ዘማሪት ሄለን ብርሃነ፡ “ንገፋዕተይ ይቕረ ኢለሎም’የ፣ ናብ ቅኑዕ መንገዲ ንክምለሱ እጽልየሎም”

Published

“ምስቲ ዝገርፈኒ ዝነበረ ሰብ ኣብ ክቱር ጥምጥም ኣተና፣ ንሱ ብበትሩ ኣነ ኸኣ ብጸሎት” ትብል ሄለን ብርሃነ፣ ንዘሕለፈቶ መከራ ብምዝካር።

"ነቲ ብበትሪ-ፖሊስ [ሓጺር ጸሊም ጎማ] ዝገርፈኒ ዝነበረ ደቂቕ ሰብኣይ ከቶ ክርስዖ ኣይክእልን ... ብቍጥዐ ኣዒንቱ በርበረ መሲሉ፡ ገጹ ብረሃጽ ታህታህ ኢሉ፡ እናገዓረ ዝገርፈኒ ዝነበረ ወትሃደር ካብ ምሒር ምህራም ደኺሙ ንከዕርፍ እናላህለሀ ኮፍ ክብል ይዝከረኒ" ድሕሪ ምባል ኣዕሚቛ ተስተንፍስ።

“ንሱ ንዓይ ብምህራም ዝደኸመስ ኣነ ኸኣ ኣብ ምንታይ ኵነታት ከም ዝነበርኩ ንክገልጾ አሸግረኒ። ኣእጋረይ ምእዛዝ ኣብዮምኒ ረድረድ ክብሉ ይዝከረኒ። ካልእ ይትረፍ ንጸሎተይ’ውን ንክከታተሎ ዓቕሚ ስኢነ ሃለዋተይ ክሳብ ዝጠፍኣኒ ኰንኩ” ብምባል እቲ ህህ እናበለ ዝሃርማ ዝነበረ ሰብ እህታኡ ክሳብ ሎሚ ካብ ኣእዛና ከም ዘይተፈልየ ተዘንቱ።

ኣስዕብ ኣቢላ ድማ “እቶም ኣብ ማይ ስርዋ ዝነበርና እሱራት ኣብ 23 ኮንተይነራት ተኸፋፊልና፡ ብሓደ ሓኪም ንናበ ነበርና። እቲ ሓኪም ኵነታተይ ምስ ረኣየ ‘ነዚኣ ድኣ እንታይ ክሕክመላ - ከያዲት’ያ’ ኢሉ ሓላፍነት ከም ዘይወስድ ነገሮም” ትብል ሄለን።

ከይበደልካ ክትእሰርን ክትሳቐይን ካብ ሓንጐልካ ብቐሊሉ ዝስረዝ ተመኵሮ ኣይኰነን ከምዘይኮነ እትዛረብ ሄለን “እቲ ህሞት’ቲ ፈታኒ ጥራይ ዘይኰነስ ንህይወተይ ዝቐበጽኩሉ፡ ንስድራይን መቕርበይን፡ ከምኡ’ውን ነታ ዝፈትዋ ጓለይ ብሓሳበይ ድሓን ኩኑ ኢለ ዝተፋነኹሉ እዋን ነበረ ... እቲ መግረፍቲ ንእምነተይ ንከይፈታትን ኣጽኒዐ ዝጸለኹሉን ዝተቓለስኩሉን ህሞት ከም ዝነበረ ይዝከረኒ” ክትብል ተዘንቱ።

ምስኡ ኸኣ፡ ነቶም ዝርህርሁላ ዝነበሩ፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ሓደ-ክልተ ወትሃደራት ትዝክሮም። ዋላኳ ካብ ምቕጥቃጥ ከድሕኑዋ እንተዘይከኣሉ ድንጋጼኦም ንዓኣ ዳርጋ ምሕረት’ዩ ነይሩ።

“ውዒሉ ሓዲሩ፡ መንፈሳዊ ሸነኸይ ንስጋዊ ሸነኸይ ክስዕሮ ስለ ዝኸኣለ ክድሕን ከኣልኩ፣ እንሆ ኸኣ ደጋጊመ ክምስክር በቒዐ ክብል እኽእል” ድሕሪ ምባል፡ ንሰማዒ ዘደንጹ ዘረባ ትውስኸሉ። “ይዅን’ምበር፡ ነቶም ኣብ ሩባ ድነ-ሞት ዜብጽሑኒ ሰባት ይቕረ ኢለሎም’የ። ናብ ቅኑዕ መንገዲ ንክምለሱ ድማ እጽልየሎም” ኢላ ዝን ትብል።

