ስደት፡ ናብ ርዋንዳ ምምላስ ዘስግኦም ሓተትቲ ዑቕባ ብሪጣንያ ይሕብኡ ኣለው

Published

ኤጀንሲታት ሰብኣዊ ሓገዝ፡ ኣብ ብሪጣኒያ ዝርከቡ ብርክት ዝበሉ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ርዋንዳ ከይስደዱ ብምስጋእ ይሕብኡ ከም ዘለው ገሊጾም።

መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ገለ ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ርዋንዳ ኮይኖም ጉዳዮም ክከታተሉ ናብታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ክወስዶም ትልሚ ከም ዘለዎ ተገሊጹ ነይሩ፡፡

በዚ መሰረት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ መንግስታት ብሪጣንያን ርዋንዳን ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ዓዲ ኢንግሊዝ ኣትዮም ዝተባሃሉ ስደተኛታት ሩዋንዳ ንክትቕበሎም ዘኽእል ስምምዕ ከም ዝፈረሙ ይዝከር።

ብመሰረት እቲ ውዕል መጻብቦ ኣቋሪጾም ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ሓዳር ዘይብሎም ሰብኡት ብሓይሊ ክውሰዱ ከም ዝኽእሉ ዝተለጸ ኮይኑ፡ እቶም ስደተኛታት ርዋንዳ ክበጽሑ ዘኽእሎም ናይ ሓደ እግሪ ቲኬት ነፋሪት ክወሃቦም ምዃኑ ተገሊጹ'ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 28,526 ሰባት ብኣናእሽቱ ጀላቡ ንብመትረብ እንግሊዝ ብምቁራጽ ናብታ ሃገር ኣትዮም፤ ኣብ 2020 እቲ ቑጽሪ 8,404 ጥራሕ እዩ ነይሩ፡፡

ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ካውንስል ስደተኛን ግን በዚ ስግኣት ዝሓደሮም ሓተትቲ ዑቕባ ክሳብ ዓርሶም ምጉዳእ ከም ዘብጽሑ [ሓደ ስደተኛ ነፍሰ ቕትለት ከም ዝፈተነ ብምግላጽ] ሓቢሮም።

እቶም ትካላት ገበርቲ ሰናይ እዚ መንግስቲ ብሪጣኒያ ዘውጽኦ መደብ፡ ንስደተኛታት ሓለዋ ናይ ምግባር ግዴታ ዝጥሓሰ'ዩ ክብሉ ነቒፎም።

ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣኒያ ብወገኑ ዝኾነ ስደተኛ ዓርሱ ንከይጎድእ ወይ ነፍሰ ቕትለት ከይፍጽም ንምክልኻል ኩሎም መስርሓት ከም ዝትግብር ገሊጹ።

እዚ ፖሊሲ ዘይሕጋዊ ኣስገርቲ ሰባት ንምድኻም ክሕግዝ እዩ ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎ'ውን ሓቢሩ።

ይኹን'ምበር፡ ብርክት ዝበሉ ትካላት ተሓለቕቲ ስደተኛታትን ፖለቲከኛታትን ዓዲ ኢንግሊዝ ነቲ ፖሊሲ "ጨካን" ብምባል ክገልጹዎ እንከለው፡ መንግስቲ ደጊሙ ክሓስበሉ ጸዊዖም'ዮም።፡

ብመሰረት እቲ ውዕል፡ መንግስቲ ርዋንዳ ኣብ መጀመርታ 120 ሚልዮን ፓውንድ ክኽፈሎ እዩ፤ ተቓወምቲ ግና ዓመታዊ ወጻኢ ናይቲ ሙሉእ መደብ ኣዝዩ ገዚፍ ከም ዝኾነ ይሕብሩ፡፡

እቲ ውጥን ብኸመይ እዩ ክትግበር?

  • እቲ ውጥን ብቐንዱ፡ ብጀላቡን ዓበይቲ መካይንን ተጻዒኖም ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተው'ሞ ዘይምርዑዋትን ደቂ ተባዕትዮን ዘተኩር እዩ
  • እቶም ብኸምዚ ኣገባብ፡ ካብ ባሕቲ ጥሪ ኣትሒዞም ዝኣተው፡ ናብ ርዋንዳ ክስደዱን ኣብኡ ኰይኖም መስርሕ ምሕታት ዑቕባ ክከታተሉን እዮም
  • ጉዳዮም እናተራእየ ኸኣ፡ መንበሪን ዝተፈላለየ ሓገዛት ክግበረሎምን፣ ካብን ናብን ግዚያዊ መዕረፊኦም ድማ ናይ ምንቅስቓስ መሰልን ክሕለወሎም እዩ
  • ሕቶ ዑቕባኦም ተቐባልነት እንተረኺቡ ድማ፡ ኣብ ርዋንዳ "ሓድሽ ሂወት" ንኽጅምሩ ሓገዝ ክግበረሎምን፡ ክሳብ ንሓሙሽተ ዓመት ዝቕጽል ዕድል ትምህርትን ሓገዝን ክግበረሎም ምዃኑ'ውን ብሪጣንያ ኣፍሊጣ'ላ
  • እቶም ሕቶኦም ዝተነጽገ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ኣብ ርዋንዳ ንኽጸንሑ ክሓቱ ካልእ ዕድል ክወሃቦም እዩ። ወይ ከኣ ናብ ቀንዲ ሃገሮም ክምለሱ ወይ መንበሪ ፍቓድ ክትህቦም ናብ እትኽእል ካልእ ሃገር እንተላ ንኽኸዱ ዕድል ክወሃቦም እዩ
  • መንበሪን ገለ ሓገዛትን ክግበረሎም፣ ካብቲ ግዝያዊ መዕረፊኦም ከኣ ብናጻ ናይ ምንቅስቓስ መሰሎም ክረጋገጽ እዩ
  • ቀዳማይ ጕጅለ 'ዞም ሓተቲ ዑቕባ፡ ኣብዚ ዝስዕብ ሒደት ሳምንቲ ጕዕዞ ክጅምሩ ምዃኖም ብሪጣንያ ኣፍሊጣ'ላ