ብሕክምና ምስግጋር ኣካል፡ ክልተ ኣእዳው ዝተገጥመሉ ሰብኣይ

ስቴቨን ብድሕሪ ክልተ ኣእዳዉ ብመጥባሕቲ ምትክኦም

ምንጪ ስእሊ, PA Media

Published

ስቴቨን ጋላገር፡ ፈለማ ብሕክምና ምትካእ ኣካል ('ትራንስፕላንት') ኣእዳዉ ክግጠመሉ ከምዝኽእል ክንገሮ እንከሎ ከም ዝሰሓቐ ይዝክር።

እንተዀነ፡ ድሕሪ'ቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝተገበረሉ ብዓይነቱ ፍሉይ ዝዀነ ሕክምና ምትካል ኣእዳው፡ "ሓድሽ ህይወት" ከስተማቕር ከምዝጀመረ ይዛረብ።

ስቴቨን፡ ጠንቂ ምስኣን ክልተአን ኣእዳዉ ዝዀነ ጸገም ጥዕና፡ ቅድሚ 13 ዓመት'ዩ ጀሚርዎ፤ ኣብ ከባቢ ክሳዱን ኣፍንጫኡን ዕንፍሩር ክወጽኦ ጀሚሩ፣ ኣብ የማነይቲ ኢዱ'ውን ቃንዛ ይስምዖ ነይሩ።

ኣብቲ እዋን ሓኻይም፡ ስቴቨን ብ 'ሉፐስ' [ስርዓተ ምክልኻል ሕማማት ሰብነትና፡ ንናይ ባዕሉ መትንታትን ኣካላትን ከጥቅዕ ዝጅምረሉ ኵነታት] ከምዝተጠቕዐ፣ ስዒቡ ድማ ጸገም መትኒ ኣጋጢምዎ ዝብል'ዩ ነይሩ ግምቶም።

ካብዞም ግምታት ብምብጋስ፡ እቲ ኣቦ ሰለስተ ቈልዑ መጥባሕቲ ክገብር ተወሰነ።

መጥባሕቲ ድሕሪ ምግባሩ ግን እቲ ዝስምዖ ዝነበረ ቃንዛ ኣየቋረፀን። ኣብ ክልተ ኣእዳዉ ቃንዛ ቀጺሉ። ናብ ስፔሻሊስት ምስተልኣከ ኸኣ ስኪለሮደርማ ('scleroderma') ዝተባህለ ምትራር ኣካሊት [ቲሹ] ዘስዕብ ሕማም ከምዘለዎ ተነገሮ።

እዚ ድማ ንቘርበትን ውሽጣዊ ኣካላትን ዘጥቅዕ ፀገም ጥዕና ምዃኑ ይፍለጥ።

ብሰንኪ እዚ ሕማም ኣፍንጫኡ፡ ኣፉን ኣእዳዉን ጉድኣት ክወርዶም እንከሎ፡ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመታት ኣቢሉ ድማ ኣፃብዕቱ ክዕዅለሉ ጀመሩ። ሽዑ ኣዝዩ ከቢድ ቃንዛ ይስምዖ ነይሩ።

ኣእዳዉ ከምቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዝተፈላለዩ ስርሓት ክዓመለን ከምዘይከኣለ ዝዛረብ ስቴቨን፡ "ክልተ ኣእዳወይ ተጠቒመ ዝዀነ ነገር ካብ ምልዓል ሓሊፈ ካልእ ንጥፈታት ከካይድ ኣይከኣልኩን" ይብል።

"ዝኾነ ነገር ክሕዝ ኣይክእልን፤ ክዳን ምኽዳን ይዅን ካልእ ተመሳሳሊ ነገራት ክዓምም ፈተና ኰይኑኒ" ክብል ወሲኹ ይገልፅ።

ብሰንኪ'ዚ፡ ነቲ ናብራኡ ክመርሕ ዘኽእሎ እቶት ዝረኽበሉ ዚንጐ (ናሕሲ) ገዛውቲ ምስራሕን ምፅብባቕን ሞያኡ ከቋርጽ ተገደደ።

ዝሓሸ ሕክምና ንኽረክብ ኣብ ግላስኮ ንዘሎ በዓልሞያ ህክምና መጥባሕቲ ፕላስቲክን ኢድን ክረኽቦ ከም ዘለዎ ዝተሓበሮ ስቴቨን፣ ንፕሮፈሰር ኣንድሪው ሃርት ምስረኸቦ ክልተ ኣእዳዉ ተኣልየን ብኻልኦት ኣእዳው ክትክኣ ከምዘለወን ነገሮ።

"ሽዑ ስሒቐ'የ" ክብል በቲ ከም መተካእታ ዝተሓበሮ ዓይነት ሕክምና ኣዝዩ ከም ዝተገረመ ይዛረብ።

ስቴቨን ከልቡ ሓቚፉ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

"ኣነን በዓልቲ ቤተይን ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ተዘራሪብና ኣብ ስምምዕ በፂሕና። ብርግጽ ክልተ ኣእዳወይ ዝስእነሉ ኵነታት ክህሉ ይኽእል'ዩ፡" ዝብል ስቴቨን ኣብ ናይ መወዳእታ ውሳነ ከምዝበጽሐ ይዝክር።