ኣብቲ ዝሰዓበ ዘረባኣ ይቕረ ብምባላ ንነብሳ ክሳብ ክንደይ ካብ ጽልእን ቅርሕንትን ሓራ ከም ዘውጽአት ትምስክር። ኣብ ይቕረ ምባል ዘሎ ዕቑር ሓይሊ ኣስሚራ ብምግላጽ ድማ ንህይወታ ናብ ንቡር ከም ዝመለሰት ክትምስክር ምስምዓ ንሰማዒ በዳሂ ስምዒት ዝመልስ’ዩ ክበሃል ይከኣል።

ሄለን ካብ ቤት ማእሰርቲ ኤርትራ ብተኣምር ብህይወታ ክትወጽእ ዝኸኣለት፡ ጸኒሓ ኸኣ ካብ ኤርትራ ከተምልጥ ዝኸኣለት ዘማሪትን ኣማኒትን’ያ። ናብ ስደት ምስ ሰገረት ድማ እቲ ዘሰቅቕ ዛንታኣ ኣብ ፈቐድኡ ዝርከብ ኣህጕራዊ ሚድያ ብዕሊ ዝተነግረላ ሰብ’ያ።

ናይ ሄለን ዛንታ ንከነዘንትዎ ዝደረኸና ሓደ ምኽንያት ኣሎ፣ እሱ ኸኣ ኣብ መሳጢ ኣዘራርብኣን መትከላዊ-ህይወታን ዝምርኰስ ምጕት ትጥቀም ዓቃል ሰብ ጥራይ ዘይኰነትስ እቲ ዘሕለፈቶ ስቓይን መከራን ምስ ሰማዕና ኣዕሚቝና ንክንፍትሾ ስለ ዝተቐሰብና’ዩ ክንብል ንኽእል።

ንሄለን በቲ ልሙድ ኣገባብ ኣሕጺርና ከነፋልጣ

ሄለን ብርሃነ ኤርትራዊት’ያ። ኣብ እምነታ ኣዐርያ ብምርጋጽ ድሕር ዘይትብል፡ ናይቲ ብሬማ ዝፍለጥ ቤት ጸሎት ኣባል ኰይና ከይፈርሐት ብእምነታ ዝጐስጐሰትን ኣብ እምነታ ጸኒዓ እትነብርን ሰብ’ያ።

2001 መንግስቲ ን ‘ሓደስቲ እምነታት’ ወይከኣ ‘ንኡሳን ኣብያተ ጸሎት’ ኢሉ ዝጽውዖም ማሕበራት ብዘይተፈልጠ ተጻብኦታት ተታሓሓዞም’ሞ ህላዌኦም ንክስርዝ ጐስጓሳት ከካይድ ዝጀመረሉ እዋን ከምዝነበረ ይዝከር። ብ2002 ኸኣ ኣብያተ ክርስትያናት ክዓጹን ኣባላት ከኣ ክኣስርን ጀመረ።

ሽዑ ገለገለ ኣህጕራውያን ክርስትያናውያን ማሕበራት ብዘዘንተውዎ መሰረት፡ መንግስቲ ነቶም ንኡሳን ናይ ሰበኻ-ወንጌል ማሕበራት፡ ነቲ ካብ ወለዶ ንወለዶ ክመሓላለፍ ዝጸንሐ ዘቤታዊ እምነት ብናይ ግዳም ደገፍን ብናይ ባዕዲ ኢድ-ኣእታውነትን ንከዳኽሙ ዝተበገሱ’ዮም ክብሉ ይኸስዎም ከም ዝነበሩ ይጠቕሱ። መንግስቲ ባዕሉ ድማ ንሃገራዊ ድሕነት ኣብ ሓደጋ ከውድቑ’ዮም ካብ ዝብል ክሲ ተላዒሉ ብዕሊ ከም ዝጸመዶም ጋዜጣታት መንግስቲ ይሕብሩ ነይሮም’ዮም።

