ኣብ ኤርትራ፡ ቊጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት 191 በጺሑ

Published
ንባብ: 1 ደቓይቕ

ኣብ ኤርትራ፡ ሎሚ ኣብ ዞባ ጋሽባርካ ከባቢ ኣዲባራ ኣብ ዝርከቡ መወሸቢ ማእከላት ብዝተገብረ መርመራ፡ 24 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም ከምዝተረኽቡ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ገሊጹ።

በዚ መሰረት ኣብ ኤርትራ፡ ዛጊት 191 ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተታሒዞም ኣለው።

ካብዚኦም እቶም 53 ብዝተገብረሎም ሕክምናዊ ክንክን ሓዊዮም ከምዝተፋነው እቲ መግለጺ ጠቒሱ።

ካልኦት 138 ሰባት ድማ ኣብ ሆስፒታል ተዓቝቦም ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሎም ከምዘሎ ተገሊጹ።

ክሳብ ሕጂ ኤርትራ፡ ኣብ መዓልቲ ክንደይ ሰባት ከምእትምርመር ብወግዒ ኣየፍለጠትን ዘላ።

ዋሕዚ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝኣትዉ ዜጋታት ኤርትራ ይቕጽል ከም ዘሎ'ዉን እቲ ሓበሬታ የረድእ።

ኤርትራ፡ ካብ 2 ሚያዝያ ጀሚራ ብወግዒ ኣብ ዕጽዋ ትርከብ። ብሰንኪ'ዚ ኣብታ ሃገር ቁጠባውን ማሕበራውን ጸገማት የጋጥም ከም ዘሎ ምንጭትታት ይሕብሩ።