ንፈለማ እዋን ኣብ ውድድር ዋንጫ ዓለም ዝሳተፋ ዘለዋ 4 ሃገራት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዋንጫ ዓለም 2026 ቅድሚ ሕጂ ካብ ዝተኻየዱ ውድድራት ፍልይ ዘብሎ ነገር ኣሎ።
ቀዳማይ እዚ ውድድር ንፈለማ ግዜ ሰለስተ ሃገራት ብሓባር ዘአንግድኦ ክኸውን እዩ - ኣመሪካ፡ ሜክሲኮን ካናዳን።
ካልኣይ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝነበሩ ውድድራት ዝሳተፋ ሃገራውያን ጋንታታት 32 ጥራይ እየን ነይረን። ኣብ ዋንጫ ዓለም 2026 ግን ንፈለማ እዋን 48 ሃገራት እየን ክሳተፋ።
ሳልሳይ ተሳትፎ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ 5 ተገዲቡ እዩ ጸኒሑ። ኣብቲ ኣብዚ ዓመት ዝካየድ ውድድር ግን 10 ሃገራት ኣፍሪቃ ክሳተፋ እየን።
ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ሃይቲን ድሕሪ 52 ዓመታት ናብቲ ውድድር ዝምለሳ ዘለዋ ሃገራት እየን።
ብኻልእ ወገን ንመወዳእታ ግዜ ኣብ 1986 ዝተሳተፈት ዒራቕ እውን ድሕሪ 40 ዓመታት ናብ ዋንጫ ዓለም ትምለስ ኣላ።
ኣብቲ ካብ 11 ሰነ ክሳብ 19 ሓምለ 2026 ዝካየድ ውድድር፡ 48 ሃገራውያን ጋንታታት ኣብ 16 ከተማታት እተን ኣኣንገድቲ ሃገራት ጸወታታን ከካይዳ እየን።
ድሕሪ 103 ጸወታታት ድማ ኣብ ኣመሪካ ኒውጀርሲ ኣብ ዝርከብ ሜትላይፍ ስታድየም ብደሚቕ ናይ ፍጻመ ጸወታ ክዛዘም እዩ።
ንምዃኑ ኣብ ዋንጫ ዓለም 2026 ንፈለማ እዋን ብምስታፍ ታሪኽ ዝሰርሓ ዘለዋ ሃገራውያን ጋንታታት ብዓል መን እየን?
1. ኬፕ ቨርደ (ኣፍሪቃ)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኬፕ ቨርደ፡ ንመጀመርታ ግዜ ናብ ዋንጫ ዓለም ብምሕላፋ ታሪኽ ሰሪሓ ኣላ።
እዚ ድማ ነታ ንእሽቶ ሃገር ደሴት ኣትላንቲክ ዓቢ ዓወት እዩ። ኣብ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ካብ ዝድነቑ ዛንታታት ድማ ሓደ ኰይኑ ኣሎ።
እዛ ትሕቲ 600,000 ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ንእሽቶ ሃገር፡ ቍጽሪ ህዝቢ ኣብ ስፖርታዊ ዓወት ዕንቅፋት ከም ዘይከውን ኣመስኪራ ኣላ።
ኣብ ልዕሊ ከም ብዓል ካሜሩን ዝኣመሰላ ዓበይቲ ኣስማት ዘመዝገባቶ ዓወታት ድማ ኣብ ብቕዓት ኩዕሶ እግሪ ርኡይ ምምሕያሽ ከም ዘርኣየት የመልክት።
ሓያል ዲሲፕሊን፡ ብሉጽ ቴክኒካዊ ክእለት፡ ከምኡ'ውን ኣብ ሊጋት ኤውሮጳ ዝጻወቱ ብርክት ዝበሉ ተጻወትቲ እትምርኰስ ጋንታ ምህናጻ፡ ኣብ ዓለምለኻዊ ደረጃ ናይ ምውድዳር ዓቕማ ክሕይል ሓጊዙ እዩ።
2. ኩራሳኦ (ደቡብ ኣመሪካ)

