ሓላፊ ማእከላይ ባንክ ኤውሮጳ ነበር ማርዮ ድራጊ ሓድሽ ልፍንታዊ መንግስቲ ጥልያን ክምስርት ተሓቲቱ

Published

ፕረዚደንት ኢጣልያ፡ እቲ ኣቐዲሙ ዝጸንሐ ልፍንታዊ መንግስቲ ድሕሪ ምውዳቑ፡ ንሓላፊ ማእከላይ ባንክ ኤውሮጳ ነበር ማርዮ ድራጊ ሓድሽ መንግስቲ ክምስርት ሓቲቱዎ።

ፕረዚደንት ሰርጂዮ ማታረላ፡ ኢጣልያ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ርእያቶ ዘይትፈልጥ ኣጋጢሙዋ ዘሎ ቊጠባዊ ቅልውላው ብብቕዓት ዝገጥም "ሓያል ግብራዊ መንግስቲ" ከም ዘድልያ ገሊጹ።

ፖለቲከኛታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስተር ጁሰፐ ኮንተ ካብ ስልጣኑ ምስ ተኣልየ ልፍንታዊ መንግስቲ ኣብ ምቛም ኣይተሰማምዑን።

ሚስተር ድራጊ፡ ሕጂ መራሕቲ ዝተፈላለየ ሰልፍታት ዝድግፍዎ ምምሕዳር ከቕውም እዩ ተሓቲቱ ዘሎ።

ብረቡዕ፡ ፕረዚደንት ኢጣልያ ማታሬላ፡ ንሚስተር ድሬጊ ናብቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ ታሪኻዊ ቤተ-መንግስቲ ኲሪናለ ጸዊዑ መዝነት ምስ ሃቦ፡ ድራጊ ነቲ ኣብ ባይቶ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገማት ከረጋግእን ክፈትሕን ተስፋ እገብር ኢሉ።

ድራጊ እንታይ እዩ ኢሉ?

ሚስተር ድራጊ፡ ነቲ ከቢድ ብድሆ ዘለዎ መዝነት ምስተቐበለ፡ ኢጣልያ ኣብ ጽንኩር እዋን እያ ዘላ። ስለዚ ሃገራዊ ብድሆታትና ንምፍታሕ ሐድነትና ኣገዳሲ እዩ ኢሉ።

"ምስ ፓርላመንትን ካልኦት መሻርኽትን ተራኺብና ሓድነታውን ሓላፍነታዊ ን ዝርርብ ከነካይድን መፍትሒ ክንረክብን ከምእንኽእል ርግጸኛ እየ" ክብል ሓጺር መግለጺ ሂቡ።

ፖሎቲካዊ ሰልፍታት፡ ኢጣልያ ነቲ ብሕብረት ኣውሮጳ ዳርጋ 90,000 ኢጣልያውያን ንዝቐዘፈ ለበዳ ኮቪድን ብሳዕቤኑ ንዘጋጠመ ለበዳን ንምሕዋይ ዝወሃብ ዘሎ ናይ $267 ቢልዮን ዶላር ደገፍ ብኸመይ ከምዝጥቀምሉን ኣብ ምንታይ ከምዘውዕሉዎን ኣይተሰማምዑን።

ይኹን ምበር፡ እቲ ካብ 2018 ኣትሒዙ ኣብ መንግስትነት ዝጸንሐ ቺንኬ እስቴለ( ሓሙሽተ ኮኸብ) ዝስመ ሰልፊ ሚስተር ድራጊ ኣብ ዘቑሞ መንግስቲ ጨሪሱ ከምዘይኣቱ ክገልጽ ጸኒሑ ኣሎ።

ማርዮ ድራጊ መን እዩ ?

ማርዮ ድራጊ ሓድ ሓደ ግዜ፡ በቲ ኒንቴንዶ ኣብ ዝተባህለ ናይ ቖልዑ ቪድዮ ገይም ዘሎ ገጸ ባህሪ "ሱፐር ማርዮ" ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ። ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ፋይናንስያዊ ቅልውላው ኤውሮጳ ሓላፊ ማእከላይ ባንክ ኤውሮጳ ብምዃን ነቲ ትካል ንሸሞንተ ዓመት ዝመርሖ ክኢላ እዩ።

ሓደ ሓደ ተንተንቲ ቁጠባን ወሃብቲ ርእይቶን፡ ሚስተር ድራጊ፡ ንባጤራ ዩሮን ንዩሮፖ ዞንን ብምድሓኑ የኽብሩዎ እዮም።

ሚስተር ድራጊ፡ ኣብ ሕዳር 2011 ስልጣን እቲ ማእከላይ ባንክ ኤውሮጳ ክርከብ እንከሎ ኤውሮጳ፡ ምናልባት እውን ከም ሕብረት ክትበታተን ትኽእል እያ ኣብ ዘብል ከቢድ ፋይናንሳዊ ቅልውላው እያ ነይራ።

