ነቲ ውዕል ሰላም ክዕንቅፉ ዝኽእሉ ጉዳያት እንታይ እዮም?

ኣምባሳደር ሬድዋን፡ ኦባሳንጆ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

Published

ኣብ ድሮ ካልኣይ ዓመት ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ፡ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት ተጻብኦታት ንምቁራጽ ተሰማሚዖም ኣለዉ።

ድሕሪ እዚ ስምምዕ ብኽልቲኡ ወገናት ዝተፈረመ ዝርዝር ሰነድ ተዘርጊሑ።

እዚ 10 ገጻት ዝሓዘ ሰነድ ብኽልቲኡ ወገናት ብወግዒ ከምዝተፈረመ ኣሶሸይትድ ፕረስ ኣረጋጊጹ።

እዚ ዝርዝር ሰነድ ብዛዕባ ቀዋሚ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት፡ ምፍታሕ ዕጥቂ [ህወሓት] ምብጻሕ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ረድኤትን ካልኦት ጉዳያትን ዝምልከት እዩ።

እቲ ልዝብ ዋላ'ኳ ገና ኣብ መፈለምታኡ እንተዀነ፡ ገለ ተኣፋፊ ጉዳያት ኣይተተንከፉን ዝብሉ ድምጽታት ክስማዑ ጀሚሮም ኣለዉ።

ሰራዊት ኤርትራ እንታይ ክኸውን እዩ? ከመይ ጌርካ ዕጥቅ ይፍታሕ? እቲ ኣካታዒ ግዝኣት ምዕራብ ትግራይ እንታይ እዩ ክኸውን? ፍትሒ ብኸመይ ክርከብ ይከኣል? ዝኣመሰሉ ሕቶታት ይለዓሉ ኣለዉ።

ነዚኦምን ካልኦትን ኣመልኪትና ምሁራትን ተንተንቲ ፖላቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣዘራሪብና ኣለና።

‘ኲናት ሲኦል እዩ’

ባይሳ ዋቅወያ፡ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ዓውዲ ሰላምን ምፍታሕ ጐንጽታትን ዘገልገለ በዓል ሞያ ዓለም ለኻዊ ሕጊ እዩ።

ንሱ፡ "እቲ ስምምዕ ካብቲ ዝሓሰብክዎ ንላዕሊ ቅልጡፍ እዩ ነይሩ" ይብል።

"ገለ ሰባት 'እቲ መዓልቲ ተናዊሑ፡ ፈሺሉ እዩ' ይብሉ ነይሮም። ኣነ ድማ ካብ ተመኵሮ ተበጊሰ፡ ክሳብ ሕጂ ይዘራረረቡ ከምዘለዉን ኣብ ድርድር ከምዘይበጽሑን እየ ዝኣምን ነይረ።”

እቲ ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ኣዕናዊ ኲናት ሓድሕድ ንኸብቅዕ፡ እቶም ተዋጋእቲ ወገናት ሰላማዊ ፍታሕ ክገብሩ ይመክርን ተመኵሮኡ የካፍልን ከምዝነበረ ይዛረብ።

ኣብ ነዘርላንድስ ዝመደበሩ ተንታኒ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣደም ካሴ [ዶክተር]፡ እውን በቲ ስምምዕ ኣዝዩ ሕጕስ ምዃኑ ይዛረብ።

“ከምዚ ቀልጢፉ ክመጽእ እዩ ዝብል እምነት ኣይነበረንን፤ ኣዝየ ሕጕስ እየ።"

እቲ ተንታኒ፡ ቅድም ክብል፡ ብዙሓት ጽቡቓት ዕድላት ከምዝመኸኑ ብምዝኽኻር፡ "ብፍላይ ነቲ ብሰንኪ ኲናት ሰንሰን ዝበለ ህዝቢ ትግራይ  ዓቢይ እፎይታ ዝህብ እመስለኒ" ይብል።

እቲ ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ንዕውትነት እዚ መስርሕ ሰላም፡ ንህወሓት ዓቢ ክብሪ ይህብ።

"ብናተይ ኣረኣእያ፡ መራሕቲ ትግራይ ዓቢይ ኣፍልጦ ክወሃቦም ይግባእ። ኣብዚ ዘለናዮ ኵነታት ንኽንበጽሕ፡ መገዲ ሰላም ብምምራጽ ዝወሰድዎ ቈራጽነት [ሕድገታት] ንሰላም ልዑል ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።”

እቲ ክኢላ ዓለምለኸ ሕጊ ባይሳ ብወገኑ፡ እቲ ስምምዕ ሰላም ንነበርቲ ክልል ትግራይ እፎይታ ከምዝዀነ ገሊጹ።

"ቈልዑ፡ ኣረጋውያን፡ ኣደታትን መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ትሕቲ ሰማይ ትግራይ ብዘይ ድምጺ ጥይት ክሓድሩን ንጹህ ኣየር ከስተንፍሱን ክትሰምዕ ደስ ዘብል'ዩ።"

