ብመስተ ተሰኒፋ እንከላ ብዘካየደቶ መጥባሕቲ ሞት ዘስዓበት ሓኪም ተኣሲራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ብሪጣንያዊት ዘይሓላፍነታዊ መጥባሕቲ ብምፍጻም ንሞት ዘቃልዓታ በልጁማዊ ሓኪም፡ ንሰለስተ ዓመት ተኣሲራ።
ብሓሙስ ነቲ ጉዳይ ዝረኣየ ቤት ፍርዲ ፈረንሳ፡ ንጓል 51 ዓመት ሄልጋ ዋተርስ፡ ካብቲ ሞያ ኣጊድዋ ኣሎ።
ንሳ ብቕትለት ጓል 28 ዓመት ብሪጣንያዊት ሲንትያ ሃውክ ገበነኛ ኮይና ተረኺባ ኣላ።
ዋተርስ ነቲ ንምስትንፋስ ዝሕግዝ ቱቦ ኣብ ክንዲ ናብ ጒርጉማ፡ ናብ ሻሕለለ እታ ግዳይ ደፊኣ ከም ዘእተወቶ መርመርቲ ገሊጾም።
ንሳ ኣብቲ እዋን ብመስተ ተሰኒፋ ምንባራ'ውን ተገሊጹ።
ሲንትያ እንታይ'ዩ ኣጋጢምዋ?
ሲንትያ ኣብ መስከረም 2014 እያ ሕማም ሕርሲ ተታሒዛ ናብ ሆስፒታል ኦርተዝ ከተማ ፓው ተወሲዳ።
ሽዑ ዋተርስ 'ኤፒዱራል' ዝበሃል ኣብ ሕርሲ ንቃንዛ ዓንዲ ሕቆ ዝሕግዝ መርፍእ ወጊኣታ፤ እንተኾነ ኣብ ሕርሲ ጸገም ስለ ዘጋጠመ ህጹጽ መጥባሕቲ ኣድላዪ ኮነ።
ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ዘለዋ: መዓልታ ብቮድካን ማይን ከም እትጅምር እትገልጽ ዋተርስ፡ ሃንደበት ናብቲ ሆስፒታል ክትጽዋዕ ከላ፡ ሓደ ብርጭቆ ወይኒ ሰትያ ምንባራ ተዛሪባ።
ንሳ ናብቲ ሆስፒታል ኣብ ዝመጸትሉ እዋን ሽታ ናይ መስተ ከም ዝነበራ፡ ሓደ ምስክር ሓቢሩ። ናብ ቀይዲ ኣብ ዝኣተወትሉ፡ ኣብ ደማ ዝነበረ መጠን ኣልኮል 2.38 ግራም ኣብ ሓደ ሊትሮ ማለት ከባቢ 10 ጠርሙዝ ወይኒ ምንባሩ ተገሊጹ።
ብዘይካ'ዚ እታ ጓል 51 ዓመት ኣብ ክንዲ ቬንቲሌተር ናይ ኦክስጅን ማስክ ምጥቃማ'ውን ይግለጽ። ንሳ ነቲ ስራሕ ካብ እትጽምበሮ ክልተ ሰሙን ጥራሕ እያ ገይራ ነይራ።
እታ መጥባሕቲ ዝግበረላ ዝነበረ ሲንትያ ኣብ መንጎ እቲ መጥባሕቲ ተበራቢራ "የቐንዙ እዩ" እናበለት ከተምልስ ከም ዝጀመረት መሰኻኽር ገሊጾም።
ወቕዒ ልቢ ዘጋጠማ ሲንትያ፡ ድሕሪ እቲ መጥባሕቲ ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልትታት ህይወታ ሓሊፉ፤ እቲ ዝተወለደ ህጻን ግና ብህይወት ኣሎ።
ቤትፍርዲ ከተማ ፓው ፈረንሳ፡ ዋተርስ ነቲ ኣብ ልዕሊ ስድራቤት ሲንትያ ዘውረደቶ ጉድኣት 1.4 ሚልዮን ዩሮ ክትክሕስ በዪኑ።
በዓልቤታ ያኒክ ባልታዛር ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ፍትሒ፡ ነቶም ከምዚ ዝኣመሰሉ ሓካይም፡ ሓኪም'ውን ኣይብላን፡ ጽቡቕ ኣብነት እዩ" ኢሉ።
ዋተርስ ብሰንኪ ዘለዋ ወልፊ ኣልኮል እያ ካብ ሓደ ሆስፒታል ቤልጅዩም ካብ ስርሓ ተባሪራ ናብ ፈረንሳ ግዒዛ።








![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

