ኲናት ኢትዮጵያ፡ " ኣካላዊ 'ምበር፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ሃስያ ስለዘይበጽሐኒ ተመስገን እየ ዝብል"

ወ/ሮ አስቴር
መግለጺ ስእሊ, ወ/ሮ አስቴር
Published

ኮምቦልቻ፡ እቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሓይልታት ትግራይ እያ ኣሕሊፋቶ። ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ደጊሙ ካብ ዝቆፃፀራ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ተቖፂሮም ኣለው።

ኣብዚ ሕዚ ሰዓት እታ ከተማ ካብቲ ተዘክሮታት እቲ ኵናት ንምውፃእ ትፅዕር ኣላ። ምንቅስቓስ ህዝብን መጓዓዝያን ከምኡ'ውን ኣገልግሎት ትካላት፡ ነታ ቅድሚ ኵናት ዝነበረት ድምቕቲ ኮምቦልቻ ንምምሳል ይፅዕሩ ኣለዉ።

ኣብ ሕልናን ኣካልን ሰባት ዝተቐረፀ በሰላ እቲ ኵናት ግና ሕዚ'ውን ምስቶም ግዳያት'ዩ ዘሎ።

ወይዘሮ ኣስቴር ካብ ሞንጎ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ዝነብሩ ሰባት ሓንቲ ኮይና ዛንታኣ ንቢቢሲ ኣምሓርኛ ኣካፊላ ኣላ።

ኣይተ ገሰሰ፡ ኣብ ልዕሊ ወይዘሮ ኣስቴር* ዝተፈፀመ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ ዘርእይ ብመልክዕ ኣልበም ዝተሰነደ ስእሊ ኣርእዮምና።

እዚ ስእሊ፡ ወይዘሮ ኣስቴር ብጥይት ካብ ዝተወቐዐትሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ክትትል ሕክምና ክሳብ ዝነበረትሉ ግዘ ዝተወሰደ እዩ።

ሰለስቲኦም ጠያይቲ፡ ኣብ ትሕቲ ደረታ ኣብ ዘሎ ክፍሊ ሰብነታ ዝዓረፉ እንትኾኑ፡ ነቲ ስእሊ ንምርኣይ እውን ኣዝዩ ዘስካሕክሕ እዩ። ብግዲ፡ ምስ በዓልና እናተቓለስና ግና ነቲ ስእሊ ርኢናዮ።

ኣብ ቅድሜና ደው ዝበለት ሰበይቲ፡ ካብቲ ዘስካሕክሕ ቁስሊ ሓውያ፡ ኣብዚ ብርኪ ምብጽሓ የገርም።

ወይዘሮ ኣስቴር፡ ሓይልታት ትግራይ ንኮምበልቻ ምስ ተቖፃፀሩ "ኣብ ካልኣይ ወይ ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ መጥቃዕቲ ከምዝተፈፀማ" ትገልፅ።

23 ጥቅምቲ 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ ኣብ ሂወታ ሕማቕ ዝበሃል በሰላ ከምዝተፈፀማ'ያ ትዛረብ። "ሰዓት ሸውዓተ ናይ ለይቲ፡ ማዕፆ ገዛና ብምንኩሕኳሕ 'ክፈቱ' ኢሎምና" ትብል ወይዘሮ ኣስቴር፡ "ንጓል 11 ዓመት ጓላ ክዕምፁለይ'ዮም ኢላ" ብምሕሳብ "ማዕፆ ኣይከፍትን" ከምዝበለት ትዛረብ።

ወይዘሮ ኣስቴር ኣብ ኮምቦልቻ ማእኸላይ ሆቴል ኣለዋ፤ መንበሪ ገዝኣ'ውን ኣብ ፊትንፊት ሆቴላ እዩ። ኣብቲ እዋን ምስ በዓል ገዝኣን ጓል 11 ዓመት ጓላን ደቂሳ ነይራ።

ኣብቲ ሆቴል ዘሳስያ ኣርባዓተ ደቂኣንስትዮ ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ ሆቴል ነይረን። ወይዘሮ ኣስቴር "ሓይልታት ትግራይ ነዘን መሳሰይቲ ንምዕማፅ'ዮም ማዕፆ ንኽኸፍት ሓቲቶምኒ" ትብል።

