ቻይና፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ንዝሰርሐቶ ዘይተኸፍሎ ዕዮ ገዛ ክትክሓስ ቤት ፍርዲ ኣዚዙ

Published

ንጉዳይ ፍትሕ ዝሓተቱ ሰብ ሓዳር ክከታተል ዝጸንሐ ኣብ ቤጂንግ ዝርከብ ሓደ ቤት ፍርዲ ቻይና፡ እቲ ሰብኣይ በዓልቲ ቤቱ ኣብ ሓዳር እንከለዉ ንዝሰርሐቶ ዘይተኸፍሎ ናይ ገዛ ስራሕ ካሕሳ ክኸፍል ኣዚዙ።

እዛ ጓል ኣንስተይቲ፡ ናይ ሓሙሽተ ዓመት ዘይተኸፍሎ ስራሕ 50 ሽሕ የን [7 ሽሕን 700 ዶላር] ክትክፈል እያ።

እዚ ጉዳይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓያል ክትዓት ኣላዓዒሉ እርከብ፡ እቲ ዳኛ ዝበየኖ መጠን ካሕሳ እዛ ሰብ ኣብ ገዛ ኮይና እናሰረሐት ትሃልኮ ናይ ዝነበረት ዝዳረግ ኣይኮነን ኣዝዩ ትሑት እኡ ዝብሉ ኸኣ ብዙሓት እዮም።

ብመሰረት ሰነዳት ቤት ፍርዲ፡ እቲ ቼን ብዝብል ናይ ኣቡኡ ሽም ዝተጠቕሰ ውልቀሰብ፡ ብ2015 ዝተመርዓዋ ዋንግ ብዝብል ሽም ኣቡኣ ንዝተጠቕሰት ክፈትሓ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ቤት ፍርዲ ኣመልኪቱ።

ንሳ ኣብ መጀመርታ ክትፋታሕ ድልየት ኣይነበራን።

ድሒሩ ግን፡ ኩሉ ናይ ገዛ ስራሕትን ውላድ ክልቲኦም ዝኾነ ቖልዓ ናይ ምሕብሓብ ሓላፍነትን ኣብ ዝባና ወዲቑ ስለ ዝጸንሐ ናይ ገንዘብ ካሕሳ ክኽፈላ ሓቲታ።

እዚ ኣብ ቤጂንግ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ከኣ፡ ነቲ ኣብ እዋን ሓዳሮም ክትሰርሖ ዝጸንሐት ናይ ገዛ ስራሕቲ 50 ሽሕ የን ክኸፍላን ወርሓዊ ክልተ ሽሕ የን ክኸፍልን ኣዚዙዎ ኣሎ።

ዳኛ እቲ ቤት ፍርዲ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እዞም ሰብ ሓዳር ብምፍትሖም ናይ ገዛ ንብረት ማዕረ ክካፈሉ'ዮም፤ "እንተኾነ እቲ ዘይድህሰስ ናይ ገዛ ስራሕ ልዕሊ ኣቕሓ'ዩ" ኢሉ።

እዚ ውሳነ ድሕሪ እቲ ቻይና ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዘጽደቐቶ ሓድሽ ሕጊ ፍተሐ - ብሄር ዝመጽአ ኮይኑ፡ ብመሰርተ እዚ ሕጊ ዝኾነ መጻምዲ ኣብ እዋን ሓዳር ቖልዓ ብምዕባይ፣ ኣረጋውያንን ካልኦት ኣባላት ስድራን ብምሕብሓብ ዚያዳ ሓላፍነት የበርክት እንተይሩ ኣብ እዋን ፍትሕ ካሕሳ ክሓትት ይኽእል።

ከም ጸብጻብ ትካል ልምዓትን ቁጠባዊ ምትሕብባርብ ደቂ ኣንስትዮ ቻይና መዓልታዊ ኣብ ዘይተኽፍሎ ዕዮ ኣስታት ኣርባዕተ ሰዓት የሕልፋ። እዚ ልዕሊ ክልተ ዕጽፊ ወዲ ተባዕታይ ምዃኑ እቲ ትካል ይገልጽ።

እዚ ከኣ ልዕሊ እቲ ትካል ዘቐምጦ ማእከላይ ዓቐን ሰዓት ዘይተኸፍሎ ዕዮ እዩ።