዕ፡ ሓይልታት ህወሓት "ቀለልቲ ኣጽዋር" ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ንኽፈትሑ ዝብል ገደብ ግዜ’ኳ እንተኣቐመጠ፡ እቲ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ኣቋሪጹ ዝጸንሐ መሰረታዊ መሰረታውያን ኣገልግሎታትን ሰብኣዊ ረድኤትን፡ ብሰንኪ'ቲ ኲናት ካብ ምጅማሩ ኣትሒዞም ዝተመዛበሉ ነበርቲ ትግራይ መዓስ ከም ዝምለሱን ኣብ ዝምልከት ግን ዝተቐመጠ ገደብ ግዜ የለን።

ከምኡ'ውን ሓይልታት ኤርትራ ካብታ ክልል ዝወጽእሉ ኩነታት ኣብቲ ስምምዕ ግልጺ ኣይተገብረን።

መንግስቲ ኢትዮጵያን መራሕቲ ህወሓትን ነቲ ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ኲናት ሕድሕድ ‘ታ ሃገር ንምቍራጽ ዘላቒ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ፈሪሞም እዮም።

እቲ ብረቡዕ 02 ሕዳር ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ እቲ ንኽልተ ዓመት ዝዘለቐ ደማዊ ኲናት ትግራይ ንሓዋሩ ከብቅዕ፡ ሓገዝን መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ምጅማርን ዶብን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሕግን ሃገርና ክኽበርን ዝዓለመ ምዃኑ ይግለጽ።

እንተዀነ፡ እዚ ተስፋ ዝተገብረሉ ስምምዕ ተግባራዊ ምግባሩ ቀሊል ከምዘይከውን ተንተንቲ ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ።

መንግስትን ትግራይ ብወገኖም “እዚ ስምምዕ ድልየት ህዝብና ንምምላእን ውሕስንኡ ብዘላቕነት ንምሕላውን ክንብል እንገብሮ ዘለናን ውፅኢት ቃልስናን ስለዝኾነ ንተግባራዊነቱ'ውን ብዝግባእ ክንሰርሓሉ ዘለና እዩ” ክብሉ ገሊጾም ኣለው።