እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰሜን ኮርያ ድሕሪ 2017 እቲ ዝሓየለ ሚሳኤል ፈቲና ተባሂሉ
እቲ ካብ ሰሜን ኮርያ ዝተፈተነ ሚሳኤል፡ ቅድሚ ኣብ ባሕሪ ጃፓን ምዕላቡ ንሰማይ ልዕሊ 2 ሽሕ ኪሎሜትር ርሕቀት ተወንጪፉ ተባሂሉ።
ጃፓን፣ ደቡብ ኮርያን ኣመሪካን ነቲ ኣብዚ ወርሒ ጥራይ ንሻብዓይ ግዜ ዝተፈተነ ኣጽዋር ኮኒነንኦ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰሜን ኮርያ ባሊስቲክን ኑክሌር ሚሳኤልን ከይትፍትን ተሪር ማዕቀብ ኣንቢሩላ ከምዘሎ ይፍለጥ።
እንተኾነ መራሒ እታ ሃገር፡ ኪም ጆንግ-ኡን፡ ሃገሩ ንባዕላ ካብ መጥቃዕቲታት ናይ ምክልኻል መሰል ከምዘለዋ እዩ ዝሕነ።
ቁጠባ እታ ሃገር ቅድም ክብል ካብ ኣመሪካ ብዝተነብራ ማዕቀብ ምኽንያት ኣብ ሕማቕ እዩ ዘሎ።
‘ፈተነታት ዘይምርግጋዕ’
ኣመሪካ፡ ሕዚ’ውን ሰሜን ኮርያ ዝፈተነቶ ሚሳኤል ብምኹናን፡ ከምዚ ዓይነት ዘይምርግጋዓት ዝፈጥር ምንቅስቓሳት ካብ ምግባር ክትቁጠብ ሓቲቱ።
ሰሜን ኮርያ ኣብ ወርሒ ጥሪ ሸውዓተ ናይ ሚሳየል ፈተነተታ ኣካይዳ ኣላ።
ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ” ሙን ጃይ-ኢን፡ እቶም ኣብዚ ወርሒ ዝተኻየዱ ፈተነታት ሚሳየል ኣብ 2017 ዝነበረ ኩነታት ዘዘኻኽሩ እዮም ኢሉ።
ኣብቲ እዋን ካብ ዝተፈተኑ ኣጽዋራት ኑክለር ገሊኦም ኣብ ልዕሊ ጃፓን ዝወዓሉ እዮም ነይሮም።
መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን ደቡብ ኮርያ ከምዝበሎ፡ እቶም ሕዚ ዝተፈተኑ ሚሳኤላት ነቶም ኣብ 2017 ዝተፈተኑ ዝመሳሳሉ እዮም።
ኣብ 2018 መራሒ ሰሜን ኮርያ፡ እቲ ፈተነ ዝተቐመጠ ደረት ዝሓለወ ከምዝኾነ ገሊጹ ነይሩ።
እንተኾነ፡ ኣብ 2019፡ ደረት ዝበሃል ከምዘይህሉን ብእኡ ከምዘይቅየድን ኣፍሊጡ ነይሩ።
ኣመሪካ፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥሪ ተወሰኽቲ ማዕቀባት ምንባራ ዝዝከር እዩ።
ሰሜን ኮርያ ስለምንታይ እያ ሚሳኤላት ትፍትን ዘላ?
ገለ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ከምዝብልዎ፡ ሰሜን ኮርያ ብበዝሒ እተካይዶ ዘላ ፈተነታት ክልተ ዓላማታት ዝሓዘ እዩ።
ሓደ ኣብቲ ዞባ ኣጥርያቶ ዘላ ሓይሊ ንምርኣይን ሓደሽቲ ቴክኖሎጂ ንምፍታንን ዝዓለመ እንትኸውን፤ ካልኣይ ድማ፡ ኣመሪካ ናብቲ ቅድሚ ሕዚ ኣትያቶ ዝነበረት ናይ ሰላም ውዕል ንምምላስ ጸቕጢ ንምፍጣር ዝዓለመ እዩ ይብሉ።
ከምኡ’ውን እዚ ፈተነ ዝካየድ ዘሎ፡ ኣብ ቻይና ዝካየድ ዊንተር ኦሎምፒክስ እናተቐራበ ኣብ ዝመጸሉን፡ መረጻ ደቡብ ኮርያ ቅድሚ ምክያዱን ምዃኑ ትኹረት ዝስሕብ እዩ።
ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ትሮይ ዘምህር፡ ዶክተር ፒንክስቶን፡ "መረጻ ደቡብ ኮርያ ኣብ መጻኢ ወርሒ እዩ ዝካየድ፤ ስለዝኾነ ድማ፡ ነቲ ከም ብሓድሽ ዝምረጽ ፕረዚደንት መፈራርሒ መልእኽቲ እዩ” ኢልዎ።
ወሲኹ ድማ፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ህዝባዊ ምዝሕሓላት ይርአ ስለዘሎ፡ ናይቲ መሪሕነት ሓያልነት ኣብ ቦትኡ ከምዘሎ ንምርኣይ ምዃኑ’ውን ሓቢሩ።
ካልእ ተንታኒ ድማ፡ እቲ ፈተነ ሰሜን ኮርያ ነቲ ደቡብ ኮርያን ኣመሪካን ኣብቲ ከባቢ ሃኒጸነኦ ዘለዋ ስርዓት ኣጽዋራት ኑክሌር ዝብድህ ቴክኖሎጂ ሰሪሓ ከምዘላ ንምርኣይ እዩ ይብል።
ደቡብ ክርያዊ ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ፕሮፌሰር ኪም ዶንግ ዩፕ፡ “ከም ጭራ ዕንቅርቢት ዝሰርሕ ምክልኻል ሰሪሓ ኣላ” ኢሉ።
ቀንዲ ዓላማ ሰሜን ኮርያ ግና፡ ካልኦት ንምጥቃዕ ዘይኮነስ ነፍሳ ንምክልኻል ዝዓለመ ከምዝኾነ እዩ ዘገልጽ።