እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብዝሒ ብሰንኪ ኮቪድ ዝሞቱ ሰባት ካብቲ ዝተገልጸ ብሰለስተ ዕጽፊ ይዛይድ - ተመራመርቲ
ኣብ ምሉእ ዓለም ብሰንኪ ኮቪድ-19 ከምዝሞቱ ዝግለጽ ብዝሒ ሰባት ካብቲ ዝበሃል ብሰለሰተ ዕጽፊ ከምዝበልጽ ተመራመርቲ ሓቢሮም።
ወግዓዊ ጸብጻባት ከምዘመልክትዎ ዛጊድ ኣስታት 6 ሚልዮን ሰባት ብሰንኪ እቲ ዓለማዊ ለበዳ ሞይቶም ኣለዉ።
ተመራመርቲ ግን ውድብ ጥዕና ዓለም ነቲ ለብዒ ከም ዓለማዊ ለበዳ ካብ ዝእውጅ ክልተ ዓመት ኣብ ዝመልኦ ብዝዘርግሕዎ ጸብጻብ፡ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 18 ሚልዮን ከምዝበጽሐ ኣመልኪቶም።
ኣብ ኣሜሪካ ዩኒቨርሲቲ ዋሺንግተን ዝርከብ ጉጅለ መጽናዕቲ፡ ን191 ሃገራትን ግዝኣታትን ኣብ መጽናዕቱ ከምዘካተተ ይገልጽ።
ገሊኦም ሞት መንቀሊኦም እቲ ቫይረስ ክኸውን ከሎ ገሊኦም ድማ ምስቲ ረኽሲ ቫይረስ ብዝተሓሓዝ ከምዝኾነ ተሓቢሩ’ሎ።
እቲ መጽናዕቲ “ኤክሰስ ዴዝስ” ማለት ሕልፊ/ልዕሊ ዓቐን ሞት ዝብል ስልቲ ዝተጠቐመ ኮይኑ፡ ቅድሚ እቲ ለብዒ ኣብ ዝነበሩ ቀረባ ዓመታት ዝሞቱ ሰባት ምስቶም ኣብ እዋን ለበዳ ዝሞቱ ዘሎ ኣፈላላይ ብምንጽጻር’ዩ ውጽኢት መጽናዕቱ ወግዓዊ ዝገበረ።
ነቶም ቅድሚ ለበዳ ኣብ ዓለም ዘጋጠሙ ሞት መበገሲ ብምግባር ሎሚኸ ክሳብ ክንደይ ሰብ ክመውት ይኽእል ዝብል ግምታዊ ቁጽሪ ኣቐሚጡ።
ኣብቶም ናይ ለበዳ ዓመታት ዝሞቱ ብዝሒ ሰባት ድማ ካብቲ ግምት ዝተዓጻጸፈ ኮይኑ ተረኺቡ።
ንዝተፈላለዩ መንግስታዊ ዌብሳይታትን ካልኦት ምስ ሞት ብዝተሓሓዝ ሓበሬታታት ዝስንዱ ዓለምለኻዊ መርበባትን ብምውካስ’ዮም ነዚ ውጽኢት መጽናዕቶም ዕላዊ ዝገበሩ።
መጠን እቲ ዘጋጠመ ሕልፊ ሞት (excess deaths) ካብ ሃገር ናብ ሃገር ከምኡ’ውን ካብ ዞባ ናብ ዞባ ዝፈላለ’ኳ እንተኾነ፡ እቲ ብደረጃ ዓለም ዝተመዝገበ ግን ካብ ሞንጎ 100,000 ሰባት 120 ከምዝሞቱ የመልክት።
እዚ ከኣ ካብ መእተዊ 2020 ክሳብ መዛዘሚ 2021 ኣብ ዝነበሩ ክልተ ናይ ለበዳ ዓመታት ኣስታት 18.2 ሚልዮን ሞት ብሰንኪ ኮቪድ ኣጋጢሙ’ሎ።
እዚ ድማ ካብቲ ብወግዒ ዝግለጽ ኣስታት 5.9 ሚልዮን ኮሮናቫይረስ ዘኸተሎ ሞት ብሰለስተ ዕጽፊ ይዛይድ።
ነቲ መጽናዕቲ ዝመርሐ ዶክተር ሃይዶንግ ዋንግ ካብ ‘ኢንስቲትዩት ፎር ሀልዝ ሜትሪክስ ኤንድ ኢቫልዌሽን’ “ነቲ ብሰንኪ ለበዳ ዘጋጠመ ትኽክለኛ መጠን ሞት ምፍላጥ ኣብ ጉዳይ ጥዕና ማሕበረሰብ ዕውት ዝኾነ ውሳነታት ንምውሳን ዝሕግዝ’ዩ” ክብል ኣረዲኡ።
ወሲኹ ድማ “ስዊድንን ኔዘርላንድስን ኣብ ዝርከብአን ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተኻየደ መጽናዕቲ ከምዘመልክቶ፡ ኮቪድ ነቲ ሕልፊ ዝኾነ ሞት (ትጽቢት ካብ ዝግበር ንላዕሊ ዘጋጠመ ሞት) ምኽንያት ኮይኑ’ሎ” ኢሉ።
እንተኾነ እቲ ትኽክለኛ መጠን ብሰንኪ ኮቪድ ዘጋጠመ ሞት ንምፍላጥ ተወሳኺ መጽናዕቲ ምክያድ ከምዘድልይ እቲ ዶክተር ኣዘኻኺሩ’ሎ።
ኣብዚ እዋን ክታበታትን ካልኦት ሕክምናታትን ይቐርቡ ብምህላዎም ኣብ መጠን እቲ ካብ ትጽቢት ንላዕሊ ዝኾነ (ሕልፊ) ሞት ምንካይ ከምዝህልው ዘመልከቱ ኣባላት እቲ መጽናዕቲ ዘካየደ ጉጅለ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ግን ሎሚ’ውን ስለዘየብቀዐ ጥንቃቐ ምግባር ኣገዳሲ ምዃኑ ኣተሓሳሲቦም።