ጥዕና ስነልቦና፡ መሓዙትና ኣብ ጥዕናና ኣሉታዊ ሳዕቤናት ኣለዎም'ዶ?

Published

መሓዙትካ ኣብ ጥዕናኻ ዓቢ ተራ ኣለዎም። ካብቶም ብኣሉታ ዝጸልዉኻ መሓዙትካ፡ ሕማቕ ባህርያት - ከም ምትካኻ ሽጋራን መስተን- ክትወርስ ትኽእል። ኣብ ዝተናውሐ እዋን ከኣ ግዳይ ናይቶም ቀተልቲ ዝኾኑ ሕማማት፡ ከም ሕማም ልቢ፣ መንሽሮን ወቕዒ፣ ኩሊት፣ ሳምቡእን ዝኣመሰሉን ተማዕብል።

ካብቶም ብኣወንታ ዝጸለዉኻ ድማ ኩሉ ንሂወትካን ጥዕናኻን ዝጠቅም ነገራት፡ ከም ኣካላዊ ምውስዋስ፣ ዝተመጣጠነ መግቢ ምምጋብን ካልእን ብምቕዳሕ ጥዕንኡ ዝተማልአ ሰብ ትኸውን።

ብዙሓት ሰባት ኣብ መጀመርታ ናይ ሓድሽ ዓመት ካብ ኩሉ ንጥዕንኦም ጎዳኢ ዝኾኑ ነገራት ማለት ከም ምትካኽ ሽጋራን ምስታይ ኣልኮላዊ መስተን ደው ከብሉን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ከዘውትሩን ይውስኑ።

ኩሎም ንጥዕናና ዝሃስዩ ባህርያት - ከም ምትካኽ ሽጋራን ዝኣመሰሉን ባህርያት - ካብቶም ንቐርቦምን ነድንቖምን መሓዙትና፣ መዛኑናን ኣዝማድናን ኢና ንቐድሖም።

እዚ ተርእዮ'ዚ ዋላ'ኳ ከም በዓል ሕማም ልቢ፣ ወቕዒ [ስትሮክ]ን መንሽሮን [ካንሰር]ን ዘይላገብ እንተኾነ፡ ከም ተላባዒ ሕማም ካብ ሓደ ሰብ ናብ ካልእ ዝመሓላለፍ ዓይነት ሕማም ኢዩ።

መሓዙትካ ከሳዕ ክትከውን ኣርክቶ ኣለዎም'ዶ?

ኣብ 1940ታት ኣብ ፍራሚንግሃም፡ ማሳቺዩሴትስ [ኣሜሪካ] ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ሓደ ሰብ ኣብቲ ዝነብርሉ ከባቢ ከሳዓት እንተድኣ ኣሊዮም ንሱ'ውን ናይ ምኽሳዕ ተኽእሎታት ከምዘለዎ የመልክት።

እቲ መጽናዕቲ፡ እንተድኣ ዓርኩ ከሳዕ ኮይኑ እቲ ሰብ 57% ከሳዕ ናይ ምዃን ዕድላት ክህልዎ ከሎ፤ የሕዋቱ ድማ ከሳዓት እንተድኣ ኮይኖም 40% ናይ ምኽሳዕ ዕድላት ኣለዎ።

በዓልቲ ቤቱ ወይ ድማ በዓል ቤታ ከሳዕ እንተድኣ ኮይኖም ድማ 37% ከሳዕ ናይ ምዃን ተኻሎታት ከምዘሎ እቲ መጽናዕቲ የመልክት።

እንተድኣ እቶም ክልተ ሰባት ካብ ሓደ ጾታ ኮይኖም ድማ እቲ ተርእዮ ዝያዳ ጎሊሑ ይርአ። ብፍላይ እቲ ሰብ ብዛዕባ ርጉዲ'ቲ ካልእ ሰብ ብዙሕ ዝሓስብ እንተድኣ ኮይኑ።

እቲ ኣብ ፍራሚንግሃም ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ ሓደ ሰብ በቲ ጥቡቕ ዝምድና ዘይብሉ ግና'ኸ መዓልታዊ ዝርእዮ ኣዝዩ ሮጒድ ጎረቤቱ ኣይጽሎን ኢዩ ይብል።

