እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጋንታ ኩዕሶ ኢድ መቐለ 70 እንደርታ ኣብ ግብጺ ኣብ ዝካየድ ሻምፒዮና ኣፍሪቃ ክትሳተፍ'ያ
ኣብ ግብጺ ዝካየድ መበል 42 ሻምፒዮና ኩዕሶ ኢድ ('ሃንድቦል') ጋንታታት ኣፍሪቃ ንኢትዮጵያ እትውክል ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ ምድላው ትገብር ከምዘላ ኣሰልጣኒ ኣማኑኤል ስዩም ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"ግጥማት ፕሪምየርሊግ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ቅድሚ ምቁራጹ፡ ጋንታና መቐለ 70 እንደርታ ብዝለዓለ ነጥቢ ትመርሕ ነይራ" ዝበለ ኣሰልጣኒ ኣማኑኤል፤ በዚ ድማ ኣብቲ ሻምፒዮና ናይ ምስታፍ ዕድል ከምዝረኸበት ሓቢሩ።
"ኣብ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ሊጋት ቀዳማይን ካልኣይን ዝወጽኣ ጋንታት እየን ኣብቲ ውድድር [ሻምፒዮና ጋንታታት ኣፍሪቃ] ዝሳተፋ። ንሕና ድማ ነቲ ሊግ ብቐዳምነት እናመራሕና ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ስለዝተቛረጸ ቀዳማይን ካልኣይን ዝነበርና ክንሳተፍ ብፌደሬሽን ኪዕሶ ኢድ ኢትዮጵያ ጻውዒት ቀሪቡልና። ነቲ ጸውዒት ተቐቢልና ድማ ምድላው ጀሚርና" ኢሉ።
ክሳብ ሕዚ መቐለ 70 እንደርታ ጥራይ ኣብቲ ሻምፒዮና ከምእትሳተፍ'ዩ ተፈሊጡ ዘሎ።
ከመይ ትዳሎ ኣላ?
ኣብ ፕሪምየርሊግ ኩዕሶ ኢድ ኢትዮጵያ ክሳተፋ ዝጸንሓ ጋንታት፡ ብሰንኪ እቲ ለበዳ ግጥማት ምስተቛረጸ፡ ስሩዕ ልምምድን ግጥማትን ኣይገብራን ዘለዋ።
መቐለ 70 እንደርታ እውን ተጻወትታ ኣብ ዕረፍቲ ዝጸንሑ ኮይኖም፤ ቅድሚ 10 መዓልታት ኣቢሉ ግን፡ ተኣኻኺቦም ልምምድ ጀሚሮም ኣለዉ።
"ተጻወትቲ ኣብ ሓደ ተኣኻኺቦም ልምምድ'ኳ እንተዘይገበሩ ምሉእ ክረምቲ ግን በብዘለዉሉ ኮይኖም ክሰርሑ ጸኒሖም እዮም። ብደረጃ ጋንታ ተኣኻኪብና ካብ እንጅምር ድማ ሰሙን ሓሊፉና'ሎ" ዝብል ኣሰልጣኒ ኣማኑኤል፡ ግጥማት ሻምፒዮና ብምኽንያት ኮቪድ-19 ክናዋሕ ከምዝኽእል ብምግማት ክሳብ ሎሚ ንልምምድ ከይተኣኻኸቡ ንኽጸንሑ ምኽንያት ከምዝኾነ ኣረዲኡ።
ቅድሚ 4 ዓመታት ኣቢላ ዝተጣየሸት እታ ጋንታ ኩዕሶ ኢድ፡ ኣብ ሻምፒዮና ጋንታታት ኣፍሪቃ ክትሳተፍ ሎሚ ንፈለምኣ እዩ።
እዚ ብምዃኑ ከኣ፡ ፍልይ ዝበለን ጽንኩርን ልምምድ ከምዘድልያ እቲ ኣሰልጣኒ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"ኣብዚ ግጥም እተን ዝበለጸ ዓቕሚ ዘለወን ጋንታታት ኣብ ግብጺ እየን ዝርከባ። ኣብ ከም ማሊን ኮንጎን እውን ውጽኢታውያን ጋንታታት ኣለዋ። ስለዚ እዘን ጋንታታት ዘለወን ዓቕሚ ንምርኣይ ብቪድዮ ይኹን ብዝተፈላለዩ መገዲታት ዝገበርኦም ጸዋታታት ንከታተል ኢና። ብተወሳኺ'ውን ቅድም ክብል ዝተካየዱ ውድድራት ሻምፒዮና ኣፍሪቃ እናረኣና ነዚ ክረምቲ ኣሕሊፍናዮ" ኢሉ።
ጋንታ ኩዕሶ ኢድ መቐለ ሰብዓ እንደርታ፡ ንሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ዝጻወቱ ብዙሓት ተጻወትቲ ዘምረጸትሎም ኣጋጣሚታት ስለዝነበሩ ድማ፡ እዚ'ውን ብውሱን መልክዑ ዓቕሚ ዘጠናኽር ዕድል ከምዝኾነ ኣሰልጣኒ ኣማኑኤል ይዛረብ።
