ደቂኣንስትዮ፡ ስድራቤት ዘየሐጎሰ ፍርዲ ኣብ ጣልያን ዝተቐተለት ኢትዮጵያዊት

ኣጊቱ ጉደታ

ምንጪ ስእሊ, Ethiopian Embassy in Rome

Published

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ጣልያን ንኢትዮጵያዊት ኣጊቱ ጉደታ ዝቐተለ ውልቀ ሰብ፡ 20 ዓመት ክእሰር ተፈሪዱ ኣሎ፡፡

እቲ ውልቀ ሰብ ብኣቆጻጽራ ግእዝ 7 ለካቲት 2014 ዓ/ም ከምዝተፈረዶ መራኸብቲ ሓፋሽ ጣልያን ዝገለጻ ኮይነን፡ በቲ ዝተወሰነ ፍርዲ ቤተሰባ ሕጉሳት ከምዘይኮኑ ሓፍታ ንቢቢሲ ተዛሪባ፡፡

ፍልጥቲ ኢትዮጵያዊት ኣጊቱ ጉደታ፡ ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ገዝኣ እናሃለወት እያ ተቐቲላ፡፡

ንውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ ስዒቡ ኣብ ኢትዮጵያ እትነብር ሓፍታ ሃወኒ ኤዳዎ ጉደታ ንቢቢሲ ከምዝሓበረቶ፡ ስድራቤታ እቲ ቤት ፍርዲ ጣልያን ዝሃቦ ቅጽዓት እኹል እዩ ኢሎም ኣይኣምኑን፡፡

‘‘ዋላኳ እቲ መቕጻዕቲ ናዓኣ ዝምልሳ እንተዘይኮነ፡ ምስቲ ገበን እንትነጻጸር እቲ ቅጽዓት እኹል ኣይኮነን፡፡ ንሕና ማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ክፍረዶ ተጸቢና ኔርና’’ ኢላ፡፡

ኣብ ጣልያን ኮይኑ ነቲ መስርሕ ፍርዲ ዝከታተል ኣባል ቤተሰብ ከምዝነበረ እትገልጽ ሃወኒ፡ በቲ ኣብ መወዳእታ ዝተውሃበ ውሳነ ግን ሕጉሳት ከምዘይኮኑ ጠቒሳ፡፡

ብስደት ናብ ዓዲ-ጥልያን ምስኣተወት፡ ኣጣል ብምርባሕ ተፈታዊ ፎርማጆ (ቺዝ) ብምፍራይ ዓብዪ ተፈላጥነት ረኺባ ዝነበረት ጓል 42 ዓመት ኣጊቱ ጉደታ፡ ብሓደ ቆጺራ እተስረሖ ዝነበረት ጋናዊ ኣብ ውሽጢ ገዝኣ ተቐቲላ፡፡

በቲ ቕትለት ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ዝጸንሐ ጋናዊ ስደተኛ ሱለይማን ኣዳምስ ድማ ቤት ፍርዲ ብ 20 ዓመት ማእሰርቲ ክቕጻዕ ፈሪድዎ ኣሎ፡፡

ኣብ ጥልያን ትረንቲኖ ነቲ መስርሕ ፍርዲ ክመርሕ ዝጸንሐ ዳይና ኤኔሪኮ ቦሬሊ ኣብ ዝሃቦ ውሳነ፡ ጋናዊ ሱለይማን ኮነ ኢሉ ናይ ሰብ ህይወት ብምጥፋእ ን 15 ዓመትን ሸሞንተ ወርሕን፡ ጾታዊ ዓመጽ ብምፍጻም ድማ ን 4 ዓመትን 4 ወርሕን ክእሰር ፈሪዱ፡፡

ኣጊቱ ኣብ ዓዲ ጥልያን

ኣጊቱ ኣብ ዝበረትሉ ኣብ ሰሜናዊ ጣልያን፡ ግዝኣት ትሬንቲኖ ኣብ ዝርከብ ፍራሲሎንጎ ዝተብሃለ ከባቢ፡ ክጠፍኣ ቀሪበን ነይረን ዝተባህላ ዓሌት ኣጣል ብምርባሕ፡ ዝተፈላለየ ውጽኢት ጸባ እናፍረየት ዓብዪ ተፈላጥነት ረኺባ ነይራ፡፡

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዳ ዝዓበየት ኣጊቱ፡ ዓበይቲ ዓለም ለኻዊ ኩባንያታት ኣብ ኢትዮጵያ የካይድዎ ዝነበሩ ናይ መሬት ወረራ ተቓዊማ ትህቦ ብዝነበረት ርእይቶ ምኽንያት ምፍርራሓት ይበጽሓ ስለዝነበረ እያ ሃገራ ገዲፋ ተሰዲዳ፡፡

ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ጣልያን ዕቑባ ምስረኸበት፡ ኣብ ምርባሕ እንስሳትን ምፍራይ ውጽኢት ጸባን ብምውፋር ኣብ ሓጺር እዋን ዕዉትቲ ብምዃን ንብዙሓት ስደተኛታት መርኣያ ክተከውን በቒዓ ነይራ፡፡

ብስራሓ ዓብዪ ሽም ዘትረፈት ኣጊቱ፡ ምሟታ ዝምልከት ብዙሓት ጋዜጣታት ጣልያን ጽሒፈን እየን፡፡

ንሳ ነቲ ኣብ ግዝኣት ትሬንተን ዝበጸሐቶ ብርኪ ዓወት ንምብጻሕ ብዙሓት ፈተናታት ከምዝሓለፈትን ብፍላይ ንግጉይ ዓሌታዊ ኣመለኻኽታ ስዒራ ኣብቲ እትነብረሉ ከባቢ ዓብዪ ተፈታውነት ከምዘትረፈት እተን ጋዜጣታት ጸብጺበን እየን፡፡

ኣጊቱ ኣብቲ ዝተዋፈረትሉ ስራሕቲ ምፍራይ ኣጣልን ውጽኢት ጸባን ንብዙሓት ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናይ ስራሕ ዕድል ዝፈጠረት ኮይና፡ እቲ ዝቐተላ ስደተኛ እውን ኣብ ትካላ ንሰለስተ ዓመታት ተቖጺሩ ከምዝሰረሐ ተገሊጹ፡፡

ኣብ ጣልያን ሶሽዮሎጂ ተማሂራ ብዲግሪ ዝተመረቐት ኣጊቱ፡ ኣብቲ ዝተቐተለትሉ መዓልቲ፡ ናይ ሕርሻ ስራሕታ ንምስፋሕ ምስ ሰብሞያ ምህንድስና ቆጸሮ ነይሩዋ፡፡