ቀዳማይ ምኒስተር ኰይኑ ዝሽየም ዘሎ በርናም - ክትፈልጥዎም ዝግብኣኩም ነጥብታት

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ኣንዲ በርናም፡ ካብ ኣባላት ሰልፊ ዕዮ ድጋፍ ብምርካብ፡ ሓድሽ መራሒ እቲ ሰልፊ ኰይኑ ኣሎ።
በዚ ድማ፡ ሎሚመዓልቲ ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ኰይኑ ዝሽየም – ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ስልጣን ቀዳማይ ምኒስተርነት ዓባይ ብሪጣንያ ዝተረከበ ሻብዓይ መራሒ ክኸውን እዩ።
ኣንዲ በርናም መዓዝ'ዩ ቀዳማይ ምኒስተር ክኸውን?
ኣንዲ በርናም ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ እዩ ወግዓዊ መራሒ ውድብ ዕዮ (ሌበር) ኰይኑ። ሎሚ መዓልቲ ድማ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣኒያ ኰይኑ ብወግዒ ይሽየም ኣሎ።
እዚ ቀዳማይ ምኒስተር ናይ ምቕያር ዕላዊ መስርሕ፡ ሰር ከር ስታርመር ምስ ንጉስ ቻርለስ ተራኺቡ ካብ ስልጣኑ ይወርድ ከም ዘሎ ብወግዒ ነቲ ንጉስ ብምግላፅ እዩ ክጅምር።
ቀፂሉ ንጉስ ቻርለስ፡ ንበርናም መንግስቲ ከጣይሽ ክሓትቶ እዩ። በርናም ንዕድመ እቲ ንጉስ ምስ ተቐበለ፡ ብወግዒ ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ክኸውን'ዩ።
ሰር ከር ስታርመር ካብ ስልጣኑ ከም ዝወርድ ንንጉስ ቻርለስ ዝገልፀሉን ኣንዲ በርናም መንግስትነት ከጣይሽ ዝሕተተሉን ክስተታት፡ ኣብ ባኪንግሃም ፓላስ'ዮም ክካየዱ።
ድሕሪኡ ኣንዲ በርናም ናብ ወግዓዊ መንበሪን ቤትፅሕፈትን ቀዳማይ ምኒስተር '10 ዳውኒንግ ስትሪት' ብምኻድ፡ መደረ ክገብር ትፅቢት ይግበር።
ኣንዲ በርናም ብኸመይ እዩ ናብዚ በፂሑ?
ሰር ከር ስታርመር ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣብ መረፃ ዓብላሊ ድምፂ ብምርካብ'ኳ እንተ ተዓወተ፡ ብሰንኪ ተኸታታሊ ጕድለታት ፖሊሲን ምቕያር ውሳነታትን፡ ድጋፍ ህዝቢ ክስእን ጀሚሩ።
ውድብ ሪፎርም ዩኬ ኣብ ጉንበት ኣብ ዝተኻየደ ከባብያዊ መረፃ ምሉእ ብምሉእ ምዕዋቱ፡ ብዙሓት ኣባላት ባይቶ ውድብ ዕዮ ናይ ኣመራርሓ ምቕያር ከም ዘድልይ ክኣምኑ ደሪኹ።
እቲ ውፅኢት ከባብያዊ መረፃ፡ ብዙሓት ኣባላት ውድብ ዕዮ ናይጀል ፈራጅ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዝካየድ ሓፈሻዊ መረፃ ክዕወት ይኽእል'ዩ ዝብል ስግኣት ክሓድሮም ገይሩ።
በርናም መራሒ ሰልፊ ዕዮ ክኸውን ንብዙሕ ዓመታት ይብህግ'ኳ እንተነበረ፡ ንመሪሕነት ውድቡ ንኽወዳደር ግና፡ ኣብቲ እዋን ኣባል ባይቶ ኰይኑ ከገልግል ነይርዎ።
ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ መላኢ መረፃ (ኣብ መንጎ ሓፈሻዊ መረፃ ክፍቲ ዝዀነ ወንበር ባይቶ ንምትካእ ዝካየድ መረፃ) ብምዕዋት ናብ ባይቶ ተመሊሱ።
ኣብ ልዕሊ ሕፁይ ፅገናዊ ውድብ ብሪጣንያ ዘመዝገቦ ዓወት ድማ፡ ንብዙሓት ኣባላት ባይቶ ውድብ ዕዮ፡ እቲ ዝበለፀ ንሰር ከር ስታርመር ክትክእ ዝኽእል ንሱ ምዃኑ ኣእሚንዎም።
ዌስ ስትሪቲንግ ካልኦት ኣገደስቲ ፖለቲከኛታት ውድብ ዕዮ ንበርናም ብምድጋፎም፡ ብዘይ ዝኾነ ንሕንሕ መራሒ ውድብ ዕዮ ኰይኑ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ቀደሞት ምኒስትራት ብቀጥታ ብድምፂ ህዝቢ ኣይምረፁን። ኣብ ክንድኡ፡ ኣብ ቤትምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ (House of Commons) ዝበዝሕ ወናብር ባይቶ ናይ ዝሓዘ ፖለቲካዊ ውድብ መራሒ'ዩ ቀዳማይ ምኒስተር ዝኸውን።
በርናም ከም ቀዳማይ ምኒስተር እንታይ ክገብር መደብ ኣለዎ?