እቲ ምኽንያት ድማ፡ እቲ ሰብ ምስቲ ጎረቤቱ ዘለዎ ቅርበት ዓቢ ስለዘይኮነን ብርጉዲ ናይ ጎረቤቱ ስለዘይሻቐልን ኢዩ ዘይሮጉድ።

ስለዚ ዋላ ኣብ መንጎ ክልተ መሓዙት'ውን እቲ ፍቕሮም ዘይመጣጠን እንተድኣኮይኑ፡ እቲ ዝያዳ ፍቕርን ሓልዮትን ኣብ ዓርኩ ዘርእይን በቲ ናይቲ ከሳዕ ዓርኩ ርጉዲ ዝሓስብን ናይ ክብደት ምውሳኽ ከርኢ ከሎ፡ እቲ በቲ ዕርክነት ብዙሕ ዘይግደስ ግና ዝኾነ ናይ ክብደት ምውሳኽ ኣየርእን።

ኣብዚ እዋን ዝርኣዩ ዘለዉ መጠን ፍትሕ ሓዳር፣ ምትካኽ ሽጋራን ምስታይ ኣልኮላዊ መስተን ካብ መሓዙትን ኣዝማድን ዝመሓላለፉ ባህርያት ኢዮም።

ዋላ'ኳ ምስ ምሽምጋል ብዝተሓሓዝ ንገለ ሕማማት ዝተቓላዕና እንተኾና፡ እቲ ንዝተፈላለዩ ዘይተላባዕቲ ሕማማት - ከም ሕማም ልቢ፣ ወቕዕን መንሽሮን - ከነማዕብል ዝገብረና ግና እቲ ዘማዕበልናዮ ባህርያት፡ ማለት ከም ምትካኽ ሽጋራ፣ ዘይተመጣጠነ መግቢ ምብላዕን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘይምግባርን ኢዩ።

እዞም ዘይተላገብቲ ሕማማት - ከም ሕማም ልቢ፣ ወቕዒ፣ መንሽሮ፣ ሕማም ሽኮርያን ሳምቡእን ብዓለም ደረጃ ካብ 10 ሰባት ሸውዓተ በዞም ሕማማት ክሞቱ ከለው፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ድማ ዳርጋ 90 ሚኢታዊት ናይቲ ኣብቲ ሃገር ዝርአ ሞት ብሰንኪ'ዞም ሕማማት ከምዝኾነ ይፍለጥ።

ብስምዒታት ምጽላው

ማሕበራዊ ህይወት'ውን ንባህሪያትናን ስምዒታትናን ክጸልዎ ይኽእል።

እቲ ዘገርም፡ ምትካኽ ሽጋራ ኣብ መንእሰያት ምስ ምጥራይ ህቡብነት ይኽሰት። ህቡባት ኣባጽሕ ሽጋራ ከትክኹ ምስዝጅምሩ እቲ ቁጽሪ ናይ መዛንኦም ክውስኽ ከሎ፡ እንተድኣ ምትካኽ ደው ኣቢሎም ድማ እቲ ቑጽሪ ይንኪ።

ዋላ'ውን ምስ ጭንቀት ምትእስሳር ኣይሃልዎ፡ ኣብ ዝተናውሐ እዋን ግና እዚ መንፈስ'ዚ ናብ ጭንቀት ክምዕብል ተኽእሎታት ኣሎ።

ማሕበራዊ ሻቕሎት

ካብ የዕሩኽትናን ኣዝማድናን ዝተፈላለዩ ባህርያት ንቐድሕ ኮይና፡ ከመይ ጌርና ኢና ድኣ ጽቡቕ ባህርያት ነማዕብል?

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥሪ፡ ሰባት ኣልኮላዊ መስተ ምስታይ ደው ከብሉን ብብዝሒ ኣሕምልቲ ክምገቡን ይተባብዑ። እዚ ብጉጅለ ዝግበር ፈተነ ድማ ጥዕንኦም ንምሕላው ዝዓለመ ኢዩ።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ሰባት ብእኩብ ምትካኽ ሽጋራ ደው ከብሉ ዝጉስጎሰሉ ወርሒ ኢዩ።

እዚ ባህርያት ሰባት ንምቕያር ኣብ 2012 ዝተጀመረ ሰናይ ተበግሶ ኣዝዩ ዕውት ነይሩ። ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት ነቲ ዘማዕበልዎ ባህርያት ደው ኣቢሎም'ዮም።

እዚ ብእኩብ ዝካየድ ተበግሶ ድማ ካብቲ ብውልቀሰባት ዝካየድ ተበግሶ ዝያዳ ኣድማዕን ውጽኢታውን ኢዩ።