እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
50 ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ክኸዱ ምዃኖም ከምዝተነግሮም ቦሪስ ጆንሰን ገሊጹ
ኣብ ብሪጣንያ 50 ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ክኸዱ ምዃኖም ከምዝተነገሮም ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ቦሪስ ጆንሰን ገሊጹ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ጋዜጣ ደይሊ መይል ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ መንግስቲ፡ ከቢድ ሕጋዊ ተቓውሞ ከጋጥሞ ከምዝኽእልን ክቃለሶ ምዃኑን ኣረዲኡ።
ምልኣኽ እቶም ስደተኛታት ኣካል ናይቲ ኣዘራራቢ ኮይኑ ዘሎ ውጥን ዳግመ ምጥያስ መንግስቲ ብሪጣንያ እዩ።
ብመሰረት እቲ ኣብ መንጎ መንግስታት ብሪጣንያን ርዋንዳን ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ብሪጣንያ ኣትዮም ዝተብሃሉ ሰባት ሕቶ ዑቕባኦም ንምርኣይ ናብ ርዋንዳ ክለኣኹ እዮም።
እቲ ፖሊሲ ሓያል ተቓውሞ ኣለዓዒሉ እዩ።
ካብ መንጎ እቶም ነቲ ፖሊሲ ዝነቕፍዎ 160 ትካላት ግብረሰናይ፡ ሊቀ-ጳጳሳት ካንተርበሪ፡ ተቓወምቲ ሰልፍታትን ቀዳመይቲ ሚኒስተር ነበር ተረዛ መይ እትርከቦም ገለ ኣባላት ዓቃባዊ ሰልፍን ይርከብዎም።
ንሳቶም ብሓባር ብምዃን ናይ ስነ-ምግባር፡ ሕጋውነት፡ ገንዘባዊ ወጻእን ውጽኢታውነት እቲ ፖሊሲን ዝምልከት ሕቶታት ኣልዒሎም ኣለው።
ድሮ ብዙሓት ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ከይለኣኹ ብምስጋእ ክሕብኡ ከምዝጀመሩ ትካላት ረድኤት ሓቢረን።
ብዘይካ'ዚ ገሊኦም ኣብ ገዛእ ርእሶም ጉድኣት ንምፍጻም ይድርኾም ከምዘሎ ክግለጽ እንከሎ፣ ሓደ ስደተኛ ርእሰ ቅትለት ንምፍጻም ከምዝፈተነ ማሕበራት ቀይሕ መስቀልን 'ረፊዩጂ ካውንስልን' ሓቢሮም።
ብመትረብ እንግሊዝ ብነኣሽቱ ጀላቡ ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ዝግበር ፈተነታት ቀጺሉ ኣሎ። ካብ 2-8 ግንቦት ኣብ ዝነበረ ሰሙን ኣስታት 792 ስደተኛታት ከምዝሰገሩ መንግስታዊ ጸብጻባት የርእይ።
ቤትጽሕፈት ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ፡ ኣብ መጀመርታ ናይ'ዚ ሰሙን፡ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ጉጅለ ናብ ርዋንዳ ዝለኣኹ ሰባት ክነግር ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ። ገለ ካብኣቶም ብመትረብ እንግሊዝ ዝሰገሩ ከምዝኾኑ እቲ ቤትጽሕፈት ገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ጆንሰን፡ እቶም 50 ሰባት ከምዝተነገሮም ገሊጹ።
እቶም ሰባት ተቓውሞታቶም ንከቕርቡ ካብ ሸውዓተ ክሳዕ 14 መዓልቲ ኣለዎም።
እቲ ውጥን ሕጋዊ ተቓውሞ ከጋጥሞ ትጽቢት ይግበር። ጸሓፊት ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ እቲ ተቓውሞ ነቲ መስርሕ ከጓትቶ እምበር ደው ከብሎ ከምዘይኽእል ተዛሪባ።