ቤተ-ክርስትያን ሬማ ኸኣ፡ ሓደ ካብ’ቶም ዕላማ መንግስቲ ዝዀነ ቤት-ጸሎት ስለ ዝነበረ፡ ተጸምደ። ሄለን ናይቲ ቤት-ጸሎት’ቲ ኣባል ስለ ዝነበረት ብእምነታ ንኸይትንቀሳቐስ ትኽልከል። ሽዑ ዳርጋ 36 ኣብያተ ጸሎታት ከም እተዓጽዉ፡ ኣመንቲ ኸኣ ኣብ ቤቶም ኰይኖም ተኣኪቦም ንኸይጽልዩ ይእገዱ።

ሄለን ግን፡ ምስ ብጾታ ዀይና፡ መንፈሳዊ ጻውዒታ ንኸተቋርጾ ፍቓደኛ ኣይነበረትን።

ድሕሪ ምዕጻው ኣብያተ-ጸሎት

ምዕጻው ኣብያተ-ጸሎት ኤርትራ ኣብ ብዙሓት ኣመንቲ ዘይርሳዕ ፍጻሜ’ዩ ነይሩ፥ ዓቢ ሳዕቤን’ውን ኣሕዲሩ።

ኣብቲ እዋን’ቲ ሄለን ሓንቲ ናይ መዛሙር ካሴት ተሕትም። ምስኡ ኸኣ ምስ ብጾታ ዀይና ሓንቲ “ንምድሪ ወንጌል’ዩ ፈውሳ” ዘርእስታ ሓጻር ፊልም ንኣመንቲ ተቕርብ። ኣብ መጀመርታ እቶም ሲ-ኣይ-ዲ ተራ ደርፊ መሲሉዎም ነቲ ዘቕረበቶ ናይ መዝሙር ካሴት ዕሽሽ ይብልዎ፤ ነቲ ፊልም’ውን ከምኡ።

ጸኒሑ ግን እቲ ናይ ሓቂ ትሕዝቶ ናይ’ቶም መዛሙርን ተዋስኦን ምስ ተረድኦም ንዅሉ ልኵት ኣቢሎም ከልከልዎ።

እቶም ዝተገድዑ ምእመናን ምእንቲ ፋሕ-ፋሕ ኢሎም ከይጠፍኡ ገለ-ገለ መራሕቲ ኣብያተ-ጸሎት ኣቓልቦ መንግስቲ ከይሰሓቡ ተጠንቂቖም ኣብ ገዛ-ገዛ እናኸዱ ይጽልዩ ነበሩ።

ሓንቲ ካብኦም ሄለን ነበረት። ለይተ-ለይቲ ብሽክለትኣ ተወጢሓ ናብ ሕቡኣት ቤት-ጸሎት እናኸደት ንመንእሰያት ኣስተምህሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተቕርብ ነበረት።

ሓደ ለይቲ፡ ጊዜኡ ሰዓት ክልተ ናይ ለይቲ ይኸውን፡ ንህይወታ ፈጺሙ ዝልውጥ ፍጻሜ የጓንፋ።

ንቕድም ሄለን ብንእሽትኣ

ሄለን ብርሃነ፡ ማእከለይቲ ካብ ሰለስተ ኣሕዋት ዀይና፡ ብኽንክን ዝዓበየት ቈልዓ ከም ዝነበረት ትጠቅስ። ናይ ምዝማር ፍቕሪ ካብ ብንእሽቶኣ ዘጥረየቶ ልምዲ ከም ዝነበራ’ውን ትዛረብ። ኣቦኣን ኣዲኣን ሓካይም’ዮም ነይሮም።

ናይ’ተን እተፍቅረን ጸሎተኛ ዓባያ ተዘክሮታት ከኣ ኣብ ቅድሚት’ያ ትሰርዖ። ሓደ ካብ’ቶም ጐሊሑ ዝዝከራ ተዘክሮታት ዓባያ ደው ኢለን ብተመስጦ ክጽልያ’ዩ። ጽልዋ ዓባያ ኣብ መንፈሳዊ ህይወታ ዓቢ’ዩ ነይሩ።

ብጊዜ ደርጊ ኣቦኣን ኣዲኣን [እኳ ድኣ ምስ ሕጻን ጓሎም] ብፖለቲካ ምኽንያት ኣብ ማርያም ግምቢ ዝበሃል፡ ሓደ ካብ’ቶም ጽኑዓት ኣብያተ ማእሰርቲ ናይቲ ዘመን’ቲ፡ ምስ ተኣስሩ ሄለን ንዓባያ ንቤት-ጸሎት ሒዘንኣ ንክኸዳ ክትምሕጸነን ይዝከራ።