‘ኲናት ሲኦል እዩ' ዝብል ባይሳ፡ በሰላ ኲናት ካብ ርሑቕ ምስማዕ ዘይኮነስ፡ ኣብ ቦታኡ ዄይንካ ብምርኣይ ጥራይ ክትርድኦ ከም እትኽእል ይገልጽ። 

ብደሆታት ኣፈጻጽማ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ዝተፈረመ ሰነድ ስምምዕ ከም ዘንበቡ ንቢቢሲ ዝገልጹ እቶም ተንተንቲ፡ እቲ ስምምዕ ዝነኣድ'ኳ እንተዀነ፡ ኣተገባብራኡ ግን ከቢድ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣመልኪቶም።

ጸገም ኣፈጻጽማ ብዝምልከት፡ እቲ ምኩር ክኢላ ኣፈታትሓ ግጭት ባይሳ ብኸምዚ ይገልጽ።

"ህዝቢ ንህዝቢ ተዳምዩ ስለዝዀነ፡ ኣብቲ ዝተበጽሐ ጽቡቕ ብርኪ ኣበርቲዕኻ ብምስራሕ፡ ምሕካም ይሓይሽ" ይብል።

ማሕበረሰብ ዓለም ሰብኣዊ ሓገዝ ብቕልጡፍ ክበጽሕ ኣብ ምኽኣል ዘለዎ ተራ ቀሊል ከምዘይኮነ እውን የረድእ።

ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣደም ካሴ'ውን፡ እቲ ስምምዕ ንምትግባር "ቀሊል ከምዘይከውን እዩ ዝርደአኒ" ይብል።

ይዅን እምበር፡ ህወሓት ብመንጽር ኣብ ትግራይ ዘለዎ ልዑል ተቐባልነት፡ ዝኣተዎ ቃል ከፈጽም ንህዝቢ ከእምኖ ከምዘይጽገም እቲ ተንታኒ ይግምት።

"መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ንኤርትራውያን ናብ ቦታኦም ክምለሱ ኣእሚኑ፤ ብቕልጡፍ ዶብ ሰጊሮም ክወጽኡ ክገብር ይግባእ” ኢሉ።

ኣብቲ ስምምዕ ስም መንግስቲ ኤርትራ ዘይምጥቃሱ "ዘገርም ኣይኮነን" ዝብል ዶ/ር ኣደም፡ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ምስ ኤርትራ ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ከምዘለዉ የመልክት።

ወተሃደራት ኤርትራ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኰይኖም ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ይዋግኡ ከምዘለዉ ጸብጻበት ይሕብሩ።

ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ከይወጹ፡ ዕጥቂ ምፍታሕ ዝበሃል ክትግበር ከምዘይክእል ዶ/ር አደም ይዛረብ።

ክኢላ ዓለማዊ ሕጊ ባይሳ ብወገኑ፡ 'ኣብዚ ስምምዕ ዘይተሳተፉ ኣካላት' ዕንቅፋት ከይኮኑ ይሰግእ።

ኣደም ከምዝብሎ፡ ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ብፍላይ ከቢድ ኣጽዋሮም እንተ ኣረኪቦም፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ኮይኖም ክቕጽሉ ይኽእሉ እዮም።

ክልላት ኢትዮጵያ፡ ናይ ባዕለን ፍሉይ ሓይሊ ከቝማ ይፈቅድ እዩ፤ እንተዀነ ብዛዕባ ክሕዝዎ ዝግባእ ዕጥቂ ዝምልከት ኣካታዒ እዩ።

አደም፡ ሓይልታት ጸጥታ ፌደራል ንመዓርፎ ነፈርትን ካልኦት ዓበይቲ ትካላት ፌደራልን ጥራይ ይሕሉ ድዩ ወይስ ኣብ ስራሕ ፖሊስ'ውን ክሳተፍ ክደሊ፡ ክብል’ውን ይሓትት።

"እቲ ስምምዕ ዝርዝር ነገራት ዝሓዘ'ኳ እንተዀነ፡ ዘይተጠቐሱ ብዙሓት ነገራት ከም ዘለው፡” ይኣምን።

እዚ ስምምዕ እዚ፡ ኢትዮጵያውያን ብጥይት ዘይኮነስ ብሰላማዊ መንገዲ ዘይምርድዳእ ናይ ምፍታሕ ተመኵሮ ከጥርዩ ከምዘለዎም ዘመልክት ምዃኑ'ውን እቲ ምሁር ሕጊ በይሳ ይገልጽ።

