BBC News, ትግርኛ - መእተዊ ገጽ

ዜናታት

  • ሰመረ ርእሶም

    ኣስመራ፡ ሚኒስተር ትምህርቲ ኤርትራ ዝነበረ ሰመረ ርእሶም ዓሪፉ

    ካብ 2007 ክሳብ 2025 ሚኒስተር ትምህርቲ ዝነበረ ኮይኑ፡ ኣብ 2018 መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምፍራሙ'ውን ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምዃን ድርብ ሓላፍነት ተዋሂብዎ ምንባሩ ይዝከር።

  • ሓወልቲ ሰማእታት ዘንጸላለዋ ከተማ መቐለ

    ውድብ ኢሕኣፓ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ዘውፀኦ መግለፂ

    ኢትዮጵያ ሕዝባዊ አብዮታዊ ፓርቲ (ኢሕአፓ)፡ ብሽም ምኽባር ሰላም ህዝቢ ትግራይ ናብ ኩናት ምድፋእ ደው ክብል ጸዊዑ።ኢሕአፓ፡ ሐምሌ 14 ቀን 2018 (ግእዝ) ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ቀንዲ ዕላማ ገዛኢ ሰልፊ ኢትዮጵያ፡ ሰላም ንምስፋን ዘይኰነስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ካልእ ወተሃደራዊ ጎስጓስን ምክያድን ኩናትን ምልዓልን" ብምባል ነቲ ኣካይዳ ነቒፉ።

  • ሓደ ባንዴራ ዝሓዘ ዕጡቕ ሑቲ ኣብ ልዕሊ ከቢድ ብረት ኰይኑ ኢዱ ሓፍ ኣቢሉ እናጨረሐ ይርአ

    ካብ ሆርሙዝ ናብ ባብ ኤል-መንደብ፡ ጸቕጢ ቀይሕ ባሕሪ ንዓለም እንታይ ክሳራ ከስዕብ እዩ?

    መስመር ባብ ኤል-መንደብ ኣብ መንጎ የመን (ብወገን ዓረብ) ከምኡ'ውን ጅቡትን ኤርትራን (ብወገን ኣፍሪቃ) ዝርከብ እዩ። እቲ ብምኽንያት ኲናት ድሮ ብተግባር ተዓጽዩ ዘሎ መጻብቦ ሆርሙዝ፡ 20% ካብ ዓለማዊ መጓዓዝያ ነዳዲ ይሽፍን። ብመሰረት ትካል ሓበሬታ ጸዓት ኣመሪካ፡ መዓልታዊ ሓሙሽተ ሚልዮን በርሚል ዝኸውን ካብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን እስያን ዝመጽእ ነዳዲ በዚ መስመር ናብ ምዕራብ ይጓዓዝ።

  • ኣብ እንዳ ፎርኖ ባንን ሕምባሻን ይርአ፡

    ሓደሽ ጸብጻብ ናህሪ ዋጋታት ኢትዮጵያ እንታይ የመልክት?

    ኣብ ኢትዮጵያ ሓፈሻዊ ናህሪ ዋጋታት ብ1% እኳ እንተ ወረደ፡ ዋጋታት መግቢ ግና ዛጊት ካብ ዓቕሚ ዜጋታት ንላዕሊ ኰይኑ ይቕጽል ምህላዉ ወግዓዊ ጸብጻብ ኣመልክቱ። እዚ ኣብ መንጎ ጸጥታዊ ዘይርግኣትን ሰፊሕ ቍጠባዊ ጽገናን ዝወጽአ ጸብጻብ፡ ምስቲ ብወገን ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ዝቐርብ ዘሎ "ናይ ዕቤት ትረኻ" ዝጻረር ስእሊ ከም ዘለዎ ተንተንቲ ይገልጹ።

  • ኣብ ወደብ ትርአ መርከብ ነዳዲ

    ቀጥታ, ሑቲ ንክልተ ዓበይቲ መራኽብ ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ብቀይሕ ባሕሪ ከይሓልፋ ዓጊቶም

    ክልቲኦም ወገናት ንመጻብቦ ሆርሙዝ ንምቁጽጻር ኣብ ዝቃለሱሉ ዘለዉ እዋን፡ ኣመሪካ ንሻድሻይ ለይቲ ብተኸታታሊ ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመት ሰራዊታ ገሊጹ። ማእከላይ እዝ ኣመሪካ (ሴንትኮም)፡ እቲ መጥቃዕቲ "ወተሃደራዊ ዓቕሚ ኢራን ዝያዳ ንምንካይ" ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጹ።

  • ፖሊስ ፌደራል፡ መራሒ  እቲ ጉጅለ ዘይሕጋዊ ኣሰጋጋሪ፡ "መሓመድ ጣሂር ዓደን" ወይ "ወርዲ" ዝተባህለ ሰብ ዝምራሕ ምዃኑ ገሊጹ።

    ኢትዮጵያ፡ ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ዘእተዎም 17 'ሓደገኛታት' ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ሰባት

    ፈደራላዊ ፖሊስ ኢትዮጵያ፡ ንሞት "ልዕሊ 60" ስደተኛታትን "ሓያሎ ደቂ ኣንስትዮ" ብምዕማጽን ተሓተትቲ ምዃኖም ዝጠርጠሮም 17 "ሓደገኛታት ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት" ኣብ ቀይዲ ከም ዘእተወ ገሊጹ።

