እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ደቡብ ኮርያ፡ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ፕረዚደንት ኮይኑ ተመሪጹ
ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዓቃባዊ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ዝኾነ ዩን ሱክ-ዮል ተዓዊቱ።
እቲ ፖለቲካዊ ተመክሮ ከምዘይብሉ ዝንገረሉ ዩን፡ ንመቀናቕንቱ ዝኾነ መራሒ ደሞክራስያዊ ሰልፊ ሊ ጃ-ሚንዩግ ብጸቢብ ብምስዓር'ዩ ፕረዚደንት ኮይኑ ተመሪጹ ዘሎ።
እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ደርባዊ ዘይምዕሩይነት ከመዓራሪ ትጽቢት ዝግበረሉ መራሒ ምምራጹ "ዓወት ዓቢ ህዝቢ ደቡብ ኮርያ'ዩ" ክብል ገሊጽዎ።
እቲ ብትሕቲ ሓደ ሚእታዊት ዝተፈልየ ውጽኢት ምርጫ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር እቲ ዝጸበበ'ዩ ተባሂሉ'ሎ።
"ንመነባብሮ ህዝቢ ኣቓልቦ ምሃብ፡ ነቶም ደገፍ ዘድልዮም ዝሓሸ ኣገልግሎት ማሕበራዊ ድሕነት ምቕራብ፡ ከምኡ'ውን ሃገርና ኩርዕቲን ሓላፊነታዊትን ኣባል ማሕበረሰብ ዓለምን ናጻ ዓለምን ክትከውን ዝከኣለኒ ጻዕርታት ክገብር'የ" ክብል ኣብ ዘስምዖ ናይ ዓወት መደረ ተዛሪቡ።
ክልቲኦም ቀንዲ ተወዳደርቲ ሰፊሕ ህዝባዊ ደገፍ ዘይብሎም ብምዃኖም ገለ ወገናት "ምርጫ ናይቶም ዘይፍቱዋት" ክብሉ ነቲ መስርሕ ገሊጾሞ።
ይኹን እምበር ኣብቲ ብረቡዕ ዝተኻየደ ምርጫ ልዑል ተሳታፍነት (77 ሚእታዊት ካብ ኣድመጽቲ) ዝተራእየሉ ምንባሩ ተፈሊጡ።
ኣድመጽቲ ኣድህቦ ክግበረሎም ዝደልይዎም ጉዳያት፤ ናህሪ ዋጋታት ኣባይቲ፡ ዝደስከለ ቁጠባዊ ዕብየት ምብርባር፡ ከምኡ'ውን ሽቕለት-ኣልቦነት መንእሰያትን ጾታዊ ዘይምዕሩይነትን ይርከብዎም።
ዩን፡ ኮርያ ምስ ቻይናን ሰሜን ኮርያን ንዝጸንሓ ዝምድና ንምብርባር ክሰርሕ ምዃኑ'ውን ቃል ኣትዩ'ሎ።
ዩን ሱክ-ዮል መን'ዩ?
ምምራጽ ዩን ኣብታ ሃገር ሓድሽ ፖለቲካዊ መዋእል ዘበስር'ዩ ዝብል መግለጺ ተዋሂብዎ'ሎ።
እቲ ሓድሽ ምሩጽ-ፕረዚደንት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት'ዩ ንፈለማ እዋን ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ተጸንቢሩ።
ነታ ብብልሽውና ዝተኸሰሰት ፕረዚደንት ነበር ፓርክ ጒን-ሃይ ናብ ፍርዲ ብምቕራቡ ድማ ህቡብነት ረኺቡ።
ብፖለቲካዊ ኣተሓሳስብኡ ይኹን ብኣዘራርብኡ ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ዘመሳስልዎ'ውን ኣይተሳእኑን።
ኣንስታያዊ ኣተሓሳስባ (ፈሚኒዝም) ጠንቂ ምንቁልቋል ወሊድ እታ ሃገር ምዃኑ ዝኣምን እቲ ሓድሽ መራሒ ንሚኒስትሪ ደቂ-ኣንስትዮን ስድራቤትን ከምዝስርዞ ኣፍሊጡ'ሎ።
ነቲ ካብ ሰሜን ኮርያ ዝመጽእ ስግኣት ኣቐዲሙ ንምክልኻል ድማ፡ ምዕቡል ኣጽዋር ከማዕብል ምዃኑ ተዛሪቡ'ሎ።