ፕረዚደንት ናይጀርያ፡ ንዝሞተ ሰብ ስልጣን ሂቡ

ፕረዚደንት ናይጀርያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published

ፕረዚደንት ናይጀርያ፡ ሙሃማዱ ቡሃሪ፡ ንሓደ ዝሞተ ሰብ መንግስታዊ መዝነት ሂቡ።

ነፍስሄር፡ ቶብያስ ቹክወዊመካ ኦክዉሩ፡ ክልተ ወርሒ ድሕሪ ሞቱ፡ ኣባል ቦርድ ናይ ሓደ መንግስታዊ ትካል ክኸውን'ዩ ተሸይሙ።

ፕረዚደንት ቡሃሪ፡ ብሰሉስ ንላዕለዋይ ባይቶ (ሰነት) እታ ሃገር ኣብ ዝሰደዶ መልእኽቲ፡ ዝርዝር ኣስማት ናይ 37 ሓድሽ መዝነት ዝተዋህቦም ሰባት ከም ዝለኣኸን፡ እቲ ካብ ዝመውት ክልተ ወርሒ ዝገበረ ኣቶ ኦክዉሩ'ውን ኣብቲ ዝርዝር ኣትዩ ከም ዝነበረን ተፈሊጡ።

ሓንቲ ተሓጋጋዚት ርክባት ሜድያ ናይቲ ፕረደዚንት ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ኣቶ ኦክዉሩ ብሂወት እንከሎ ነቲ መዝነት ከም ዝተሓጽየ ተዛሪባ።

"ቅድሚ ኣብ መጋባእያ ሰነት ምቕራቡ፡ ንዝነበሮ ሰነድ ተመክሮ ስራሕ [CV) ከሐድስ ከማን መጺኡ ነይሩ" ኢላ።

"ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ቅድሚ ኣብ ሰነት ምቕራቡ ምስ ሞተ፡ እቲ ሓበሬታ ንፈደራላዊ መንግስቲ ኣይተገለጸን።"

ፕረዚደንት ቡሃሪ ንዝሞተ ሰብ ክሸይም እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኮነን። ኣብ 2017 እውን፡ ካብ ዝሞቱ ነዊሕ ዝገበሩ ብውሕዱ 5 ሰባት፡ ናብ ዝተፈላለዩ ትካላት መንግስቲ መዲቡ ነይሩ።