ዓባያ ፍቓድን ድልየትን ሄለን ንክመልኣ ንቤት-ጸሎት ሒዘንኣ ኸዳ። “እንታይ ኢላ‘ኾን ክትጽሊ’ያ” ኢለን ድማ ግልል ኢለን ጽን በላ። ሄለን “ንማማን ባባን ፍትሓዮም” ኢላ ሓንትን-ክያንትን ጸሎታ ከም ዘዕረገት ብምዝካር፡ ግብራን ኣጸላልያኣን ገሪሙዋ - ማለት በቲ ሓውሲ ትእዛዝ ዝጥዕም ጸሎታ - ዘኪራ ትስሕቕ።

ሄለን ኣብ ማይተመናይ ዝተወልደት፡ ኣብ ከባቢ መካነ ህይወት (ጥቓ ሆስፒታል እንዳ ዓይኒ) ዝዓበየት ጓል ኣስመራ’ያ። ኣብ ፊት ኣግኣዝያን ዝነበረ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሃል ናይ ብሕቲ መባእታ ቤት-ትምህርቲ ተማሂራ። ብድሕሪኡ ኸኣ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርታ ንኽትከታተል ናብ ቤት-ትምህርቲ ቀይሕ ባሕሪ [ብጊዜ ንጉስ ሃይለ ስላሴ ብ ቀ.ሃ.ስ. ዝፍለጥ ዝነበረ] ተማህረት።

ሄለን ብንእሽትኣ ኣዝያ ዉዕይቲ’ያ ነይራ። ካብ ኵሉ ኣጸቢቑ ዝዝከራ ኸኣ ኣብ ስፖርት ዝነበራ ፍቕሪ’ዩ። ናይ ነዊሕ ርሕቀት ጕያ፡ ኵዕሶ ሰኪዔት፡ ጸኒሓ ኸኣ ኤሮቢክስ ተዘውትር ከም ዝነበረት ትገልጽ። ብብሽክለትኣ ኸኣ ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ኣስመራ፡ ዓቐብ ቍልቍለት ጥሒሳ እትጕዓዝ ሰብ ነበረት። ምስ ኵሉ ዋዒኣ ግን ጽልዋ ናይ’ተን ጸሎተኛ ዓባያ ከም ዘሰነያ ደጊማ ትምስክር። ዓባያ ኣብ ቀረባ እዋን’የን ብሞት ካብዛ ዓለም ተፈልየን።

እዛ ኣብ ጊዜ ደርጊ ኣብ ኣስመራ ዝተወልደት ሰብ ብዙሕ ተዘክሮታት ናይ’ቲ ዘመን ኣለዋ። ብፍላይ ኣብ ኣብያተ ጸሎት ዝካየዱ ዝነበሩ ኣገልግሎታት ኣዝያ’ያ ትዝክሮም። ናይ ተሓድሶ መንፈስ ኣብ ኩሉ ሰፊኑ፡ ኣብ ኣስመራ ኸኣ ቅዱስ ዮሴፍ፡ መድሃኔ ኣለም፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ኣብያተ-ጸሎት ብምእመናን መሊኦም ህዝቢ ክሳብ ኣብ ግዳም ኰይኖም ጸሎት ዝሰምዕሉ እዋን ነበረ።

“ብጊዜ ደርጊ ኤርትራውያን ብብዝሒ ብፖለቲካ ምኽንያት’ዮም ዝእሰሩ ነይሮም” ትብል ሄለን። ድሕሪ ናጽነት ዝተኣታተወ ስርዓት ግን ንምንታይ ኣብ ግላዊ እምነት ሰባት ክሳብ ክንድዚ ዘትኰረ ክሳብ ሕጂ ከም ዝገርማ ተዘንቱ።

ወርሒ ጉንበት 2004 ዘምጽኣቶ ሰበብ

ድሕሪ ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ሄለን ናይ ጸጕሪ ምስራሕ ተማሂራ፡ ትምህርታ ምስ ኣጠናቐቐት ሓደ ዕሙር እንዳ መሻጢ ከፊታ ትሰርሕ ነበረት። እቲ ስራሕ ከኣ ጽቡቕ ይኸደላ ነይሩ። ማዕረ-ማዕረ ስርሓ ድማ ኣገልጋሊት ቤት-ጸሎት ሬማ ኮነት።

