ኣብ ቤተ-መንግስቲ ኣሜሪካ ን11 ፕረዚደንትታት ኣሳሳዪ ኮይኑ ዘገልገለ ብኮሮናቫይረስ ዓሪፉ

Published

ኣብ ዋይት ሃውስ፡ ን11 ፕረዚደንታት ኣሜሪካ ኣሳሳዪ ኮይኑ ዘገልገለ ሰብኣይ ብኮሮናቫይረስ ሞይቱ።

ወዲ 91 ዓመት ዊልሰን ሩዝቨልት ጀርማን፡ ካብ ጊዜ ፕረዚደንት ኣይዘንሃወር ጀሚሩ፡ ንዝሓለፉ 50 ዓመታት ኣገልጊሉ እዩ።

ናይ ጽርየት ሰራሕተኛ ኮይኑ ስራሕ ዝጀመረ ሬዝቨልት ጀርማን፡ ቀዳመይቲ እመቤት ዝነበረት ጃኪ ኬኔዲ ኣሳሰዪ ኮይኑ ከገልግል መዚዛቶ።

ኣብ ዋይት ሃውስ ንመወዳእታ ግዜ ዘገልግሎ ፕረዚደንት ድማ ባራክ ኦባማ ኮይኑ፡ ሓላፊ ኣሳሰይቲ ኮይኑ ነይሩ።

"ንዝኾነ ሰብ ከገልግል ቁሩብ ነይሩ። ንሰባት ዝነበሮ ፍቕሪ ዓሙቕ ነይሩ። ንዝፈትዋ ሃገሩ ከገልግል ዝነበሮ ድልየት'ውን ደረት የብሉን" ክትብል በዓልቲ ቤት ባራክ ኦባማ ሚሸል ተዛሪባ።