"ካብ መጀመርታኡ ናብዚ ኲናት ክንኣቱ ኣይግባእን ነይሩ፤ ናብ ኲናት ምስ ኣተና ግን ብሰላም ከም ዝውዳእ እንተፈሊጥና፡ ንመጻኢ ዝዀነ ዘይምርድዳእ ብዘተ ምፍታሕ ክንለማመድ ይግባእ።

ፖለቲካዊ ውድባት፡ ደለይቲ ፍትሒ፡ ትካላት ሚድያን ጋዜጠኛታትን እቲ ኲናት ብሰላም ኣብ ምፍታሕ ትዅረት ክገብሩ'ውን ተማሕጺኑ።

ሕጋዊ መገዲ

ንኡስ ዓንቀጽ 10 ናይቲ ስምምዕ፡ ፖለቲካዊ ጸገማት ብዂናት ዘይኮነስ፡ ናብ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ተመሊስካ፡ ብሰላማዊ መንገዲ ምፍታሕ ኣገዳሲ ምዃኑ የረጋግጽ።

እቲ ክኢላ ሕጊ ባይሳ፡ እቲ ኣብ መሬት ዘሎ ሕገ-መንግስቲ ፍታሕ ከምዝዀነ እዩ ዝኣምን።

"ሓቂ እዩ፡ እቲ ሕገ መንግስቲ ክረቅቕ እንከሎ ህዝቢ ብግቡእ ኣይተሳተፈሉን ይኸውን። ንህሉው ሽግራትና ንምፍታሕ ግን እዚ ቅዋም ኣለና። ኵሉ ሰብ ዝሰማማዓሉ ቅዋም ክሳብ ዝዳሎ፡ ዘይምርድዳእና ብመሰረት እዚ ሕገ-መንግስቲ ክንፈትሖ ኣለና።"

ኣደም ዝተፈላለየ ብድሆታት'ኳ እንተሃለወ፡ ናብ ኲናት ክንምለስ ኢና ዝብል እምነት የብሉን።

እቲ ተንታኒ፡ ምምሕዳር ጸጥታ፡  ፍትሕን ሕቶ ይግበኣንን፡ ንፖለቲካዊ ዝርርብ ክፉት ምዃኖም ዝሐሸ እዩ ኢሉ ይኣምን።

"እቲ ኣገዳሲ ነገር ነዚ ስምምዕ ዝፈረሙ ኣካላት፡ ንድሕሪት ተመሊሶም ህዝቦም ከእምኑ ይግባእ። ዕላማ ናይዚ ውዕል ምሕባር፡ ዝተገብሩ ሕድገታት እንተሃልዮም ድማ፡ ንምንታይ ከምኡ ዝዀነ ግንዛበ ምፍጣር ክቕድም ይግባእ።

"ይብዛሕ ይንኣስ፡ ኵሉ ጥሕሰት ሕጊ ፈጺሙ እዩ" ዝብል ተንተኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃ አደም፡  እቲ ስምምዕ ንጉዳይ ገበናት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ብዙሕ ኣቓልቦ ከምዘይሃበ ይዛረብ።

እንተዀነ፡ ንቕድሚት ጉዳይ ዓበይቲ ገበናት ብሰፊሑ ንኽረአ መገዲ ዝጸርግ እዩ በሃላይ እዩ።

ዳግመ ህንጸት ትግራይ

ብቐንዱ ኣብ ትግራይ፡ ኣብ ገለ ክፋል ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን፡ ዳግመ ህንጸት ከምዘድሊ እቶም ተንታንቲ ገሊፆም። ማሕበረሰብ ዓለም ኣብዚ ጉዳይ ብዕቱብ ክሰርሐሉ ድማ ይጠልቡ።

ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ፡ ኣብዝሓ ትካላትን ማእከላት መሰረተ ልምዓትን ከምዝዓነዉ ጸብጻበት ይሕብሩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ደጊም እቲ ክልል ኣብ ምህናጽ ክንወፍር ኢና ኢሉ።

ክልቲኦም እቶም ሰብ ሞያ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብቲ ዳግመ ህንጸት እንተዘይተሳቲፉ፡ እቲ ኩነታት ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎም።

ዶ/ር ኣደም ካሴ፡ " 'ከም ህዝቢ፡ ኤርትራ፡ ኣምሓራን ትግራይን ኣብዚ ኩናት ከሲርና ኣለና’ ካብ ዝብል መንፈስ፡ ካብ ናይ ጽልኢ ዘረባ ርሒቕና፡ እዚ ውዕል ሰላም ንኽፍጸሙ ዕድል ንሃቦም" ክብል ሓሳቡ ይዛዝም።