ደቡብ ኣፍሪቃዊ ሙዚቀኛ ጃዝ፡ መጥባሕቲ ሓንጎል እናተገበረሉ ጊታር ወቒዑ

ምንጪ ስእሊ, Courtesy of Musa Manzini
Published
ኣብ እዋን መጥባሕቲ ሓንጎሉ ጊታር እናወቐዕ ንነብሱ ዘዘናግዕ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ሙዚቀኛ ጃዝ፡ ዕዉት ናይ ምሕዋይ ውጽኢት ኣርእዩ።
ሙሳ ማንዚኒ ነቲ ኣስታት 6 ሰዓታት ዝወሰደ መጥባሕቲ፤ ጊታር ብምጽዋትን ሓደ ሓደ እዋን ከኣ ኣጻብዕቱ ብምንቅስቓስን ከይደቀሰ ኣሕሊፍዎ።
ተጻዋቲ ዝተፈላለዩ መሳርሒ ሙዚቃታትን መምህር ዩኒቨርሲቲን ዝኮነ ሙሳ፡ እዚ ውሳኔ ዝወሰደ "ሞያ ሙዚቀኛነተይ ኣብ ግምት ብምእታው እዩ ኔሩ" ይብል ።
እቲ መጥባሕቲ ኣብ ከተማ ዱረባን ቸፍ ኣልበርት ሉትሁሊ እዩ ተኻይዱ።
ኣብ እዋን መጥባሕቲ ዝተቀድሐ ናይ ማንዚኒ ቪድዮ፡ ማንዚኒ ብህድኣት ጊታሩ እናወቐዕ ከሎ'ዩ ዘርኢ።
ነቲ መጥባሕቲ ጉጅለ ክኢላታት መጥባሕቲ ሓንጎል እታ ሃገር ብኽልተ ዶክተራት ብምስናይ'ዮም ዝሓለፈ ሰሙን ኣካይዶሞ።
መንሽሮ ሓንጎሉ ክገሃድን ናብ ዝኸፍእ ጥርዙ ክኸይድን ዝጀመረ ካብ 2006 ኣትሒዙ ከም ዝኾነ ማንዚን ይገልጽ።
ዕውት መጥባሕቲ እኳ እንተተኻየደ፡ እቲ መንሽሮ ሙሉእ ብምልእ ምጥፍኡ ንመፍላጥ ግን ጌና ጊዜ ከም ዝሓትት'ዮም እቶም ክኢላታት ዝዛረቡ።
ተዓዋቲ ሽልማት ሙዚቃ ዝኾነ ማንዚኒ፡ ብዝተገብረሉ ኩሉ ሓገሱ ወሰን ከም ዘይብሉን ኣብ ቀረባ ሓውዩ ናብ ስሩዕ ሂወቱ ከም ዝምለስ'ዩ ተስፍኡ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