  • ሓበራዊ ምስሊ ሰር ዴቪድ ቤክሃም፡ ደጋፊት ስኮትላንድን ፕረዚደንት ፊፋ ጂያኒ ኢንፋንቲኖን

    ዋንጫ ዓለም 2026፡ ብገንዘብ ዝኸሰቡን ዝኸሰሩን

    ከዋኽብቲ ኩዕሶ እግሪ ዓለምና፡ ኣብ ሜዳ ታሪኻዊ ህሞታት ኣብ ዝፈጥሩሉ ዝነበሩ እዋን፡ ካብኡ ብቢልዮናት ዝቝጸር ገንዘብ ፈርዩ ኣሎ። ኵሉ ሰብ ግን ብዙሕ ዶላራት ኣኪቡ ኣሎ ማለት ኣይኰነን፤ ስለዚ ገለ ብዙሕ ገንዘብ ብምርካብ ክኸስቡ ከለዉ፡ ገለ ፋይናንሳዊ ክሳራታት ገጢሙዎም እዩ።

  • ዶ/ር ናይዝጊ ኣብ እምባ ኬንያ

    ኤርትራዊ ምሁርን ደያብ ኣኽራንን ዶ/ር ናይዝጊ ኣብ 92 ዕድመኦም ዓሪፎም

    እቶም ኣብ ጫፍ እምባ ኬንያ (Mount Kenya) ባንዴራ ሃገሮም ኤርትራ ብምስቃልን ኣብ ሃገሮምን ካልኦት ሃገራትን ዝነበሮም ኣበርክቶን ዝፍለጡ ጽኑዕ ኤርትራዊ ደያብ ኣኽራናት ዝነበሩን ምሁርን ዶ/ር ናይዝጊ ገብረመድህን፡ ኣብ መበል 92 ዓመት ዕድመኦም ዓሪፎም።

  • ኣብ መኪና ዝተጻወደ ማእከላይ ብረት ዝሓዘ ገጹን ርእሱን ዝተሸፈነ ዕጡቕ ጉጅለ ሑቲ

    ቀይሕ ባሕሪ፡ ሑቲ የመን ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ 'ናይ ባሕሪ እገዳ' ኣዊጁ

    ወሃቢቓል ወተሃደራዊ ሑቲ ያሕያ ሳረዓ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ስዑዲ ዓረብ "ንልዕሊ 12 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ክቡር ህዝብና ዘይፍትሓውን ጨቋንን ከበባ ብምግባር፡ ሃብትና ብምዝራፍን ኣብ ወደባትን መዓርፎ ነፈርትን ብመሬት፡ ባሕርን ኣየርን ምሉእ ዕጽዋ ገይራ ትርከብ፡" ኢሉ።

  • ኤድሰን ካምዌሲግየ

    ካብ ኡጋንዳ ክሳብ ኣመሪካ፡ ኣብ ኲናት ሩስያ ዝሞቱ ወጻእተኛታት

    ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን፡ ምሉእ ወራር ካብ እትጅምር ንደሓር፡ ካብ ልዕሊ 40 ሃገራት ዝመጹ ብውሕዱ 3,589 ወጻእተኛታት ዜጋታት ኣብ ጐድኒ ሰራዊታ እናተዋግኡ ከምዝተቐትሉ መርመራ ቢቢሲ ኣመልኪቱ።

  • መስዓድ ብሎስን ዑስማን ሳልሕን ሰላምታ እናተለዋወጡ

    ርክብ ኤርትራን ኣመሪካን ፡ ምኒስተር ዑስማን ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ እንታይ ዘትዮም?

    እቲ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝዀነ ብሎስ፡ ብመንገዲ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ምስ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናታት ክልቲአን ሃገራት ዘተኰረ "ጽቡቕን ኣፍራይን" ዝበሎ ዘተ ከም ዘካየደ ኣፍሊጡ።

  • ኢስማኤል "ኤል ማዮ" ዛምባዳ

    ውድቀት 'ኤል ማዮ' ዛምባዳ፡ ካብ ንግስነት ዕጸ-ፋርስ ናብ ዕድመ-ልክዕ ማእሰርቲ

    "ሎሚ ክዛረቦ ዝኽእል ሓደ ጠቓሚ ነገር እንተ'ልዩ እዚ እዩ፣ እቲ ዓመጽ ደው ክብል ኣለዎ፡" ዝበለ እቲ መራሒ ዕጸ-ፋርስ ነበር፡ "ኣብ መክሲኮ ይዅን ኣብ ካልእ ቦታታት ብሰንኪ እዚ ገበን ኣዝዩ ብዙሕ ህይወት ይጠፍእ፣ ስድራቤታት ይበታተና፣ መንእሰያት ድማ ኣብቲ ናብ ቤት ማእሰርቲ ወይ ሞት ጥራይ ዘብጽሕ ዓንኬል ይጽመዱ ኣለዉ፡" ኢሉ።

ቢቢሲ ትግርኛ ናብ ቲክቶክ መጺኡ'ሎ፣ ተኸታተሉ።

ኣብ ካልእ ዘይትረኽብዎ፡ መሳጥን ኣገዳስን ሓበሬታ ንምርካብ ቀዳሞት ኵኑ።

ከይሓልፈኩም

ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዩቱብ

ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል

ትንታነ

ኣዘራረብቲ ዛዕባታት

ሳይንስን ጥዕናን

ኢንተርነት ዳታ ብምዕቃብ ትሕዝቶታት ቢቢሲ ትግርኛ ብቐሊሉ ኣንብቡ።

ዳታ ንምዕቃብ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ብጽሑፍ ጥራይ ኣንብቡ።

መዛነዪ

ዝያዳ ዝተነበ