"ዘገርሙ ኣእዳው"

ብሰንኪ ዘጋጠሞ ፀገም ጥዕና፡ እዚ ዓይነት ሕክምናዊ መጥባሕቲ ዝተኻየደሉ ፈላሚ ሰብ ከምዝዀነ ይእመን። ክልተ ምስኡ ዝሰማምዑ ኣእዳው ካብ ካልእ ሰብ ብልግሲ ምስ ተረኸቡ፡ 30 ሰብ ሞያ ዝተሳተፉሉ፡ መጥባሕቲ ምትካል ኣእዳው ተኻይዱ።

እቲ ሕክምና 12 ሰዓታት ከም ዝወሰደ'ውን ይግለጽ።

"እቲ ሕክምና መጥባሕቲ ምስተኻየደ ነቒሐ፣ ዳርጋ ሕልማዊ እዩ ጥዒሙኒ" ይብል ነቲ ኵነታት ብምዝካር።

ኣስዒቡ፡ "እዞም ኣእዳው ዘገርሙ እዮም። ኵሉ ነገር ብቕልጡፍ'ዩ ተፈጺሙ። ካብታ ዝነቓሕኩላ ህሞት ጀሚረ፡ ነዘን ኣእዳው ከንቀሳቕሰን ክኢለ፡" ክብል ተዛሪቡ።

ንኣርባዕተ ሰሙን ዝኣክል ኣብ ሆስፒታል ፀኒሑ ዝወጸአ ስቴቨን፡ ክሳብ ሎሚ ንኽትትልን ፊዚዮቴራፒን ናብ ሆስፒታላት ይመላለስ'ዩ።

ከም መላጉም ክዳኑ ምዕጻው ዝኣመሰሉ ብልሓት ዝሓቱ ንጥፈታት ክዓምም ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ'ኳ እንተሃለወ፡ ካብቲ ቅድሚ መጥባሕቲ ምትካእ ኣእዳው ዝነበሮ ኵነታት፡ ብዝሓሸ ከልቡ ከጻውት፡ ማይ ክቐድሕን መስተዪ ክጭብጥን ክኢሉ'ሎ።

"ሓድሽ ምዕራፍ ህይወት ሂቡኒ'ሎ። ብርግፅ ክፍጽሞም ዝኸብዱኒ ነገራት'ኳ እንተሃለዉ፡ ካብ ሰሙን ናብ ሰሙን ግን ለውጥታት ኣሎ። ኵሉ ነገር ቀስ ብቐስ ናብ ዝሓሸ ደረጃ ይሰጋገር ኣሎ፡" ይብል።

ስቴቨን፡ ሕክምና ቅድሚ ምግባሩ ከቢድ ቃንዛ የሕልፍ ከምዝነበረ ብምዝካር፡ ኣብዚ እዋን ግን ዝዀነ ዓይነት ቃንዛ ከምዘይስምዖ ይገልፅ።

ስቴቨን ማይ ብብርጭቆ እናሰተየ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

ሓደ ካብቶም ነቲ ሕክምና ዘካየዱ ፕሮፈሰር ሳይመን ካይ፡ "ኣእዳው ብሕክምና ምትካል ካብቲ ኩሊት ይዅን ካልእ ክፋል ኣካላት ንምትካእ ዝካየድ መጥባሕቲ ዝተፈለየ እዩ" ክብል ነቲ ኵነታት የረድእ።

"ኣእዳው ኵሉግዜ እንርእዮምን ንዝተፈላለየ ንጥፈታት እንጥቀመሎምን እዮም። በዚ ምኽንያት ተሓከምቲ ስነልቦናዊ ድልውነቶም ብምድህሳስ ኢና ድልዋት ክዀኑ ንገብሮም፡" ይብል።

ነዚ ዝገብሩሉ ምኽንያት፡ እቶም ሰባት ድሕሪ'ቲ ዝግበረሎም ሕክምና ምትካእ ኣካል፡ ኵነታቶም ተቐቢሎምዎን ለሚዶምዎን ክነብሩ ንምግባር'ዩ።

"ክህሉ ዝኽእል ሳዕቤን፡ ሰብነት ተሓከምቲ ነቲ ካብ ካልእ መጺኡ ዝትክኣሉ ዘሎ ባዕዳዊ ኣካል እንተነጺጕዎ እዩ፡" ክብል እቲ ፕሮፈሰር፡ ድሕሪ መጥባሕቲ ክህሉ ንዝኽእል ሓደጋ የረድእ።

ንስቴቨን ግን እቲ ሕክምና ዓቢይ ምዕራፍ ለውጢ ኰይኑዎ'ሎ። ዝተገጥመሉ ኣእዳው ኣብ ንቡር ብቕዓት ተመሊሱ ስራሕ ክጅምርን ይብህግ።