"'ክትኵስ?' ምስ በለኒ፡ 'ተኵስ'ምበር ኣይከፍትን' ኢለዮ። እቶም ወተሃደራት ግና ኣፈራሪሖም ሱቕ ኣይበሉን። ኣከታቲሎም ተኵሶም። ሻቡ ተወቒዐ ጓለይ ሓደራ ኢለ ወዲቐ። ብድሕሪኡ ዝኾነ ኣይፈልጥን" ትብል ኣስቴር።

እቲ ዝተተኮሰ ጥይት ኣብ ወይዘሮ ኣስቴር ጥራሕ ኣይዓረፈን፤ ኣብ እግሪ ጓል 11 ዓመት ውላዳ'ውን ዓሪፉ። ሓቢርዋ ዝነበረ በዓል ገዝኣ ግና ብጥይት ኣይተወቕዐን።

በጥይት የተመታ በር
መግለጺ ስእሊ, በጥይት የተመታ በር

በዓል ገዝኣ ኣይተ ገሰሰ፡ ሓይልታት ትግራይ "ንወይዘሮ ኣስቴር ምስ ወቕዑ ናብቲ ሆቴል ብምምራሕ ማዕፆ ሰይሮም ኣትዮም፤ ንኣሳሰይቲ እቲ ሆቴል ከይዕምፁ ተማሕፂነ" ይብል።

"ኣይኮነን ነተን ቆልዑ ከትርፍ ንባዕለይ'ውን ብብረት ርእሰይ ቀጥቂጦምኒ" ብምባል ነቲ ኩነታት የረድእ።

"ነተን ቆልዑ ከድሕነን ስለዘይኸኣልኩ፡ ንበዓልቲ ገዛይ ንምድሓን ኣማራፂ ክደሊ ነይሩኒ" ብምባል፡ ሓይልታት ትግራይ ናብ ዝርከብሉ ክፍሊ ሕክምና ዩኒቨርሲቲ ወሎ ካምፓስ ኮምበልቻ ከይደ ይብል።

ኣብ ልዕሊ በዓልቲ ቤቱ ዝበፅሐ ጉድኣት ምስ ኣረድእ 'ሒዝካያ ንዓ' ዝብል መልሲ ረኺቡ። በዓልቲ ቤቱ ከድሕን ብቕልጡፍ ባጃጅ ኣልዒሉ ናብ መንበሪ ገዝኡ ተበጊሱ። ኣብ ገዛ ግና ኣይበፅሐን፤ ኣብ መገዲ እታ ባጃጅ ተገልቢጣ። ንሱ ግና ኣይተጎድአን።

ባጃጅ ካብ ምውሳድ መኪና ሒዙ ምኻድ ይኽእል'ኳ እንተነበረ፡ መኪንኡ ስለዝተወሰደት ግና እታ ዝተረፈት ባጃጅ ክጥቀም ከምዝተገደደን ንሳ'ውን ከምዝጠለመቶ ይዛረብ።

ድሕሪኡ ናብ መሓዝኡ ከይዱ መኪና ብምልማን፡ ንበዓልቲ ቤቱ ናብ ኮምቦልቻ ካምፓስ ሒዝዋ ከይዱ። ኣብኡ ከይዱ ግና ኣይቀንዖን። "ሕዚ ኣብ ከባቢ ባቲ ፀገም ኣጋጢሙና ሓኻይም ናብኡ ስለዝኸዱ ክንሕግዘካ ኣይንኽእልን" ከምዝተብሃለ ዝገልፅ ኣይተ ገሰሰ፡ ንቁስሊ በዓልቲ ቤቱ ብኢዱን ብጨርቅን ደጊፉ ናብ ገዝኡ ተመሊሱ።