ተጻዋቲ እታ ጋንታ ዝኾነ ዳንኤል ዘለቀ ብወገኑ፡ ጋንትኦም ካብ እትጣየሽ ገና ኣርባዕተ ዓመት ጥራይ ከምዘቑጸረትን ናብ ፕሪምየርሊግ ኢትዮጵያ ምስታፍ ካብ እትጅምር ሰለስተ ዓመት ከምዝኾነን ኣዘኻኺሩ።
ስለዚ ጋንትኦም ንኢትዮጵያ ብምውካል ኣብቲ ኣህጉራዊ ሻምፒዮና ክትሳተፍ ምኽኣላ ከም ዓብዪ ዕድል ይቖጽሮ።
"ኣብዚ ሕዚ እዋን ተጻወትቲ ንግጥማት ፕሪምየርሊግ ኢትዮጵያ ካብ ዝገብርዎ ልምምድ ብዝበለጸን፡ ሓቦ ብዝተመልኦን ኩነታት ይዳለዉ ኣለዉ" ክብል ተዛሪቡ።
ዳንኤል ከምዝብሎ፡ እቲ ኣብ ግብጺ ንዝካየድ ሻምፒዮን ምኽንያት ብምግባር ዝካየድ ዘሎ ጽዕቕ ዝበለ ልምምድ፡ ካልኦት ጋንታታት ኩዕሶ ኢድ እታ ሃገር ኣብ ዕረፍቲ ኣብ ዝርከባሉ እዋን ዝካየድ ዘሎ ብምዃኑ ንናይ ውሽጢ ዓዲ ግጥማት እውን ዝሓሸ ዓቕሚ ሒዝካ ንምቕራብ ዕድል ዝፈጥረሎም ከምዝኸውን ይኣምን።
"ኩሉ ተጻዋቲ ኣብ ገዝኡ ኮይኑ ኣየዕረፈን። ልምምድ ክገብር ጸኒሑ እዩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ብሓባር ልምምድ ክንገብር ጀሚርናለና" ኢሉ።
እንታይ ውጽኢት ይጽበዩ?
ኣሰልጣኒ ኣማኑኤል ከምዝብሎ፡ ተጻወትቲ ጋንታ ኩዕሶ ኢድ መቐለ 70 እንደርታ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝካየዱ ግጥማት ብሉጽ ብቕዓት ከርእዩ ጸኒሖም'ዮም። ኩሎም ድማ መናእሰይ ብምዃኖም ኣብ ዝሓሸ ዓቕምን ብቕዓትን ከምዝርከቡ ገሊጹ።
"ኣብ ልምምድ ዘሎ ኣጀማምራና ጽቡቕ እዩ ዝመስል። እቲ ውድድር ግን ከም ጋንታ ገና ንፈለማ እዋን ካብ ሃገር ወጻኢ ምስ ናይ ደገ ጋንታታት እንራኸበሉ ከም ምዃኑ መጠን ዝለዓለ ውጽኢት ንምምጻእ ፈታኒ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ኢሉ።
ኣብ ግጥማት ሻምፒዮና ኩዕሶ ኢድ ኣፍሪቃ ንኢትዮጵያ ብምውካል ዝተሳተፋ ጋንታታት ነይረን እየን። ጋንታታት መከላከያ፣ ፌደራል ማረሚያን ቂርቆስ ክፍለከተማን ብኣብነት ይጥቀሳ። እንተኾነ ገሊኤን ጽቡቕ እንተተጻወታ'ኳ ገሊኤን ድማ ብኣጋ ካብ ውድድር ተፋንየን እየን።
"እተን ጋንታታት ተሳትፎ ገይረን እየን ተመሊሰን። ብኣጋ ካብቲ ውድድር ዝተሰነያ'ውን ነይረን። ስለዚ ናትና ሓሳብ ንሳተን ካብ ዘርኣይኦ ብቕዓት ብዝሓሸ ንምጽዋት ኢና ክንዳሎ። ትጽቢትና'ውን ዝነኣድ ጸዋታ ምጽዋት እዩ።" ክብል ኣረዲኡ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ተጻወትቲ ዘሕጉስ ስምዒትን ሞራልን ተፈጢሩ ከምዘሎ ዝዛረብ ተጻዋቲ ዳንኤል ድማ "ከምዚ ዝበለ ኣጋጣሚ ክርከብ ምኽኣሉ ዓብዪ ዕድል እዩ። ኣብ ኣሃጉራዊ ውድድር ክትሳተፍ ከለኻ ተስፋ እዩ ዝፈጥረልካ። ምናልባት እውን ንናይ ደገ ጋንታታት ንኽትጻወት ዕድል ክፈጥር ይኽእል'ዩ" ክብል ሓቢሩ።
እቲ ኣብዚ ዓመት ክካየድ ትጽቢት ዝግበረሉ ጸዋታ፡ ብሰንኪ ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝተናውሐ ኮይኑ፤ ጋንታታት መዓልቲ ተወሲኑ ጻውዒት ክሳብ ዝበጽሐን ምድላው ክገብራ ተሓቢርወን ኣብ ትጽቢት ይርከባ።