ኣብ ካሊፎርንያ ብውሕዱ ሽዱሽተ ሰባት ብጥይት ተሃሪሞም ሞይቶም

Published

ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዋና ከተማ ግዝኣት ካሊፎርንያ ዝኾነት ሳክራሜንቶ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 12 ሰባት ብጥይት ክህረሙ እንከለው ብውሕዱ ሽዱሽተ ሞይቶም።

ብሰንበት ለይቲ፡ ኣብቲ ብብዝሒ ኣብያተ መግብን መስተን ዝርከበሉ ማእከል እታ ከተማ ቅልጡፍ ተኹሲ ምስ ተሰምዐ ሰባት ኣብ ጎደናታት ክሃድሙ ተራእዮም።

እቲ ተኹሲ ምስ ተሰምዐ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ኣባላት ፖሊስ ግብረመልሲ ከም ዝሃቡ ዝሓበረት ኣዛዚት ፖሊስ ካትሪን ሌስተር "ኣዝዩ ዘሕዝን ኩነታት'ዩ" ኢላ።

ንሳ ወሲኻ መርመርቲ ናብቲ ስፍራ ብምምራሕ፡ ነቶም ተሓተትቲ ንምልላይ ዝሕግዝ ዝኾነ ሓበሬታ ዘለዎ ሰብ ክረኽቦም ሓቲቶም ምሕላዎም ገሊጻ።

ዛጊት ምስቲ ጉዳይ ብዝተሓሓዝ ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ሰብ የሎን።

እቲ መጥቃዕቲ ካብ 'ካፒቶል ሂል' እታ ግዝኣት ብዙሕ ርሑቕ ኣብ ዘይኮነ ስፍራ ክኸውን እንከሎ፡ ብኣቆጻጽራ እቲ ከባቢ ለይቲ ሰዓት 2 እዩ ተፈጺሙ።

ፓሜላ ሃሪስ ከም ዝሓበረቶ፡ እቲ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ጓላ ደዊላ ወዲ 38 ዓመት ወዳ ኣብ ከባቢ ሓደ ቤት መግቢ ብዝተተኮሶ ጥይት ከም ዝተቐትለ ነጊራታ።

"ከም ዝሞተ ምስ ነገረትኒ ውነይ ኣጥፊአ ወዲቐ" ብምባል ነቲ ኩነታት ንሮይተርስ ተዛሪባ።

ንሳ ወሲኻ "እንታይ ከም እተፈጥረ ከይተሓበረኒ ካብዚ ስፍራ ኣይንቀሳቐስን፤ ክሳዕ ሕጂ ሕልሚ እዩ ዝመስለኒ ዘሎ" ኢላ።

ጓል 32 ዓመት ኬይ ሃሪስ ብወገና ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ካብ ሓደ ሓደ ኣባላት ስድራቤታ ቴለፎን ከም ዝተደወለላን ምናልባት ሓዋ ተቐቲሉ ክኸውን ከም ዝኽእልን ሓቢራ።

ንኣሶሽየትድ ፕረስ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ ሓዋ ኣብቲ ከባቢ ንዝርከብ ናይ ለይቲ ቤት መግቢ ከም ዘዘውትር ገሊጻ።

ከንቲባ እታ ከተማ ዳረል ስተይንበርግ ብወገኑ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሐ ሓበሬታ በቲ መጥቃዕቲ ህይወቶም ዝሓለፈን ዝቖሰሉን ሰባት ከም ዘለው ኣረዲኡ።

"ብጠበንጃ ዝፍጸም መጥቃዕትታት ኣሸጋሪ ኩነታት ከተማና፡ ግዝኣትናን ሃገርናን ኮይኑ ኣሎ፤ ነዚ ንምቕናስ ዝግበር ኩሉ ክሕግዝ እየ" ኢሉ።