እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኤርትራ ንነዊሕ እዋን ተኣሲሮም ዝጸንሑ ወንጌላውያን ኣመንቲ ተፈቲሖም
ኣብ ኤርትራ ንዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ዝነበሩ ኣመንቲ ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስትያን ከምዝተፈትሑ እሙናት ምንጭታት ሓቢሮም።
እቶም ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ሳምንታት ካብ ማእሰርቲ ዝተፈትሑ ሓንቲ ጓል-ኣንስተይቲ እትርከቦም 7 ሰባት ብሰንኪ እምነቶም ካብ 2 ክሳብ 9 ዓመታት ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ ከምዝኾኑ እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።
ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም'ውን ሓያሎ ተኸተልቲ እቲ እምነት ብተመሳሳሊ ምፍትሖም ይዝከር።
ኣብ ኤርትራ ተኸተልቲ እምነት ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስትያን ዝኾኑ ሰባት ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ከም ዝእሰሩን ሓሓለፎም'ውን ከም ዝፍትሑን ይግለጽ።
መንግስቲ ኣብ ግንቦት 2002 ወግዓዊ ኣፍልጦ ዝሃበን እምነታት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ፡ ካቶሊክ፡ ወንጌላዊት ሉተራዊትን ሱኒ እስልምናን ኮይነን ብዙሓት ሰዓብቲ ናይተን ካልኦት ዝተኣገዳ እምነታት ኣብ ቀይዲ ከምዝርከቡ ተሓለቕቲ ይገልጹ።
ሓያሎ ካብ መራሕቲ እተን ዝተኣገዳ ኣብያተ ክርስትያናት እውን ንኣስታት ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ብዘይ ዝኾነ ፍርዳዊ መስርሕ ተሰዊሪም ከምዘለዉ ጸብጻባት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት የመልክቱ።
ኣቕሽሽቲ ዝርከብዎም ሓያሎ መራሕቲ ሃይማኖት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርሰትያን'ውን ኣብ ቀይዲ ከምዝርከቡ ይግለጽ።
ብዘይካኦም'ውን፡ ካብ ድሕሪ ናጽነት ጀሚሩ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት፡ መምሃራን 'መሐሃድ' ተባሂለን ዝፍለጣ ብሃይማኖት ምስልምና ዝማሓደራ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዎም ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ዳርጋ ኩሎም ክሳብ ሎሚ ወግዓዊ ክሲ ከምዘይቀረበሎምን፡ ኣብ ፍርዲ ከምዘይቀረቡን ይፍለጥ።
ሕቡራት ሃገራት ዝርከብዎም ተጣበቕቲ ጉጅለታት፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቶም ብዘይ ወግዓዊ ክስን ፍርድን ኣብ ቀይዲ ሒዝዎም ዝርከብ ናይ እምነት፡ ሕልናን ፖለቲካን እሱራት ክፈትሖም ክጽውዑ ጸኒሖም እዮም።
ንዝቐርበሉ ክስታት ናጽነት ሃይማኖታት ኣመልኪቱ "ኤርትራ መሰል ናይ ሃይማኖታት እተኽብር" ምዃና ዝገልጽ መንግስቲ ኤርትራ፡ ዛጊት ንምፍታሕ እቶም እሱራት ኣመልኪቱ ዝሃቦ ሓበሬታ የሎን።
ኣብታ ሃገር ሃይማኖታዊ ስኒትን ናጽነትን ከምዘሎ ዝምጉቱ ሰብመዚ መንግስቲ፡ እተን ዝተዓጽዋ ኣብያተ-ክርስትያናት መሳርሒ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ይኾና ነይረን ክብሉ ይስምዑ'ዮም።
እንተኾነ ግን ብወግዒ ዘቕረብዎ ጭብጢ ይኹን ክሲ ዛጊት የለን።
ኣብ 2002 መንግስቲ ኤርትራ ብዘይካ እተን ፍሉጣት ዝኾና ኣርባዕተ ሃይማኖት ካልኦት ጉጅለታት ሃይማኖት ኣታዊታተንን ወጻኢታተንን ከምኡ'ውን ዝርዝር ኣስማት ናይ ኣባላተን ብምቕራብ ክምዝገባ ዝጠልብ ትእዛዝ ድሕሪ ምሕላፍ ከም ዝኣገደን ጸብጻብ ኮሚሽን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዛዕባ ዓለም-ለኻዊ ሃይማኖታዊ ናጽነት (USCIRF) ይገልጽ።