ናይጀርያ: ስለምንታይ ጽንብል ዕለተ-ልደት ብዓልቲ-ቤት ፕረዚደንት ቁጠዐ ፈጢሩ

ዓይሻ ቡሃሪ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቀዳመይቲ እመቤት ናይጀርያ ዓይሻ ቡሃሪ
Published

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ንጽንብል ዕለተ-ልደት ቀዳመይቲ እመቤት ናይጀርያ ዘርኢ ቪድዮ ንብዙሓት ናይጀርያውያን ኣቖጢዑ።

እቲ ቪድዮ፡ ሓያሎ ባህላዊ ክዳን ዝለበሳ ደቂ-ኣንስትዮ ናብ ዱባይ ብምኻድ ንወይዘሮ ዓይሻ ቡሃሪ ርሑስ ዕለተ-ልደት ክብላ ዘርኢ'ዩ።

ጓል 51 ዓመት ብዓልቲ ቤት ፕረዚደንት መሃማዱ ቡሃሪ ዕለተ-ልደታ 17 ለካቲት እዩ። እቲ ቪድዮ መዓስ ከም ዝተሳእለ ግን ብንጹር ኣይተፈልጠን።

እተን ደቂ-ኣንስትዮ ሓደ ዓቢ ሳንዱቕን ዕንባባን ሒዘን ዝራኣያ ደቂ-ኣንስትዮ ኣንስቲ ኣመሓደርቲ ዞባታት ናይጀርያ ምዃነን ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ገለ ናይጀርያውያን፡ እተን ኣንስቲ ሰበ ስልጣን መን ከፊሉለን ናብ ዱባይ ክኸዳ ከም ዝኽኣላ ክፈልጡ ከም ዝደልዩ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክገልጹ ተሰሚዖም።

"ክንደይ ካብአን'የን ብናተን ገንዘብ ናብ ዱባይ ክኸዳ ዝኽእላ?" ክብል ሓደ ሰብ ኣብ ትዊተር ሓቲቱ።

"ኣብ ናይጀርያ ተራ ሰብ ነዳዲ ስኢኑ፡ ዜጋታት እናተሳቐዩ እንከለዉ ዓይሻን ብዓል-ቤታን ግን ሂወት ካብ ናይጀርያ ወጻኢ የስተማቕሩ ኣለዉ" ክብል ጃክሰን ኡደ ዝተባህለ ጋዜጠኛ ነቒፉ።

እቲ ቪድዮ ፕረዚደንት ቡሃሪ ኣብቲ ጽንብል ምንባሩ ኣየርእን'ዩ።

ቢቢሲ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ሓበሬታ ንምርካብ ንሰብ መዚ ናይጀርያ ተወኪስዎም'ኳ እንተነበረ መልሲ ኣይሃቡን።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ እቲ ምሉእ ጥዕና ከምዘይብሉ ዝንገረሉ ፕረዚደንት ሙሃማዱ ቡሃሪ ንሕክምና ናብ ለንደን ክኸይድ ምዃኑ ጸብጻባት ሓቢሮም።

ቅድሚ ሕጂ'ውን ብተደጋጋሚ ንሕክምና ናብ ወጻኢ ሃገራት ምኻዱ ክንቀፍ ጸኒሑ'ዩ።

ንነዊሕ እዋን ንሕክምና ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ብመሰረት ቅዋም እታ ሃገር ስልጣን ንምክትሉ ዘይምርካቡ'ውን ካብ ነቐፌታ ዓዲ ኣይወዓለን።

ብዙሓት ዜጋታት እታ ሃገር ከም ዝብልዎ ስርዓተ-ጥዕና እታ ሃገር ብሰንኪ ጉድለት ምሕደራ ኣብ ዘንቆልቁለሉ ዘሎ እዋን እቲ ፕረዚደንት ኣብ ወጻኢ ሃገራት ሕክምናዊ ክንክን ምርካቡ ርትዓዊ ኣይኮነን ክብሉ ይነቕፉ።