ኢትዮጵያ፡ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ፖለቲከኛ በረከት ስምኦን ኣድማ ምሕሳም ምግቢ የካይድ ከምዘሎ ተገሊጹ

በረከት ስምኦን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ሚኒስተር ዜና ሓዊሱ ኣብ ዝፈላለዩ ሓላፍነታት መንግስቲ ዘገልገለን ኣብዚ እዋን ኣብ ቤት ማእሰር ዝርከብን ኣቶ በረከት ስምኦን ምግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ የካይድ ከምዘሎ ተገሊጹ፡፡

ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ኣምሓራ ባህርዳር ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከብ ኣቶ በረከት፡ ኣድማ ምሕሳም ምግቢ ከምዝጀመረ ምንጭታት ንቢቢሲ ተዛሪቦም፡፡

ምኽንያት እቲ ካብ ትማሊ 7 ሚያዝያ 2014 ዓ/ም ዝጀመሮ ኣድማ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣዲስ ኣበባ ክቕየር ዘቕረቦ ሕቶ ንኣዋርሕ ምላሽ ብዘይምርካቡ ከምዝኾነ እቶም ምንጪታት ሓቢሮም፡፡

ኮምሽን ኣብያተ ማእሰርቲ ክልል ኣምሓራ ብወገኑ ኣቶ በረከት ኣድማ ምሕሳም ምግቢ ብዛዕባ ምግባሩ ሓበሬታ ከምዘይብሉ ኣፍሊጡ፡፡

ኣቶ በረከት፡ ካብቲ ዝተፈረዶ ናይ ሽዱሽተ ዓመታት እስራት ሓደ ሲሶ ምስ ወደአ፡ ብኣመክሮ ክፍታሕ ሓቲቱ ነይሩ፡፡

ኣቶ በረከት ምግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ ከምዝጀመረ ምስማዓ እትገልጽ በዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ኣሲ ፈንቴ፡ ነቲ ስጉምቲ ምውሳዱ ስግኣት ከምዝፈጠረላ ንቢቢሲ ተዛሪባ፡፡

በዓል ቤታ ሕማም ልቢ ከምዘለዎ ዝገለጸት ወ/ሮ ኣሲ፡ ብጥምየት ዝገደደ ሓደጋ ከይበጽሖ ቤተሰቡ ስግኣት ከምዝሓደሮም ንቢቢሲ ተዛሪባ፡፡

‘‘መጀመርታ ጉዳዩ ክርእዮ ዝነበሮ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ቤት ፍርዲ እዩ፡፡ ሐዚ ድማ ስለዝተፈረዶ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተዛዊሩ ክእሰር ሕቶ እናቕረበ ነይሩ፡፡ ኣነ ኾንኩ ደቅና ናብ ባህርዳር እናተመላለስና ክንሓቶ ዓቕምና ኣብዘይፈቅድ ደረጃ በጺሕና ኣለና’’ ኢላ፡፡

ንክልል ኣምሓራ የመሓድር ኣብ ዝነበረ ውድብ ብኣዴን ብዝነበሮ ዓብዪ ተራ ዝፍለጥ ኣቶ በረከት፡ ኣብ 2010 ዓ/ም ብድልየቱ ካብ ስልጣን ክሳብ ዝለቅቕ ብውሑድ ኣብ ሽዱሽተ ዓበይቲ ሓላፍነታት ኣገልጊሉ እዩ፡፡

ብፍላይ ኣብቲ ኣብ 1997 ዓ/ም ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ዝግበሩ ዝነበሩ ክርክራትን ድሕሪ እቲ መረጻ ኣብ ዝነበረ ናዕብን ቀንዲ ገጽ እቲ ማእከላይ መንግስቲ ነይሩ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስመጸ ግና ውድብ ብኣዴን ንኣቶ በረከት ካብ ኣባልነት ክእግዶ እንከሎ፡ ብብልሽውና ተጠርጢሩ ካብ ዝነብረሉ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናብ ክልል ኣምሓራ ተወሲዱ፡፡

ድሕሪ እዚ ኣቶ በረከት፡ ብኣመክሮ ክፍታሕ ንቤት ፍርዲ ዘቕረቦ ሕቶ ምላሽ ከምዘይረኸበ በዓልቲ ቤቱ ተዛሪባ፡፡

መሰል ኣመክሮ ዘይፍቀደሉ ናይ ስነ ምግባር ጉድለት ንዘለዎ እሱር ጥራሕ ከምዝኾነ እትገልጽ ወ/ሮ ኣሲ፡ በዓል ቤታ ዝኾነ ዓይነት ጉድለት ኣብዘይብሉ ንካልኦት ዜጋታት ዝወሃብ መሰል ምኽልካሉ ከምዘሕዘና ገሊጻ፡፡

ምስ ኣቶ በረከት ተኣሲሩ ዝጸንሐ ካልእ ኣባል ብኣዴን ነበር ኣቶ ታደሰ ካሳ ብምኽንያት ከቢድ ሕማም ልቢ ቅድሚ ሓሙሽተ ወርሒ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምኻዱን ኣቶ በረከት ንበይኑ ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ምጽንሑን ምኽንያት እቲ ኣድማ ምሕሳም ምግቢ ከምዝኾነ በዓልቲ ቤቱ ሓቢራ፡፡

‘‘ክሳብ ሕዚ እዚ ጸገም ብመንግስቲ እቲ ክልል ክፍታሕ እዩ ብዝብል፡ እታ ሃገር ዘላቶ ኩነታት ስለዝፍለጥ ብትዕግስቲ ተጸቢና ኢና፡፡ ዝተፈላለዩ ደብዳበታትን ዝርርባትን እኳ እንተተገበሩ ምላሽ ብዘይምርካብና ኣብዚ እዋን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ክፈልጦ ገይርና ኢና’’ ክትብል ወሲኻ፡፡

ኮምሽነር ኮምሽን ኣብያተ ማእሰርቲ ክልል ኣምሓራ ኮማንደር ኣባይነህ በላይ ብወገኑ፡ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ሓበሬታ ከምዘይብሉን ኣጻርዩ ምላሽ ከምዝህብን ተዛሪቡ፡፡

ኣቶ በረከት ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዝርከብ እምበር መግቢ ናይ ምሕሳም ኣድማ የካይድ ብዛዕባ ምህላዉ ዝተፈለየ ሓበሬታ ከምዘይብሉ እቲ ኮምሽነር ንቢቢሲ ገሊጹ፡፡

ቢቢሲ ኣብዚ ጉዳይ ካብ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ መብርሂ ንምርካብ ዝገበሮ ፈተነ ንግዚኡ ኣይሰመረን፡፡