እቶም ኣብያተ ጸሎት ምስ ተዓጽዉ፡ ሄለን ምስ መካይዳ ዀይና ብሕቡእ መንፈሳዊ ስርሓታ ቀጸለት።

ኣብ ከውታ ለይቲ፡ ሄለን ብሽክለትኣ ኣልዒላ ንሳንታ-ኣና (ሰታንታ-ኦቶ) ገጻ ተምርሕ። ኣብ’ቲ ምስጢራዊ ቦታ ምስ በጽሐት፡ ናይ ትሕተ-ምድሪ ክፍሊዝነበሮ ገዛ ምዃኑ’ዩ፡ ብሽክለትኣ ኣብ መንደቕ ኣጸጊዓ ትኣቱ። ነቶም ተኣኪቦም ዝጸንሑዋ ሰባት ድማ መንፈሳዊ ኣስተምህሮ ክትህብ ትጅምር።

ደድሕሪኣ፡ ኣይጸንሑን፡ ኣብቲ ገዛ እንተ ብጥቘማ ወይከኣ ብሰላሕታ ንሄለን ዝተኻታተልዋ ወትሃደራት ማዕጾ ገው-ገው ኣቢሎም ደፊኦም ይኣትዉ’ሞ ንበዓልቲ ገዛ ‘ኣበይ ኣላ እታ ዘማሪት?’ ኢሎም የጓጥጡላ። እታ ሰብ ድማ ኣብዚ ገዛ ዘማሪት የላን ኢላ’ኳ እንተተኸላኸለት ኣይሰምዕዋን። ኣትዮም ክደልዩዋ ይጅምሩ፤ በቲ ናይ ኮረንቲ ካቮ - ንትሕቲ ምድሪ ዝኸይድ ናይ ሉቸ ካቮ ተመሪሖም - ንታሕቲ ይወርዱ፣ ኣብቲ በዓል ሄለን ዝተኣከብሉ ክፍሊ ኸኣ ደበኽ ይብሉ።

ሄለን ቅድሚኡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብእምነታ ዝኣክል ትኣቱን ትወጽን ስለ ዝነበረት ብወትሃደራት ትሰናበድ ሰብ ኣይነበረትን። እታ ምሸት’ቲኣ ግን ወሳኒት’ያ ነይራ። “ተጸናጺኖም’ዮም ስዒቦምኒ ዝዀኑ” ትብል።

እቶም ወትሃደራት ነቶም እኩባት ጸለይቲ እናጋፍዑ ኣብ ናይ ፖሊስ መኪና ሰቒሎም ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ወሰዱዎም።

ናብ ማእሰርቲ ሄለን ንመለስ ...

ብጉንበት 2004 ብመንፈሳዊ እምነታ ኣብ ቀይዲ መንግስቲ ዝኣተወት ናይ ወንጌል ዘማሪት ሄለን ክሳብ ሕዳር 2006 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ማይ-ሱርዋ ነበረት። እቲ ብመንግስቲ ዝተገብረላ ጸቕጢ ንመንፈሳዊ ስርሓታ ነጺጋ ሱቕ ክትብል ንምግባር’ኳ እንተዀነ ግን ሄለን ኣብ እምነታ ጸኒዓ ደው ብምባል ንጸቕጢ መንግስቲ ነጸገቶ።

በቲ መንጸግቲ መሰረት ሄለን ኣብ ሓደጋ ኣተወት። እቶም ዝሰዓቡ ዓመታት ህይወታ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ኣሕለፈቶም። ብክቱር ምቕጥቃጥ ኸኣ ሓመድ-ድፋጭኣ ሰተየት። ካብቲ ጭካኔ’ቲ ከመይ ኢላ ከም ዝደሓነት፣ ከመይ ኢላ ካብ ኤርትራ ከም ዘምለጠት፣ ጸኒሓ ኣብ ዴንማርክ ዑቝባ ብምርካብ ድማ ከመይ ኢላ ደጋጊማ ዛንታኣ ንዓለም ከተካፍል ከም ዝበቕዐት ብዙሓት ሰባት ኣብ ማሕበራዊ-ሚድያ ተኸታቲሎሞ’ዮም።

