ኣብ ናይጀርያ ብዓል መን'ዮም ንፕረዝደንትነት ዝወዳደሩ ዘለዉ?
ብዛዕባ ሕጹያት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዝያዳ ንኽትፍፈልጡ
ብዛዕባ ሕጹይ ተወዳዳሪ መብርሂ ንኽትረኽቡ ሕጹይ ምረጹ
ቦላ ቲኑቡ
ኦል ፕሮግረሲቭ ኮንግረስ [APC]
- ዕድመ፡ 70
- ኣብ ዩኒቨርስቲ ቺካጎ ብዓውደ ኣተሓሕዛ ሕሳብ ኣጽኒዑ
- ካብ 1999-2007 ክልተ ግዜ ኣመሓዳሪ ግዝኣት ሌጎስ ኮይኑ ተመሪጹ
- ካብ 1992-1993 ኣብ ሰኔት ናይጀርያ ወኪል ምዕራብ ሌጎስ ኮይኑ ሰሪሑ
- ሓደ ካብ ገዳይም ፖሎቲከኛታት ናይጀርያ ኮይኑ ንመጀመርታ ግዜኡ'ዩ ንፕረዚደንትነት ዝወዳደር ዘሎ
- ኣንጻር እቲ ወተሃደራዊ ሕጋጋት ከምዝሰርሕ ቃል ኣትዩ ኣሎ።
- ኣታዊ ዞበ ሌጎስ ኣብ 1999 22.2 ቢልዮን ነይራ ዝነበረ ኣብ 2007 ብኣርዕተ ዕጽፊ ብምዕባይ 220.9 ከምዝኸውን ገይሩ።
- ኣብቲ ኣብ ናይጀርያ ዝዓበየ ኣፍራዪ ነዳዲ ዝኾነ ትካል ሞቢል ከም ላዕላይ ኦዲተርን ተሓዚ ሕሳብን ኮይኑ ሰሪሑ።
- ካብ ደገ ዝኣቱ ንብረት ናይጀርያ ብምጉዳል ኣታዊ ናይጀርያ ኣብ ሰደድ ከምዝምርኮስ ክገብር ቃል ኣትዩ።
- ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ንመንእሰያት ኣብ ስርዓተ ቴክኖሊጂ ሓደ ሚልዮን ናይ ስራሕ ዕድላት ብምፍጣር፡ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ዓመታት ሽቕለት ኣልቦነት መንእሰያት ብፍርቂ ከምዘጌድሎ ተመባጺዑ ኣሎ።
- ንስርዓተ ፍትሕን ቤት ፍርድን እታ ሃገር ብምምሕያሽ ሰብ ኣብ ልዕሊ ኣካላት ጸጥታ እምነት ከምዘሕድር ክገብር ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።
ኣቲኩ ኣቡቦከር
ፒፕል ዲሞክራቲክ ፓርቲ [PDP]
- ዕድመ፡ 76
- ካብ 1999 -2007 ምክትል ፕረዚደንት ኮይኑ ሰሪሑ።
- ካብ ዩኒቨርስቲ ኣንጊልያ ሩስኪን [ዓዲ እንግሊዝ] ብዓለምለኻዊ ርከባት ካልኣይ ዲግሪ ኣለዎ።
- ካብ መጀመርታ 1980ታት ጀመሩ ኣብ ፖሊቲካ ክነጥፍ ጀሚሩ።
- ኣብ 1993፡ 2007፡ 2011፡ 2015 ከምኡ ከኣ 2019 ንፕረዚደንትንት ተወዳዲሩ ክዕወት ኣይክኣለን።
- ንነጻ ዝወጽኣ ደቂ ኣንስትዮ ቺቦክ ብነጻ ዘምህር 'ኣሜሪካን ዩኒቨርስቲ ኦፍ ናይጀርያ' መስሪቱ።
- ኣብ ነዳዲ፡ ሕርሻ፡ ባንክን ጽላት ኣፋውስን ብምውፋር ዕዉት ብዓል ርእሰማል ክኸውን ዝኸኣለ'ዩ።
- ንመንግስታዊ ትካላት ናብ ግሊ ከሰጋግቶ'የ ዝብል ኣጀንዳ ሒዙ ኣሎ።
- ኣብ ቁጠባ ናይጀርያ ዝያዳ ኣብ ናይ ግሊ ጽላታት ኣቶኲሩ ከምዝሰርሕ'ዩ ዝሕብር።
