እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ፡ ስደተኛታት ከድሕን ሂወቱ ዝሰኣነ ኣባል ሓለዋ ዶብ ኢቫንስ
ስደተኛታት ከድሕን ኣብ ዝተፈተነሉ ሃለዋቱ ጠፊኡ ዝቐነየ ኣባል ሓለዋ ዶብ ኣሜሪካ ዝዀነ ቢሾፕ ኢቫንስ ኣብ ዶብ ሜክሲኮ ሞይቱ ተረኺቡ።
እቲ ወዲ 22 ዓመት ኢቫንስ፡ ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ኣብ ቴክሳስ ሪዮ ግራንድ ኣብ ዝበሃል ቦታ ድሕሪ ምርኣዩ'ዩ ጠፊኡ ዝቐነየ።
እቶም ክልተ ስደተኛታት፡ ብህይወት ከም ዝተረፉን፡ ብኡ ንብኡ ኸኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝተወስዱን ተፈሊጡ'ሎ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝዀኑ ስደተኛታት፡ ንቐይድን ምብራርን ተቓሊዖም ከም ዘለው ጸብጻባት የመልክቱ።
እዚ ኸኣ ኣብ 20 ዓመት እቲ ዝለዓለ ዝተመዝገበ ቍጽሪ ስደተኛታት እዩ።
ኣመሓዳሪ ግዝኣት ቴክሳስ ግረግ ኣቦተ፡ ሞት ኢቫንስ "ልቢ ዝሰብር" ክብል ገሊጽዎ።
"ወተሃደራትና፡ ምእንቲ ድሕነትን ኣገልግሎትን ካልኦት መዓልታዊ ህይወቶም ይኸፍሉ ኣለው፤ ኢቫንስ ከኣ ንሃገሩን ኣሜሪካን ግዝኣት ቴክሳስን ብዝገበሮ ጅግንነትን ኣገልግሎትን ንዘልኣለማዊ ብኽብሪ ንዝክሮ" ኢሉ።
ኣባላት ዶብ፡ ነቲ ካብ ግንቦት 2019 ኣትሒዙ ኣባል፡ ሓለዋ ዶብ ዝዀነን፡ ቅድም ኢሉ ኸኣ ኣብ ኩዌትን ዒራቕን ንሃገሩ ዘገልገለን ኢቫንስ ኣብ ጽዑቕ ድልያ ከም ዝቐነዩ ሰበስልጣን ወተሃደራዊ ክፍሊ ቴክሳስ ገሊጾም።
ዝሓለፈ ቀዳም፡ ዝጀመረ መስርሕ ምድላይ ኢቫንስ ብሰንኪ ሽዑ ዝወዓለ ብርቱዕ ማዕበል ከም ዝተቛረጸን፤ ሰኑይ ንግሆ እንደገና ከም ዝጀመረን ተገሊጹ'ሎ።
ኢቫንስ፡ ብኣመሓዳሪ ግረግ ኣቦተ፡ ዝሓለፈ ዓመት፡ 'ሎን ስታር' ኣብ ዝተሰምየ፡ 'ስርሒት ጸጥታ ዶብ' ተመዲቡ እዩ ክሰርሕ ጸኒሑ።
እዚ ስርሒት፡ ቢልዮናት ዶላራት ዝተሰልዓሉ፡ ኣሽሓት ወተሃደራት ዝተዋፈሩሉን፡ ነቲ ኣስታት 2 ሽሕ ኪሎ ሜትር ዝዝርጋሕ ዶብ ኣሜሪካን ሜክሲኮን ንምጽናዕ ዝተበገሰ ፍሉይ ስርሒት እዩ።
ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ከም ዝገለጽኦ፡ ኢቫንስ፡ ጃኬቱን ሒዝዋ ዝነበረ ራድዮ ርክብን ኣብቲ ደንደስ ኣቐሚጡ እዩ፡ ነቶም ኣብ ጭንቂ ዝነበሩ ክልተ ስደተኛታት ንምድሓን ናብቲ ቀላይ ዘሊሉ ዝኣተወ።
ወተሃደራዊ ኣሃዱ ቴክሳስ፡ እቶም ክልተ ስደተኛታት "ኣብ ምስግጋር ዘይሕጋዊ ዕጸ ፋርስ ተዋሪሮም ነይሮም" ብኡ ንብኡ ድማ ናብ ቤት ማእሰርቲ ምክትታል ዶባትን ቀረጽን ኣሜሪካ ተወሲዶም ክብል ኣፍሊጡ።
ኣብ ታሕሳስ ዝወጽአ ጸብጻብ ኣህጉራዊ ትካል ስደተኛታት፡ ኣብ 2021 ጥራይ፡ ብውሑዱ 650 ስደተኛታት ዶብ ክሰግሩ ከም ዝሞቱ ይግምት።
እዚ መጠን-ሞት ስደተኛታት ድማ ምስቲ ካብ 2014 ኣትሒዙ ክግበር ዝጸንሐ ጸብጻባት ብምንጽጻር እንክርአ፡ እቲ ዝዓበየ ምዃኑ ተፈሊጡ።
ሰበስልጣን ምክትታል ዶብ ኣሜሪካ ከም ዝገልጽዎ፡ ጠንቂ ሞት ስድተኛታት መብዛሕትኡ ልዑል ምቘት እዩ።
ኣብ ርእሲ'ዚ ድማ፡ ኣብ ሰሙን ብውሑዱ ክልተ ሰገርቲ ስደተኛታት ጠሊቘም ከም ዝሞቱ'ውን እቶም ሰበስልጣን ይገልጹ።
ኣሃዛዊ ጸብጻብ ኣሃዱ ምክትታል ዶብን ቀረጽን ከም ዝእምቶ፡ ኣብ መጋቢት ጥራይ 209,000 ሰገርቲ ኣብ ዶብ ተታሒዞም።
እዚ ድማ ነቲ ቝጽሪ እሱራት ስደተኛታት ኣብዚ ሽዱሽተ ወርሒ ጥራይ ናብ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ኣደይብዎ'ሎ።
እቶም ሰበስልጣን ከም ዘጠንቅቕዎ፡ ቅድሚ 'ቲ ብ 'ዓንቀጽ 42' ዝፍለጥ፡ ብሰንኪ ለበዳ ሕማም ኮሮና ዝዘለቐ ምስጓግ ስደተኛታት ዘብቅዓሉ ግዜ፡ ቁጽሪ ሰገርቲ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 18,000 በጺሑ'ሎ።
እቲ ዝዘለቐ ሕጊ፡ ዝመጽእ 23 ግንቦት ከብቅዕ እዩ።