ኣይተ ገሰሰ ድሕሪ እዚ ዘፀገም ውሳነ ንምውሳን እዩ ተገዲዱ።

ብሰንኪ እቲ ኵናት ማእኸላት ሕክምና ኮምቦልቻ ከቢድ ጉድኣት ከምዝበፅሐንን ሰራሕተኛታት ከምዘይነበሩን'ዩ ዝዛረብ።

ናብ ካልእ ቦታ ከይድካ ምሕካም'ውን ዘይሕሰብ'ዩ። እንተኾነ ኣይተ ገሰሰ ሂወት በዓልቲ ቤቱ ንምትራፍ ዕድሉ ክፍትን ነይርዎ።

"ብሰለስተ ጥይት ተወቒዑ ዝተንጠልጠለ ክፍሊ ሰብነት በዓልቲ ቤቱ ብዘይ ገለ መደንዘዚ ንምስፋይ ወሲኑ። ናይ ሕክምና ፍልጠት እንከይነበሮ፡ ነቲ ዝተንጠልጠለ ስጋ ናብ ሓደ ኣኪቡ ብምስፋይ፡ ነቲ ዝፈስስ ደም ደው ከብሎ ከምዝኽእል ብምእማን ንሰብነታ ሰፍይዎ"፡ ሻቡ ኣብ ኣልበም ዘቐመጦ ስእሊ ድማ ንዓና ኣርእዩና።

ኣይተ ገሰሰ ብዘይ ሞያዊ ሓገዝ ዝሰፈዮ ሰብነት በዓልቲ ቤቱ ረኽሲ ፈጢሩ።

ናብ ሆስፒታል ወሲድዋ፤ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ንወይዘሮ ኣስቴር ሓኪሞማ።

ኣብቲ ሆስፒታል ንተኸታታሊ ሓሙሽተ መዓልታት ዓራት ንክትሕዝ ብምግባር ድማ ሕክምናዊ ክትትል ገይሮምላ። እንተኾነ ጉድኣት ወይዘሮ ኣስቴር ከቢድ ስለዝነበረ፡ ሓኻይም ናብ መቐለ ከይዳ ተወሳኺ ሕክምና ክትረክብ ሓቢረሞም።

ወይዘሮ ኣስቴር "ክድሕን እደሊ ስለዝነበርኩ፡ ተሰማሚዐ" ትብል። በዓል ቤታ ግና "ኣብዚ ምስ ዘመድ በኽየ ክቐበብረኪ እምበር ናብ መቐለ ኣይትኸድን" ኢሉ።

ሰብኣይን ሰበይትን ዋላ'ኳ ብሓሳብ እንተዘይተሰማምዑ፡ ናይ ኣይተ ገሰሰ ሓሳብ ስዒሩ፡ ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልታት ወይዘሮ ኣስቴር ናይ መቐለ ጉዕዞ ብምስራዝ፡ ናብ ገዝኣ ተመሊሳ።

ድሕሪ ሓደ ወርሒ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ንከተማ ኮምቦልቻ ተቖፃፂሩ። "ከመይ ከምዝተልዓልኩ ኣይፈልጥን። እቲ ፀልማት ወጊሑ ኢለ፡ ሃንደበት ካብ ዓራተይ ተላዒለ ደው ኢለ" ብምባል ነቲ ካልኣይ ተፈጢረ ዝበለትሉ መዓልቲ ትዝክር።

ወይዘሮ ኣስቴር ብወርሒ 80 ሽሕ ብር ዝካረይ መኪናኣ ከምዝተወሰዳ፣ ሆቴላ ከምዝዓነወን 80 ግራም ወርቃ ከምዝተዘመተን እያ ትገልፅ።

ወይዘሮ ኣስቴር ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ንኮምበልቻ ምስተቖፃፀረ ዳግማይ መጥባሕቲ ሕክምና ተጌሩላ እዩ።

ህይወት ከምቲ ዝነበረ እንተዘይኮነ'ውን ወይዘሮ ኣስቴር ጥዕንኣ ካብ ምምላስ ብተወሳኺ መመሓደሪኣ ዝነበረ ሆቴላ ንምንቅስቓስ ድፍእ ቅንዕ ትብል ኣላ።

"እቲ ዝኸደ ሃብቲ'ዩ፤ እቲ ዝበፅሓና ጉድኣት ኣካላዊ ስለዝኾነ ክሓዊ'ዩ። ስነ ልቦናዊ ጉድኣት ስለዘይበፅሐኒ ተመስገን እብል" ትብል ወይዘሮ ኣስቴር።

*ኣይተ ገሰሰወይዘሮ ኣስቴርን ንድሕነቶም ክበሃል ሓቃዊ ኣስማቶም ተቐይሩ እዩ።