- ኣብ ናይጀርያ ፍትሕን ማዕርነትን ብምንጋስ ሓድነት ክፈጥር ከምዝኾነ ተመባጺዑ ኣሎ።
- መንግስታዊ ቅርጺ እታ ሃገር ከመሓይሾ'ዩ
ፔተር ኦቢ
ሌበር ፓርቲ [LP]
- ዕድመ፡ 60
- ካብ 2007-2014 ክልእተ ግዜ ኣመሓዳሪ ግዝኣት ኣናምባራ ኮይኑ ሰሪሑ።
- ኣብ 2019 ንምክትል ፕረዚደንት ተወዳዲሩ ነይሩ ክዕወት ግን ኣይክኣለን።
- ኣብ ዩኒቨርስቲ ናይጀርያ ብዓውዲ ፍልስፍና ተመሪቑ። ኣብ ውልዋዊ ዋኒኑ'ውን እኹል ትሩፍ ሃብቲ ዘለዎ'ዩ።
- ኣመሓዳሪ ግዝኣት ኣናምባራ ኣብ ዝነበረሉ ክሳብ 156 ሚልዮን ዶላር ዝኸውን ሰልዲ እታ ግዝኣት ከምእትረከብ ገይሩ።
- ግዝኣት ኣናምባራ ኣብ ደረጃ ግዝኣታት ናይጀርያ ካብ መበል 26 ቀዳመይቲ ከምእትከውን ገይርዋ።
- ንኣሽሓት ናይ ስራሕ ዕድል ዝፈጠረ ብዙሕ ጨናፍራት ዘለዎ ትካላት መሸጣ ጅምላ ኣቑሑት ኣለዎ።
- ንብልሽውና ብምቅላስ ኣብ መንግስታዊ ጽላታት ተሓታትነት ከምዝህሉ ክገብር'የ ኢሉ ኣሎ።
- ንናይጀርያ ካብ ኣህላኺን ናብ ኣፍራይት ከምዝቕይራ ተመባጺዑ ኣሎ።
- ብቀዳምነት ርእሰ ማል ውልቀሰባት ዝዓብየሉ ኣገባብ ንኽህሉ ባይታ ከምዘጣጥሕን፡ ትሕተ ቅርጺ ትምህርቲን ጥዕናን ከምዘመሓይሶ ቃል ኣትዩ።
ራቡ ክዋንከዋሶ
ኒው ናይጀርያን ፒፕልስ ፓርቲ [NNPP]
- ዕድመ፡ 66
- ካብ 2003-2007 ሚኒስተር ምክልኻል ኮይኑ ሰሪሑ።
- ካብ 1999-2003 ከምኡ ከኣ ካብ 2011-2015 ኣመሓዳሪ ግዝኣት ካኖ ኮይኑ ሰሪሑ።
- ኣብ 1992 ንማዶቢ ኣብ 2015 ከምኡ ከኣ 2019 ድማ ንካኖ ወኪሉ ኣብ ባይቲ ወከልቲ ህዝቢ ወኪል ኮይኑ ተመሪጹ
- ኣብ ህንዱ ዩኒቨርስቲ ሻርዳ ብዓውዲ ሲቪል ምህንድስና ብማዕረግ ዶክተር ተመሪቑ።
- ስራሓት ግብረ ሰናይን ናይ ትምህርቲ ዕድላት ኣብ ኣድማዒ ስራሕ ሰሪሑ።
- ቁጽሪ ተማሃሮኢ መባእታ ኣብ 2011 ሓደ ሚልዮን ዝነበረ ኣብ 2015 ናብ 3 ሚልዮን ክብ ከምዝብል ኣድማዒ ስራሕ ሰሪሑ።
- ተማሃሮ መባእታ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብነጻ ከምዝምገቡን ሓደ ዓይነት 'ዲቪዛ' ከምዝህልዎምን ገይሩ።
- ኣብ ካኖ ዩኒቨርስቲ ሳይንስን ቴክኖልጂ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ካኖ ከኣ ካልእ ዩኒቨርስቲ ከምዝስራሕ ገይሩ።
- ኣብ ጽላት ሕርሻ ወፍሪ ብምግባር ዘይተኣደነ ናይ ስራሕ ዕድላት ከምዝፈጥር ተመባጺዑ ኣሎ።
- ኣብታ ሃገር ዘሎ ዋሕዲ ጸጥታ ንምቅራፍ ክሰርሕ'የ ኢሉ ኣሎ።
- ግዝኣት ሕጊ ከንግስ ምዃኑ ነጊሩ ኣሎ።


![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)
