ብሪጣንያ፡ ኣብ ዕጽውቲ መኪና ሞይቶም ዝጸንሑ 39 ግዳያት ቻይናውያን ምዃኖም ተረጋጊጹ

Published

እቶም ኣብ ረቡዕ ዘውግሕ ለይቲ፡ ካብ ከተማ ለንደን ውጽእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ቦታ፡ ኣብ ሓንቲ ዕጽውቲ መዝሓሊት መኪና ሞይቶም ዝተረኽቡ 39 ግዳያት ቻይናውያን ምዃኖም ተረጋጊጹ።

ሸሞንተ ካብቶም ግዳያት ደቂኣንስትዮ ምኸነን'ውን ፓሊስ ኣረጋጊጹ።

ነባሪ ሰሜን ኣየርላንድ ዝኾነ፡ ሞሪስ ሮቢንሰን ዝተባህለ ወዲ 25 መራሒ ናይታ መኪና፡ ብቕትለተ ናይቶም ግዳያት ተጠርጢሩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ'ሎ።

ፓሊስ ኣብ ልዕሊ'ቲ ጥርጡር መርመራ የካይዱ ከም ዘለዉ ገሊጾም። ፓሊስ ሰሜን ኣየርላንድ፡ ኣብ ውዱብ ገባት ዝሳተፉ ሰባት ኢድ ኣለዎም እንተኾይኑ ንምፍላጥ፡ ኣብ ክልተ መንበሪ ኣባይቲ ከም ዝፈተሹ ትካል ሃገራዊ ምክልኻል ገበናት ኣፍሊጡ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ኢሰክስ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፡ ሬሳታት ናይ 39 ሰባት ኣብ ሓንቲ ዕጽውቲ ናይ ጽዕነት መኪና ተረኺቡ።

ፓሊስ፡ ሰዓት 01፡40 ናይ ለይቲ ካብ ኣገልግሎት ኣምቡላንስ ድሕሪ ዝተገብረሉ ጻዊዒት፡ ናብቲ ኣብ ግረይስ ዝተባህለ ቦታ ዝርከብ ዎተርግሌድ ኢንዳስትሪያል ፓርክ ብምኻድ ነቲ ኩነታት ከም ዘረጋገጹ ገሊጾም።

እታ ናይ ጽዕነት መኪና (ሎሪ)፡ ካብ ቡልጋርያ ዝተበገሰት ምዃናን፡ ብሆሊሄድ ዝተባህለ ቦታ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ከም ዝኣተወት ፓሊስ ናይቲ ከባቢ ሓቢሮም።

ይኹን እምበር፡ ፓሊስ ድሒሮም ከም ዘረጋገጽዎ፡ እታ መኪና ረቡዕ ንጉሆ፡ ካብ በልጂም፡ ዚብራግ ካብ ዝተባህለ ቦታ ከም ዝተበገሰትን፡ ብፑርፊት ዝተባህለ ቦታ ከም ዝኣተወት፡ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ከም ዝሓበሮ ገሊጹ።

ኣፈናዊ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ፡ ሓንቲ ኮተቴን (ሰገን) እትርከቦም 39 ሰባት ከም ዝሞቱ ተገሊጹ ነይሩ።

ካብቲ ኩነታት ዝደሓኑ ሰባት ኣይተረኽቡን።

ዝኾነ ብዛዕባ እታ መኪናን ዝሓለፈቶ ጉዕዞን ሓበሬታ ዘለዎ ሰብ ምስ ፓሊስ ክተሓበበር'ውን ጸዊዓ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን፡ "ክትሓስቦ ዘጸግም ዘስካሕክሕን፡ ብሓቂ ልቢ ዝሰብርን" ክብል ንሞት ናይቶም ግዳያት ገሊጽዎ።

ሓያሎ ካልኦት ፓለቲከኛኣት'ውን፡ ብሞት ናይቶም ገና መንነቶም ዘይተፈልጠ ግዳያት ሓዘኖም ይገልጹ ኣለዉ።

"ሰባዊ ትራጀዲ" ክብል ዝገለጾ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣየርላንድ ብወገኑ፡ እታ መኪና ብኣየርላንድ ዝሓለፈ ከይትኸውን ንምጽራይ መርመራ ከካይድ ምዃኑ ተዛሪቡ።

ነቶም ክዳያት ንምዝካር ናይ ሽምዓ መደብ ክግበር ምዃኑ'ውን ተፈሊጡ'ሎ።

ክንደይ ስደተኛታት ናብ ብሪጣንያ ክሰግሩ ሞይቶም?

  • 2014፡ ሓደ ኣፍጋኒስታዊ ስደተኛ፡ ኣብ ቲልበሪ ዶክስ፡ ኢሰክስ፡ ሞይቱ ተረኺቡ። ኣብ ናይ ኣቑሑት ኮንቴነር ምስ ካልኦት 38 ብሂወት ዝተረፉ ብጾቱ'ዩ ተረኺቡ።
  • 2015፡ ሬሳ ናይ ክልተ ስደተኛታት ኣብ ብዕንጨይቲ ዝተሰርሐ ካሴታ ኣትዮም፡ ኣብ ብራንስተን፡ ስታፈርድሼር ተረኺቡ። እቲ ካሴታት ካብ ኢጣልያ ዝመጸ'ዩ ነይሩ።
  • 2016፡ ወዲ 18 ዓመት ስደተኛ፡ ኣብ ትሕቲ ዓባይ መኪና ተንጠልጢሉ እናተጓዕዘ እንከሎ ኣብ ባንበሪ፡ ኦክስፈርድሼ ተረጊጹ ሞይቱ።
  • 2016፡ ሓደ ሬሳ ኣብ ከንት፡ ኣብ ሓንቲ ካብ ፈረንሳ ዝተበገሰት ናይ ጽዕነት መኪና ተረኺቡ።

ቅድሚ'ቲ ኣብ 2014 ዘጋጠመ ቅልውላው ዋሕዚ ስደት፡ ጸብጻባት ናይ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ፍጻሜታት ብግባእ ኣይክበን'ዩ ነይሩ።

ኣብ 2000፡ ኣብ ዶቨር፡ 58 ቻይናውያን ስደተኛታት ኣብ ናይ ዕጽውቲ ናይ ጽዕነት መኪና ተዓፊኖም ሞይቶም ተረኺቦም።