“ኣብ ማይ-ስርዋ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ - ሽዑ’ኳ መንበሪ እሱራት ኮንተይነራት’ዩ ነይሩ። እቶም ኮንተይነራት ብኣማኢት ዝቝጸሩ መናእሰይ እሱራት፡ ገሊኦም ካብ ኣገልግሎት፡ ድፋዓት፡ ካብ ሃገር ማልታ ዝተመልሱ ዜጋታት ... በብዓይነቶም ሰባት ነይሮሞ” ኢላ ተዘክሮታታ ትገልጽ።

“ተኣሲረ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ከምዚ ትማል-ትማል ኰይኑ’ዩ ዝስምዓኒ ... ኣብ ሓንጎለይ ተቐሪጹ ስለ ዝተረፈ” ድማ ትብል።

ኵነታታን ኣቝሳላን ንምግላጽ ክብድ ይብል። እቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘጓነፋ ሕሉፍ ስቕያት ንኣካላታ ከም ዘልመሶ፡ ሰውነታ ሓቢጡ ከም ዝነበረ፡ እቲ ምቕጥቃጥ ናይ ማሕጸን ምድማይ ከም ዘኸተለላ፡ ካብ ኵሉ ዘስካሕክሓ ድማ እሱራት ብጾታ ሳምቦ-ሳምቦ ኢሎም ንዓይኒ-ምድሪ ከመላልሱዋ ሰብኣዊ ክብረታ ክቕንጠጥ ይዝከራ።

ድሕሪ’ቲ ከቢድ ማህረምቲ ንሸሞንታ ኣዋርሕ ሕክምና ኣይተፈቕደላን። እትቀሳቐሰሉ መንበር-ዓረብያ’ውን ኣይነበራን። ኣብቲ ኮንተይነር ዘሕለፈቶ ህይወት ከቢድ ከም ዝነበረ፡ ለይቲ ምሉእ ብቃንዛ ድቃስ ስኢና ክትሓድር ክትገልጾ ምስማዑ ቀሊል ኣይኰነን።

ሳላ ሓንቲ እስርቲ ብጸይታ ንግሆ፣ ቀትርን ምሸትን ንዝሓበጠ ኣካላት ሄለን እናደረዘት እናልዓለት እናብልዐት ክትከናኸና ምስ ልዑል ምስጋንኡ ብምዝካር ነቲ ናይ ሽዑ ጸልማት ጊዜኣ ሰጋእ ከይበለት ትገልጾ።

እቲ ኵነታታ ከይኣኽላ፡ ሓደ ዝጨከነ ሓላፊ መጺኡ ነቶም እሱራት ከጓጥጠሎም ከም ዝጀመረ ይዝከራ። ሓደ መዓልቲ ኸኣ ንክግረፋ ኣብ መሬት በጥ ክብላ ኣዘዘ። መታኣስርታ ንሄለን “ንዓና ግረፈና ሄለን ግን ኣይትኽእልን’ያ፡ ብዙሕ ቃንዛ ኣሎዋ፡ ከይደቀሰት’ያ ትሓድር’ሞ በጃኻ ምሓራ” ኢለን ለመንኦ።

ኣይሰምዐንን፡ ከም ሰባ ኸኣ ተገርፈት። ኣብ ቍስላ ደጋጊሙ ስለ ዝጐድኣ ኣካላታ መሊሱ ብምሕባጥ ኣብ ዝኸፍአ ሓደጋ ኣተወት። ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ሓኪም (ማይ-ስርዋ) ክረድኣ ስለ ዘይከኣለ ትንፋሳ ከይሓለፈት ንሆስፒታል ሓሊበት ክትሰጋገር ወሰነ።

ኣብ ሆስፒታል ሓሊበት ብመንበር-ዓረብያ ተቐቢሎም ንምርመራ ኣተወት። ኣብቲ ሆስፒታል ንሓጺር እዋን ድሕሪ ምጽናሕ እቶም ሓካይም ኵነታታ ተስፋ ከም ዘይብሉ ርእዮም ንቤታ ትኺድ - ብሓውሲ ኣብኡ ትሙት - ኢሎም ኣፋነዉዋ። እዋኑ ሕዳር 2006 ነበረ።

