ናይጀርያ፡ ፕረዚደንት ቡሃሪ ኣይሞትኩን ንዓይ ብዝመስል'ውን ኣይተተካእኩን ኢሉ

ሙሓሙድ ቡሃሪ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ቡሃሪ ኣብ መፋርቕ እዚ ወርሒ መበል 76 ዓመቱ ከኽብር እዩ
Published

ፕረዚደንት ናይጀርያ ሙሓሙድ ቡሃሪ ነቲ ሞይቱን ንዕኡ ብዝመስል ተተኪኡ ዝብል ዘረባ ኣሉታዊ ምላሽ ሂቡሉ።

ገለ ሰባት ንዕኡ ብዝመስል ሰብ ተተኪኡ ክብሉ እንከለዉ "የረጋግጸልኩም ኣለኹ ኣነ ባዕለይ'የ" ክብል ፕረዚደንት ቡሃሪ መልሲ ሂቡ'ሎ።

ቡሃሪ ንዕኡ ብዝመስል ጁበሪል ዝብሃል ሱዳናዊ ከምዝተተከአ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ብሰፊሑ ክቃላሕ ቀንዩ'ዩ።

ወዲ 75 ዓመት ሙሓሙድ ቡሃሪ፡ ነቲ ኣብ ለካቲት ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዳግማይ ንክምረጽ ዝዳሎ ዘሎ ኮይኑ፡ ኣብ 2015 ጅሚሩ ብተደጋጋሚ ክሓምም ምጽንሑ ይፍለጥ።

ኣብ 2017 ጥራይ ንሰለስተ ተኸታተልቲ ኣዋርሕ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ሕክምና ኣብ ምክትታል እዩ የሕሊፍዎ።

ቡሃሪ፡ ናብ ናይጀርያ ኣብ ዝተመለሰሉ " ክንድቲ ኣይሓመምኩን ነይረ" እኳ እንተበለ እንታይ ዓይነት ሕማም ሓሚሙ ምንባሩ ግን ክገልጽ ኣይደለየን፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ጽቡቕ ናይ ጥዕና ኩነታት ከምዘሎ'ዩ ዝነግር።

ብኤ ኤፍ ፒ ዝተዳለወ መደብ ፋክት ቸክ ኢንቨስቲገሽን እዚ ሕሜታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝጀመረ ኮይኑ፡ ኣብ ፌስቡክ፡ ትዊተርን ዩቱዩብን ድሕሪ ምዝርግሑ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሰዓብቲ ከም ዝተዓዘብዎ ይፍለጥ።

ተሓጋጋዚ ቡሃሪ ዝነበረ ጉድላክ ጆናታን ሓደ ካብቶም ነዚ ሕሜታ ካብ ዘወዓውዑ እዩ።

ንናማዲ ካኑ ሓደ ካብ ደቀባት ብያፍራ ኮይኑ ፡ ሓደ ካብቶም ነዚ ሕሜታ ካብ ዘወዓውዑ ምኳኑ ኤ ኤፍ ፒ ኣብ ዝገበሮ ምጽራይ ገሊጹ።

ንናማዲ ካኑ ክልተ ኣሳእል ቡሃሪ ብምዝርጋሕ ነቲ ሓደ ስእሊ ናብ ጸጋም ብምግልባጥ፡ ነቲ የማናይ ኢዱ ዝጥቀም ቡሃሪ ብጸጋማይ ኢዱ ዝጥቀም ዘሎ ብምምሳል ክልተ በበይኖም'ዮም ብምባል ክሙጉት ፈቲኑ።

ኣብታ ኣብ 1997 ዝተዘርገሐት 'ፌስኦፍ' ትብል ፊልም ከም ምርኩስ ብምጥቃም'ውን ገጽ ናይ ቡሃሪ ብኸመይ ናብ ናይ ካልእ ሰብ ገጽ ክሰጋገር ከምዝኸኣለ ብዞም ነዚ ሕሜታ ዝዘርግሑ ክወዓዋዕ ተፈቲኑ'ዩ።

ብሃሪ፡ ኣብ ኣኼባ ኪለማዊ ለውጢ ንምስታፋ ኣብ ፖላንድ ዝርከብ ዘሎ ኮይኑ፡ ብዛዕባ እዚ ክብሃል ዝቀነየ ብሰንበት ተሓቲቱ ነይሩ እዩ።

እዚ ኣብ ታሕሳስ 17 መበል 76 ዕለተ ልደቱ ዘኽብር ፕረዚደነት፡ ብዛዕባ መንነቱነ ጥዕንኡን ክንዛሕ ዝቀነየ ወረ" ናይ ደናቁርን ዘይሃይማኖታውን " ክብል ገሊጽዎ።

"ብዙሓት ሰባት በዚ ሕማመይ ሞተይ ተመንዮም፡ ገለስ ወረ ያኢ ሞተይ ርግጽ ኮይኑስ ንምክትለ ፕረዚደንት ምክትሉ ንኽገብሮም ዝሓተቱ ነይሮም'ዮም" ኢሉ

" ብዝኾነ ኣነ እቲ ናይ ብሓቂ ቡሃሪ እየ፡ ነዚ ክኣ ከረጋግጸልኩም ይደሊ"

ምክትል ፕረዚደንት ዝነበረ ወዲ 72 ዓመት ኣቲኩ ኣቡባካር ኣብ ዝመጽእ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ቐንዲ ተፎኻኻሪ ክኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ ፖሎቲከኛ'ዩ።

እዞም ተቃወምቲ ውድባት፡ ኣብ ዝገብርኦ ጎስጓስ፡ ንኩነታት ምድኻም ጥዕና ፕረዚደነት ቡሃረ ናብ ረብሐኦም ከውዕልዎ'ዮም ዝበል ተጽቢት እኳ እንተሃለወ፡ ቡሃሪ ግን "ገና ምስ ሓይለይ'የ ዘለኹ" እዩ ዝብል ዘሎ።