ኣውስትራልያ፡ እግሪ ሓደ ሰብኣይ ብመጋዝ ዝቘረጸ መንእሰይ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ እዩ

ፖሊስ፡ እቲ ሓደ ንናይቲ ሓደ እግሪ ንምቝራጽ ኣቐዲሞም ወጢኖም ከም ዝነበሩ እዩ ዝኣምን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፖሊስ፡ እቲ ሓደ ንናይቲ ሓደ እግሪ ንምቝራጽ ኣቐዲሞም ወጢኖም ከም ዝነበሩ እዩ ዝኣምን
Published

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣውስትራልያ ዝነብር ሰብ፡ እግሪ ሓደ ሰብኣይ ብመጋዝ ድሕሪ ምቝራጹ ብቕትለት ተኸሲሱ ኣብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ እዩ።

ዝሓለፈ ቀዳም ንግሆ ሓደ 66 ዓመት ዝዕድመኡ ሰብኣይ ኣብ ሰሜናዊ ሸነኽ ኲንስላንድ ኣውስትራልያ ኣብ ዝርከብ 'ኢንስፈይል' ዝተባህለ ፓርክ ሞይቱ ብሓለፍቲ መገዲ ከም ዝተረኽበ ፖሊስ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እንተዀነ ፖሊስ፡ እቲ መዋትን እቲ ብቕትለት ዝተጠርጠረ ወዲ 36 ዓመት መንእሰይ፡ እግሪ ናይቲ ሽማግለ ንምቝራጽ ኣቐዲሞም ዘዋደድዎ ውጥን ክኸውን ኣለዎ ኢሉ እዩ ዝኣምን።

ክልቲኦም ኣቐዲሞም ከም ዝፋለጡ እዩ እቲ ፖሊስ ዘውጽኦ ሓበሬታ ዘመልክት።

ብመሰረት 'ዚ ሓበሬታ፡ ክልቲኦም፡ ኣብታ መዋቲ ባዕሉ ዝዝውራ ዝነበረ መኪና ንኣስታት 20 ደቓይቕ ኣቢሎም ንሸነኽ 'ቲ ፓርክ ገጾም ተጓዕዙ።

ብድሕሪኡ፡ እቲ እግሪ ቈሪጹ ዝበሃል ዘሎ መንእሰይ መጋዝ ገይሩ ካብ ትሕቲ ብርኪ እግሪ 'ቲ ዓቢይ ሰብኣይ በተኾ።

ካብቲ ቦታ ፍጻመ ብእግሩ ቅድሚ ምስዋሩ ድማ፡ እቲ ጥርጡር ነቲ ዝተጐድአ ሰብኣይ ደጊፉ ናብታ መኪና መለሶ።

ነዚ ዝረኣዩ ሓለፍቲ መገዲ፡ ናብ ክፍሊ ህጹጽ ረዲአት ደዊሎም'ኳ እንተ ሓበሩ እቲ እግሩ ዝተቘርጸ ሰብኣይ ግን ብህይወት ኣይጸንሐን፤ ዓሪፉ።

"ን 34 ዓመታት ኣብ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ሰሪሐ እየ፣ ከምዚ ናይ ሎሚ ተጓንፎ ግን ርእየ ኣይፈልጥን" ዝብል መርማሪ ፖሊስ ጋሪ ሃንተር "እቲ ኵነታት ኣመና ዘሕዝን ፍጻመ ይዅን 'ምበር፡ ምኽንያት ምቝራጽ እግሪ 'ቲ ሰብኣይ ግን ዛጊት ክንጸር ኣይተኻእለን" ብምባል ንግርንቢጥነት ናይቲ ኵነታት ኣረዲኡ።

እቲ ጥርጡር፡ ሎሚ ሰኑይ 21 መጋቢት 2022 ኣብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ እዩ።