እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ፡ ኣስታት 30 ሰዓብቲ ወንጌላውያን ኣብያተ-ክርስትያን ኣብ ቀይዲ ኣትዮም
ሰብመዚ ኤርትራ 29 ወንጌላውያን ኣመንቲ ኣብ ቀይዲ ከምዘእተዉ ምንጭታት ሓቢሮም።
እቶም ኣብ ርእሰከተማ ኣስመራ ዝተኣስሩ ኣመንቲ፡ ኣብ ናይ ብሕቲ ገዛ ክጽልዩ ስለዝተረኽቡ'ዮም ተኣሲሮም ዘለዉ።
እዞም ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ፡ 12 ደቂ-ተባዕትዮን 17 ደቂ-ኣንስትዮን ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ ቤት-ማእሰርቲ ማይ-ስሩዋ ተታሒዞም ከምዘለዉ እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ 2002 ሓያሎ ወጌላውያን ኣብያተ-ክርስትያን ድሕሪ ምዕጻዉ ንዝበዝሑ ካብ መራሕተን ብምእሳር ንሰዓብተን ከሳድድ ምጽንሑ ይፍለጥ።
እቲ ንዓዲ-ኣቤቶ ሕልፍ ኢልካ፡ ጸጋም ካብ ጽርግያ ከረን-ኣስመራ ዝርከብ ቤትማእሰርቲ ማይ-ስርዋ፡ ሓደ ካብቶም ብዙሕ ስቓያት ዝፍጸመሎም ዘስካሕክሑ መዳጎኒታት ኤርትራ ምዃኑ ግዳይ ማእሰርቲ ዝነበሩ ዜጋታት ይገልጹ።
ኣብ 2021 ንዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ዝነበሩ ኣመንቲ ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስትያን ተፈቲሖም ነይሮም'ዮም።
ቤት-ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ እዋናዊ ጸብጻብ፡ ኣተሓሕዛ ኩነታት ሰባዊ መሰላት ኤርትራ ምምሕያሽ ከምዘየርኣየ ጠቒሱ ነይሩ።
ፍሉይ ተኸታታሊ (ራፖርተር) ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኩነታት ሰባዊ መሰላት ኤርትራ፡ መሓመድ ዓብደልሰላም ባቢከር፡ ኣብ ህልው ኩነታት ኤርትራ ኣመልኪቱ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ "ኣብ'ታ ሃገር ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ዝኾነ ምምሕያሽ ምህላዉ ዘርኢ ምልክት ኣይረኸብናን" ብምባሉ ይዝከር።
"ኣብ ልዕሊ ድምጽታት ተቓውሞ ዝካየድ ስርዓታዊ ዓፈናታት ቀጺሎም ኣለዉ። መንግስቲ ናጽነት ምዝራብ፣ ሓሳብካ ምግላጽ፣ ምውዳብ ከምኡ'ውን ናጽነት ሃይማኖት ምድራቱ ደው ስለዘየበለ፡ ሲቪካውን ዲሞክራስያውን ሃዋህው ተዓጽዩ ይርከብ" ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ንዓመታት ኣብ ማሕዩር ዝነበሩ 3ይ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብ መበል 94 ዓመቶም ከምዝዓረፉ ይዝከር።
ኣብዚ ቀረባ እዋን መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ትካላት ሃይማኖት ዘካይዶ ጸቕጢ ብምቕጻል፡ ብካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝመሓደራ ትካላት ጥዕናን ኣብያተ-ትምህርትን ሃጊሩ'ዩ።
ሰበስልጣን ኤርትራ ብዛዕባ'ቲ ብቐጻሊ ዝቐርበሎም ክስታት ምግሃስ መሰላት፡ ንኤርትራ "ንምስይጣን" ብገለ ሃገራት ምዕራብ ዝተጠጀአ ኣጀንዳ'ዩ ብምባል'ዮም ክነጽግዎ ጸኒሖም።