በርናም ነቲ ውድብ ዕዮ ኣብ መረፃ 2024 ሒዝዎ ዝቐረበን ዝተዓወተሉን ፖሊሲታት ከም ዘቐፅል ገሊፁ። እዚ፡ ንስሩዕ ኣታዊ ግብሪ፡ ቫት ወይ ሃገራዊ ኢንሹራንስ ዘይምውሳኽ ዘጠቓልል እዩ።
ከባብያዊ ኣብያተ ምኽርን ሰብመዚን፡ ኣብ ከም ጽላታት ኣባይትን መጓዓዝያን ውሳነታት ከሕልፉ ዘኽእል ዝበለፀ ስልጣን ክህልዎም ምግባር፡ በርንሃም ቀዳምነት ዝህቦ ጉዳይ እዩ።
ብተወሳኺ ኣብ ማንችስተር ዝመደበሩ ናይ ቤትፅሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር ካልእ ጕጅለ ከጣይሽ ይደሊ።
በርናም ኣብ ማሕበራዊ ደሕንነት፡ ማሕበራዊ ክንክን፡ ስደት፡ ሰራዊት ብሪጣንያን ሃገራዊ ድሕንነትን ዘለዎ መደብ ኣብሪሁ።
ቀረፅ ሃፍቲ ከንብር ከም ዝኽእል'ውን ኣአንፊቱ። ኣብ ካቢነኡ ዘገልግሉ ላዕለዎት ምኒስተራት ገና ኣይመረፀን።
ኣብ ካቢነኡ በዓል መን ክካተቱ ይኽእሉ?
በርናም፡ ንሕርያታቱ ብምስጢር'ዩ ሒዝዎ ዘሎ። ጀምስ ፐርኔል፡ ኣመሓዳሪ ቤትፅሕፈት ቀዳማይ ምኒስተርን ሓለቓ ሰራሕተኛታትን ኰይኑ ዝተሾመ ክኸውን እንከሎ፡ ሉዊዝ ሄግ ድማ፡ መዝነት ምኒስተር ክወሃባ ትፅቢት ይግበር።
እቲ ዝዓበየ ውሳነ ንሬቸል ሪቭስ ተኪኡ ምኒስተር ፋይናንስ ዝኸውን ሰብ ምምራፅ እዩ። ኣብዚ እዋን ሻባና ማሕሙድ ነቲ ቦታ ናይ ምሓዝ ዕድላ ልዑል ይመስል። በርናም፡ ዝተፈላለዩ ክንፍታትን ተዋፅኦን (ውክልና) ፆታን ሚዛን ከትሕዝ ኣለዎ።
በዓልቲ ቤት ኣንዲ በርናም መን'ያ? ደቂ'ኸ ኣለውዎም ዶ?
በርናም ምስ ማሪ-ፍራንስ ቫን ሂል ተመርዕዩ'ዩ። ኣብ 1989 ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ እዮም ተራኺቦም፤ ንልዕሊ 30 ዓመታት ድማ ብሓደ ይነብሩ ኣለዉ።
ቫን ሂል፡ ብሞያ ማርኬቲንን ስትራተጂን ዝሰርሐት ክትከውን እንከላ፡ ንቢቢሲን ኢንግላንድ ራግቢን ዲዛይን ሎጎ (ሕላገት) ኣብ ምስራሕ ተሳቲፋ እያ።
ቀዳማይ ምኒስተር ቅድሚ ምዃኑ እንታይ ይሰርሕ ነይሩ?
በርናም ብ1970 ኣብ ሊቨርፑል'ዩ ተወሊዱ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ ድማ እንግሊዘኛ ኣፅኒዑ፤ ብጋዜጠኝነት ሰሪሑ። ኣብ 20ታት ዕድመኡ ከኣ ናብ ፖለቲካ ተፀንቢሩ። ብ2001 ኣባል ባይቶ ኰይኑ፤ ኣብ ግዜ መንግስትነት ጎርደን ብራውን'ውን ኣገልጊሉ።
ኣብ ቀረባ እዋን ድማ፡ ናይታ ስርዓት መጓዓዝያ ብምቕያር ዝተነኣደላን ረዚን ድምፂ ሰሜን እንግሊዝ ዝዀነላን - ዓባይ ማንቸስተር ከንቲባ ነይሩ።
ካልኦት መራሕቲ ዓለም ብዛዕባ በርናም እንታይ ኢሎም?
ዛጊድ ብዛዕባ ኣንዲ በርናም ርእይቶ ዝሃቡ መራሕቲ ዓለም ውሱናት እዮም። ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ በርናም "ኣዝዩ ሊበራል'ዩ" ኢሉ።
ሩስያ፡ ኣብ መሪሕነት በርናም፡ ምስ ዓባይ ብሪጣንያ ዘለዋ ርክብ ክመሓየሽ ትፅቢት ከም ዘይትገብር ገሊፃ።
ዩክረይን ብወገና፡ እዚ ፖለቲካዊ ለውጢ ዘይምርግጋእ ከይፈጥር ስግኣታ ገሊፃ። ሰር ከር ስታርመር ዓባይ ብሪጣንያ ንዩክረይን እትገብሮ ድጋፍ ከም ዝቕፅልን ከም ዘይዳኸምን ሓቢሩ።
ምኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ፈረንሳይ ዣን-ኖኤል ባሮት ንበርናም ሰናይ ትምኒቱ ብምግላፅ፡ ኣብ እዋን ምስግጋር ዓባይ ብሪጣንያ "ዝተረጋግአት ኰይና ክትቅፅል" ተመንዩ።










![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
