እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሓያል ምውድዳር ክረኣየሉ ምዃኑ ዝግመት መረጻ ናይጀርያ ጽባሕ ቀዳም ክካየድ እዩ
Published
ናይጀርያ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ቁጠባን ዝበዝሐ ህዝብን - 214 ሚልዮን- ዘለዋ ብምዃና፡ ኣብታ ሃገር ዝኽሰት ነገር ጽልዋኡ ዓቢይ እዩ። ንሸሞንተ ዓመታት ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ሙሃማዱ ቡሃሪ ዝጸንሑ ናይጀርያውያን ጽባሕ ቀዳም ሓድሽ ፕረዚደንት ክመርጹ ድምጾም ክህቡ እዮም። እቲ ዝዕወት ሰብ ግና ከቢድ ብድሆ ይጽበዮ ኣሎ።