እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
"ኣብ መስርሕ ፍርዲ ምፍርራሕ ይበጽሓኒ ነይሩ" ጠበቓ በረኸትን ኣይተ ታደሰን
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ኣምሓራ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ንዝነበሩ ኣቶ በረኸት ስምኦንን ኣቶ ታደሰ ካሳን፡ በቲ ዝተኸሰስሉ ናይ ብልሽውና ጉዳያት ካብ ሹዱሽተ ክሳብ ሾመንተ ዓመት ክእሰሩ በይኑ'ዩ።
እቲ ቤት-ፍርዲ፡ ኣቶ በረከት ስምኦን ንሽድሽተ ዓመት፡ ኣቶ ታደሰ ካሳ ድማ ንሸሞንተ ዓመት ክእሰሩ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ'ሎ።
ኣቶ በረኸትን ኣቶ ታደሰን፡ ኣብ 'ጥረት' ዝተባህለ ትካል ዝውንኖም ኩባንያታት ናይቲ ክልል፡ ምጥፍፋእ ፈጺሞም ዝብል ኣርባዕተ ክስታት'ዩ ቀሪቡሎም ንዝሓለፉ 15 ኣዋርሕ ተኣሲሮም ፀኒሖም።
በዓልቲ ቤት ኣቶ በረከት ወይዘሮ ኣሲ ፈንቴ፤ እቲ ውሳነ ዝግበኦም ኣይኮነን ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።
"ነቲ ሓቅን ነዓኣቶምን ንዝፈልጥ እዚ ፍርዲ ዘይግቡእን ዘሕዝንን'ዩ። መስርሕ እቲ ፍርዲ ብዙሕ ማሕለኻታት ዝነበሮ፤ ጠበቓ ክሳብ ምኽልካል ኣብ ዝተበጽሓሉ፡ ሕጊ ዘኽብር ኣብ ዘይነበረሉ ኩነታት፤ ኣብ ቤት ፍርዲ ብዙሕ ዓውዓውታ እናተሰምዐ፤ ዝተፈላለዩ ምፍርራሕ እናበጽሐና ኣብ ስግኣት ኮይንና ዝተፈጸመ እዩ። በዓል በረኸት ክኣትዉን ክወጽኡን እናተጸረፉ እቲ መስርሕ ዝቐጸለሉ ኩነታት ክዝክር ከለኹ ከምዚ ዝበለ ፍርዲ ክፍረድ ከሎ ዝገርም ኣይኮነን" ኢላ።
ወይዘሮ ኣሲ፡ ንሳን ስድርኣን ብምኽንያት ስግኣት ኮሮናቫይረስ ንልዕሊ ሓደ ወርሒ ምስ ኣይተ በረኸት ተራኺቦም ከምዘይፈልጡ ሓቢራ።
ቢቢሲ ዘዘራረባ ጠበቓ ኣቶ በረኸት ስምኦንን ታደሰ ካሳን፡ ህይወት ሊላይ፡ ነቲ ዝነበረ መስርሕ ፍርዲ ፈታኒ ክትብል ገሊጻቶ።
"እዚ ጉዳይ ክጅመር ከሎ ማለት ኣነ ከይሓዝክዎ ከለኹ ጠበቓታት ክኾንዎም ዝኸዱ ሰባት ከምዝተመለሱ ካብ መራኸቢ ብዙሃንን ካልኦት ዓማዊለይን ሰሚዐ እየ። ኣነ'ውን ጠበቕኦም ምስኮንኩ ዝተፈላለዩ ናይ ጽሑፍ መልእኽትታት ይበጽሑኒ ነይሮም" ኢላ።
እቲ ጉዳይ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ምስቀረበ ግን ምምሕያሽ ተራእዩ ድማ ትብል።
"ጸርፍን ካልእን እናነከየ መጺኡ። ነዓይ'ውን በቲ ቤት ፍርዲ ሓለውቲ ተመዲቦምለይ'ዮም። እዚ ጉዳይ ምስ ካልኦት ጉዳያት ክነጻጸር ከሎ ጽዕንቶ ዝፈጥር ከምዝነበረ ክግንዘብ ክኢለ እየ" ኢላ።
መረዳእታታትን መሰኻኽርን ብግቡእ ንምቕራብ ከምኡ'ውን ንስድራ ተኸሰስቲ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ መስርሕ ፍርዲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እንተዝኸውን ዝሓሸ ፍርዲ ምተረኸበ ነይሩ እትብል እታ ጠበቓ፡ ኣብቲ ዝተወሃበ ውሳነ ጥፍኣተኝነትን ቕጽዓትን ይግባይ ከምዝሓቱ ተዛሪባ።
"መከላኸሊ መረዳእታ ኣቕሪብና ብግቡእ ተኸላኺልና ኢና ኢልና ስለንኣምን ኣብ ጉዳይ ኣይተ በረከትን ኣይተ ታደሰን ይግባይ ክንሓትት ኢና። እቲ ይግባይ ውድቂ ክኸውን'ዩ ዝብል እምነት የብልናን" ክትብል እታ ጠበቓ ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ኣብ ይግባይ፡ ቅጽዓቶም ክመሓየሽ ጥራይ ዘይኮነስ "ነጻ ብዝብል ከፋንወና'ዩ ኢልና ኢና ንሓስብ" ኢላ።
እቲ ዝተወሰነ ቕጽዓት ብይግባይ ክቕየር እንተዘይተኻኢሉ ድማ፡ ክልቲኦም ናብ ኣዲስ ኣበባ ተዛዊሮም ፍርዶም ክፍጸም ክንሓትት ኢና ኢላ ጠበቕኦም ህይወት ሊላይ።
ክልቲኦም ተኸስሰቲ ይግባይ ናይ ምባል መሰል ከምዘለዎም ዝገለፀ ቤት ፍርዲ፡ እቲ ብይን ኣብ ቀይዲ ካብ ዝወዓልሉ ግዘ ጀሚሩ ዝጽብጸብ ምዃኑ ገሊጹ እዩ።