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ኩራሳኦ ልዕሊ 150,000 ነበርቲ ዘለዋ ንእሽቶ ሃገር እያ።
ናብ ዋንጫ ዓለም ብምሕላፍ እታ ዝነኣሰት ሃገር ብምዃን ኣብ ታሪኽ ሰፊራ። እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ እቲ ውድድር ሓድሽ ክብረወሰን እዩ።
እዚ ዓወት እዚ፡ ካብ ዞባ ኮንካካፍ (ዋንጫ ደቡብ ኣመሪካ) ንነዊሕ እዋን ዝገበረቶ ጻዕሪ ስዒቡ ዝመጸ እዩ።
ኣብ መጻረዪ ውድድራት ብዙሓት ሰባት ኩራሳኦ ነዊሕ ከም ዘይትጓዓዝ ገሚቶም ነይሮም። እንተዀነ ድሕሪ ኣዝዩ ከቢድ ናይ መጻረዪ ዙር እታ ሃገር ብዙሓት ሰባት ክግረሙ ገይራ ኣላ።
ኩራሳኦ ኣብ ዋንጫ ዓለም ክትሳተፍ ምዃና ንብዙሓት ደገፍቲ ዞባ ካሪብያን ዓቢ ሓጎስ ኣምጺኡሎም እዩ።
ዓወት ኩራሳኦ ካልእ ኣብነት ሓይሊ ኩዕሶ እግሪ ብብዝሒ ህዝቢ ከም ዘይውሰን ዘመልክት እዩ።
3. ዮርዳኖስ (እስያ)

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ዮርዳኖስ፡ ንኣስታት 40 ዓመታት ኣብ መጻረዪ ጸወታታት እስያ ክትሳተፍ ጸኒሓ እያ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ዋንጫ ዓለም 2026 ተሳታፊት ብምዃን ታሪኽ ክትሰርሕ ክኢላ።
እዚ ኣብ ታሪኽ ኩዕሶ እግሪ ዮርዳኖስ ዓብይን ታሪኻዊ ዓወትን ኰይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።
ዮርዳኖስ ናብዚ መጻረዪ ጸወታታት ቅድሚ ምጽንባራ፡ ኣብ ዋንጫ ሻምፕዮና እስያን ዋንጫ ዓረብን ካልኣይ ደረጃ ክትሕዝ ክኢላ ነይራ። እንተዀነ፡ ኣብ ነፍሲወከፍ ግዜ ግን ናብ ዋንጫ ዓለም ናይ ምሕላፍ ዕድል ከምልጣ ጸኒሑ እዩ።
እታ ጋንታ ናብ ዓወት ዝገበረቶ ጕዖ ጽንዓት፡ ቀጻሊ ጻዕርን ኣብ ኩዕሶ እግሪ ነዊሕ ዝጸንሐ ምዕባለን ዘንጸባርቕ እዩ።
ድሕሪ ናይ ዓመታት ጻዕርን ውጥንን ዮርዳኖስ ኣብ መወዳእታ ኣብቲ ዝዓበየ ውድድር ዓለም ክትሳተፍ ዝተረፍዋ መዓልታት ሒደት እዮም።
4. ኡዝበክስታን (እስያ)

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓንቲ ካብተን ኣብ ዋንጫ ዓለም 2026 ዝተሳተፋ ሓደስቲ ሃገራት፡ ኡዝበኪስታን እያ።
ካብ ዞባ ማእከላይ እስያ ብወግዒ ናብዚ ውድድር ክትሳተፍ ዝኸኣለት ፈላመይቲ ጋንታ እውን ኰይና'ላ።
ድሕሪ ናጽነት ንልዕሊ 30 ዓመታት ዝጸንሐ ዕንቅፋታትን ብዙሕ ፈተነታትን እያ ሓሊፋ።
ኣብ መወዳእታ እታ ብ"ጻዕዳ ተዃሉ" እትፍለጥ ጋንታ፡ ነቲ ሓጹር ሰቢራ ኣብ ዋንጫ ዓለም ቦታኣ ኣውሒሳቶ'ላ።
ድሕሪ ሒደት መዓልታት ድማ ኣብ ከተማታት እተን ኣአንገድቲ ሃገራት ክትጻወት ክንምስክር ኢና።
ተሳትፎ ኡዝበኪስታን፡ ተሳትፎ ኵለን ሃገራት ማእከላይ እስያ ኣብ ዋንጫ ዓለም 2026 ዝውክል ዓቢ ዓወት እዩ። ቅድሚ ሕጂ ዝዀነት ኣብቲ ዞባ እትርከብ ሃገር ናብ ዝዓበየ መድረኽ ኩዕሶ እግሪ ዓለም ክትበጽሕ ኣይከኣለትን።
እዚ ግን ሕጂ ታሪኽ ኰይኑ ኣሎ።
ሕጂ ኡዝበክስታን ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም ስማ ንኽጽሓፍ ዕድል ረኺባ ኣላ። እዚ እውን ንሃገራ ጥራይ ዘይኰነስ ንመላእ ዞባ ማእከላይ እስያ እውን ዝውክል እዩ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