እቲ ዛንታ ከንሕጽሮ፡ ሄለን ናብ ቤታ ትመለስ’ምበር ሬሳ ዀይና ከም ዝተመልሰት ኣይጠፍኣን። “እቲ ኣብ ማይ-ስርዋ ዘሕለፍኩዎ ዘብህርር ስቅያት ኣኺሉ ተሪፉኒ፣ ግናኸ ኣብ ኢድ ስድራይ ምስ ኣተኹ ዝተሰምዓኒ ሓጐስ ክገልጾ ኣይክእልን” ትብል።

“መጻኢ ህይወተይ ኣብ ኤርትራ ተስፋ ከም ዘይነብሮ ኣርጊጸ ብምፍላጥ ካብ ኤርትራ ክወጽእ ኣሎኒ ኢለ ወሰንኩ” እናበለት ንዕላላ ትውስኸሉ። ኣቝሳላ ቀስ ኢሉ እናሓወየ ናይ ምውጻእ መደባ ከተዋድድ ጀመረት።

“ንክሕከም ኢለ ኣብ ኢሚግረሽን ናይ ፍቓድ ወረቓቅተይ ንከሳልጥ ክመላለስ ጀመርኩ” ትብል ሄለን። ዕድል ገይራ፣ እቶም ሰራሕተኛታት ናይ ኲናት ዉግእቲ መሲሉዎም ክተሓባበርዎ ጀመሩ። ብዘገርም ኣገባብን ጥበብን ወረቐታ ኣሳሊጣ እትብገሰሉ መዓልቲ በጽሐ።

እታ ነፋሪት ክሳብ ኣብ ካርቱም ትዓልብ ዕድላ ንምእማኑ ከም ዘሸገራ ትገልጽ። ድሕሪ’ቲ ዅሉ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሕለፈቶ ሽግር ንድሕሪት ገዲፋ ኣብ ካርቱም በጽሐት። ሓብታ ተቐቢላ ብቕልጡፍ ኣብ ሕክምና ኣእተወታ። ናይ ዓሰርተ ኣዋርሕ ክንክን ሕክምና ክትረክብ ከኣ ከኣለት። ጓላ ድማ ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ ሱዳን ኣርከበታ።

ህልው ኵነታት ሄለን

ሄለንን ጓላን ካብ ሱዳን ናብ ሃገረ ደንማርክ ክሰግራ ከኣላ። እቲ ዝተረፈ ዛንትኣ ናይ ስቅያትን መከራን ዘይኰነስ ናይ ሰላምን ምስጋናን ተለወጠ። እኹል ናይ ጥዕናን ሞራልን ክንክን ስለዝረኸበት ካብ ዓረብያ ተገላጊላ ሓውያ ብእግራ ትንቀሳቐስ ኣላ።

ብዛዕባ ዴንማርክን ደቂ-ዴንማርክን ክትዛረብ ምስምዓ ክሳብ ክንደይ ሕጕስትን ቅስንትን ምዃና’ዩ ዘስምዕ።

“ብእምነት ዝከታተለካን ተሓቢኡ ዝጎብጠካን ሰብ የለን፣ እኳድኣ ዘተባብዑኻ ብዙሓት’ዮም” ኢላ ድሕሪ ምዝራብ፡ “ኣብዚ መሰለይ ሕሉው’ዩ፣ ከም ሰራቒት ለይቲ ምድሪ ተንሲአ ኣብ ብሽክለታ ተወጢሐ፡ ጸልማት ተጐልቢበ ንኽጽሊ ዝኸዶ ቦታ የለን” ኢላ ተዕልል።

“ጓለይ ብጽቡቕ ዓብያትለይ” እናበለት ከኣ ተመስግን።

“ኣብ ኤርትራ ተሪፋ እንተትነብር እንታይ ኮን መጓነፋ? ኢለ ክሓስብ ኣይደልን ... መልሱ ስለ ዝፈልጦ” እናበለት ጸግኣ ትጽብጽብ።

ሄለን ብመስከረም 2009 ‘Song of the Nightingale’ (‘መዝሙር ዑፍ-ያሬድ’) ዘርእስቱ ዛንታ ህይወታ ዝገልጽ መጽሓፍ ጸሓፈት፣ እቲ መጽሓፋ ናብ ትሽዓተ ቋንቋታት ተተርጒሙ ስለ ዝተሓትመ ኣብ ምሉእ ዓለም ክዝርጋሕ ከኣለ፣ ብዙሓት ኣንበብቲ ኸኣ ረኸበ።