እንተኸነ ሚስተር ድሬጊ ንባጤራ ኤውሮ ንምዕቃብ ዘድሊ ጻዕሪ ክገብር ምዃኑ ብምምብጻዕ፡ እቲ ሕብረት ንመጠነ ሰፊሕ ዕዳ ትካላት ከውሕስ "ህጹጽ ስጕምቲ" ክውሰድ፡ መንግስታት ከም ሓደ ኣካል ነቲ ዝወረደ ዕዳ ክስከሙዎ ሓላፍነቶም ክስከሙ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ኣብ ፈለማ ካብ መንግስቲ ጀርመን ተቓውሞ እኳ እንተኣጋጠሞ ዳሕራይ ግን ተቐባልነት ረኺቡ። ከም ውጽኢቱ ከኣ እቲ ክርመስ ይኽእል እዩ ዝተባህለ ቁጠባ ድሒኑን ዓብዩን - ሕብረት ኤውሮጳ እውን ካብ ሓደጋ ምብትታን ድሒኑ።

ድራጊ፡ ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ሕጂ ንጥልያን ኣጋጢሙዋ ዘሎ ብድሆታት፡ "ነቲ ለበዳ ንምግታእ ፡ ወፍሪ ክታበት ምምላእ፡ ንመዓልታዊ ብድሆታት መልሲ ምሃብን ነታ ሃገር ናብ ንቡር ምምላስን" እዩ ክብል ተዛሪቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ነበር ማትዮ ረንዚ፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "ማርዮ ድራጊ፡ ንኤውሮጳ ዘድሓነ ኢጣልያዊ እዩ። ሕጂ ድማ ንኢጣልያ ከድሕን ዝኽእል ኤውሮጳዊ ይመስለኒ" ኢሉ።

ስለምንታይ'ከ መንግስቲ ኢጣልያ ፈሪሱ ?

ከም ሚስተር ድራጊ ኢጣልያዊ ቴክኖክራት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ጁሰፐ ኮንተ፡ መንግስታዊ ዕዮ ንምስላጥ ዝሕግዞ እኹል ድምጺ ላዕለዋይ ባይቶ ሰኔት ብዘይምርካቡ፡ ሓድሽ ጥምረት ክምስርት ስለዘይከኣለ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብፍቓዱ ተሰናቢቱ።

ሚስተር ኮንተ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ መላፍንቱ ዝነበረ ሰልፊ ካብ መንግስትነት ክሳብ ዝስሕብ ክልተ ናይ ስሙር ግንባር መንግስታት መሪሑ እዩ።

ቀዳማይ ምኒስተር ነበር ማቲዮ ረንዚ፡ ኣብ ኣጠቓቕማ ናይ ደገፍ ገንዘብ ሕብረት ኤውሮጳ ምስ ኮንተ ስለዘይተሰማምዐ እታ ንእሽቶ ሰልፉ ኢታልያ ቪቫ ካብ ማእከላዊ መንግስቲ እታ ሃገር ስሒባ።

ብድሕሪኡ ከኣ እዩ እቲ ናይ ፖለቲካ ዕግርግር ተፈጢሩ። ሚስተር ኮንተ ኣብ ኣጠቓቕማ እቲ ንቅልውላው ኮሮና ቫይረስ ንምግጣም ተባሂሉ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝተዋህበ ገንዘብ እቲ ሰልፉ እትጠልቦ ነገር እንተዘይተኻቲቱ ጥራሕ ናብቲ ልፍንቲ ከምዝምለስ ሓቢሩ።

ድሕሪኡ፡ ሚስተር ኮንተ ኣብቲ ታሕተዋይ ቤት፡ ማለት፡ ኣብ ታሕተዋይ ቤት ምኽሪ ናይ " ድምጺ ምትእምማን" ተዓዊቱ። ብድምጺ ሰነት ኣቢሉ ከኣ ውሳኔኡ አሕሊፉ። ናቲ ካብ ስልጣን ምእላይ ከኣ ዝሓየለ ልፍንቲ ንክፍጠር ዘለዎ ተስፋ ይገልጽ።

ንሱ ኣቐዲሙ ካብ 2018 ጀሚሩ ንክልተ ኣዝየን እተፈላለያ መንግስትታት መሪሑ ነይሩ። ክሳብ መራሒኡ ማትዮ ሳልቪኒ ምርጫ ክግበር ሓቲቱ ምቕናዕ ኣብዩዎ ዝወጽእ ን15 ኣዋርሕ ንM5S ንየማናዊ ሰልፍን ብስኒት መሪሑ እዩ። ብድሕሪኡ ሚስተር ኮንተ፡ ንልፍንቲ ኣርባዕተ ሰልፍታት ብኤም55 ንዝተዓብለለ ልፍንቲ የማንን ጸጋምን ሰልፍታት ደሞክራስያዊ ሰልፊ ከምኡ እውን ጥምረት ማእከል-ጸጋም መሪሑ።

ሚስተር ረንዚ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኢጣልያ ሓድሽ መገድን ማእዝንን እትረኽበሉ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ከም ዘሎ ገሊጹ። "ኣብ ኣጸጋሚ እዋን ንመጻኢ ዝጠቅም ወፍሪ ኢንቨስትመንት ንምግባር ናይ ግድን ለውጢ የድሊ እዩ። ሎሚ ስትራተጂና ክንቅይስ እንተዘይኪኢልና ንኢጣልያ ኣብ ሓደጋ ከነውድቓ ንኽእል ኢና" ኢሉ።